ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ቈረንቶስ 2:1-17

ትሕዝቶ

  • ጳውሎስ ኬሐጕሶም ይሓስብ ነበረ (1-4)

  • ሓደ ሓጥእ ይቕረ ተባህለሉን ተመልሰን (5-11)

  • ጳውሎስ ኣብ ጥሮኣስን ኣብ መቄዶንያን (12, 13)

  • ኣገልግሎትና፡ ዓጀባ ዓወት (14-17)

    • ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን (17)

2  ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ብጓሂ ኸይመጸኩም ወሲነ ኣለኹ።  ንዓኻትኩም እንተ ኣጕህየኩምሲ፡ ንዓይ ብዘይካ እቶም ዘጕሃኽዎም ካልእ ዜሐጕሰኒ መን ኪህሉ እዩ፧  ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም ስለ ዝተኣማመን፡ ምስ መጻእኩ፡ በቶም ክሕጐሰሎም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኸይጕሂ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ።  ክሳዕ ክንደይ ኣዝየ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን+ ነዚ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩልኩም።  ንሰብ ዘጕሃየ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡+ እምብዛ ደኣ ኸየኽብደሉ እምበር፡ ንዓይ ዘይኰነስ፡ ብእተወሰነ ንዅላትኩም እዩ ኣጕህዩ።  ነዚ ኸምዚ ዝበለስ፡ እቲ ኻብ መብዛሕትኹም እተዋህቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ እዩ፣  እኳ ደኣስ፡ ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይወሓጥ፡+ ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።+  ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ።+  ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም መርትዖ ምእንቲ ኸተቕርቡ ኢለ እውን እየ ዝጸሓፍኩልኩም። 10  ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፡ ኣነ እውን ይቕረ እብለሉ እየ። እኳ ደኣስ፡ ይቕረ ዝበልክዎ ዘበለ፡ (ማለት ይቕረ ዝበልክዎ እንተ ኣልዩ፡) ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኹም እዩ፣ 11  ማለት ሰይጣን ከይብለጸልና* ኢለ እየ፣+ ምኽንያቱ፡ ውዲቱ* ኣይንስሕቶን ኢና።+ 12  ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸበስር ኢለ ናብ ጥሮኣስ+ ምስ መጻእኩ፡ ብጐይታ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ነይሩ፣ 13  ንቲቶስ+ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፡ መንፈሰይ ኣይቀሰነን። ስለዚ፡ ተሰናቢተዮም ናብ መቄዶንያ ነቒለ።+ 14  ግናኸ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ገይሩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ዓጀባ ዓወት ዚመርሓናን ብኣና ኣቢሉ ሽታ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚዝርግሕን* ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። 15  ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን፡ ንኣምላኽ ምዑዝ ሽታ ክርስቶስ ኢና፣ 16  ነቶም ዚጠፍኡ ናብ ሞት ዚመርሕ ሽታ* ሞት፡+ ነቶም ዚድሕኑ ግና ናብ ህይወት ዚመርሕ መዓዛ ህይወት ኢና። ነዚኸ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ 17  ንሕና ኢና፣ ከመይሲ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኽና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ብዅሉ ግርህነት ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ዝዀንዎ፡ ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከይጐርሓልና።”
ወይ፡ “ሓሳቡ፣ ተንኰሉ።”
ወይ፡ “ዚገልጽን።”
ወይ፡ “መዓዛ።”
ወይ፡ “ብቓል ኣምላኽ ኣይንነግድን (መኽሰብ ንምርካብ ኣይንጥቀመሉን) ኢና።”