ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ቈረንቶስ 1:1-24

ትሕዝቶ

  • ሰላምታ (1, 2)

  • ኣብ ኵሉ ጸበባ፡ ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ምጽንናዕ (3-11)

  • ኣብ መደባት ጕዕዞ ጳውሎስ እተገብረ ለውጢ (12-24)

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ+ ዘለዉ ቕዱሳት፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  እቲ ኣቦ ርሕራሐን+ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን+ ዝዀነ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ+ ይወደስ።  በቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡+ ኣብ ጸበባ* ዘበለ ንዘለዉ ምእንቲ ኸነጸናንዕ፡+ ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና* የጸናንዓና* እዩ።+  ከምቲ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዜጓንፈና መከራ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡+ ከምኡ ድማ እቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ ምጽንናዕ ይዓዝዝ ኣሎ።  ስለዚ፡ እንተ ጸቢቡና፡* ንምጽንናዕኩምን ንድሕነትኩምን እዩ፣ ወይስ እንተ ተጸናኒዕና፡ ከምቲ ንሕና ዘሕለፍናዮ ዝኣመሰለ መከራ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ንምጽንናዕኩም እዩ።  ከምቲ ተኻፈልቲ መከራ ዝዀንኩም፡ ከምኡ ኸኣ ተኻፈልቲ ምጽንናዕ ከም እትዀኑ ፈሊጥና፡+ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ጽንዕቲ እያ።  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘጋጠመና ጸበባ፡+ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ልዕሊ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+  ንሞት ከም እተፈርደና እውን ተሰሚዑና ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንእመን* እዩ።+ 10  ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሓደጋ ሞት ኣናጊፉና፡ ኬናግፈና ድማ እዩ፣ ገና እውን ከም ዜናግፈና፡ ኣብኡ ተስፋ ኣሎና።+ 11  ብዙሓት ነቲ ሳላ ጸሎት ብዙሓት ዝረኸብናዮ ሞገስ ምእንታና ምእንቲ ኼመስግኑሉ፡+ ንስኻትኩም እውን ብምህለላኹም ክትድግፉና ትኽእሉ ኢኹም።+ 12  ከመይሲ፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኸኣ ምሳኻትኩም፡ ብስጋዊ ጥበብ ዘይኰነስ፡+ ብጸጋ ኣምላኽ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ቕድስናን ግርህነትን ከም ዝነበርና፡ ትምክሕትና እዚ እዩ፣ ሕልናና እውን ይምስክረልና እዩ። 13  ብዘይካ እቲ ኸተንብብዎን ክትርድእዎን እትኽእሉሲ፡* ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና፣ ነዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ* ክትርድእዎ ተስፋ እገብር። 14  ከምቲ ንስኻትኩም እውን ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ንዓና ትምክሕትና እትዀኑ፡ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብእተወሰነ ተረዲኡኩም ኣሎ። 15  በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ካልኣይ ሳዕ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡* ቅድም ናባኻትኩም ክመጽእ ሓሲበ ነይረ፣ 16  እወ፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፡ ካብ መቄዶንያ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እሞ፡ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።+ 17  ከምዚ ኢለ ምስ ሓሰብኩስ፡ ነዚ ኣቕሊለ ድየ ርእየዮ፧ ወይስ “እወ፡ እወ” ኽብል ጸኒሐ፡ “ኣይፋል፡ ኣይፋል” እናበልኩ ብስጋዊ መገዲ ድየ ዕላማ ዝገብር፧ 18  ከምቲ ኣምላኽ እሙን ዝዀነ፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝበልናኩም፡ “እወ” መሊስካ ኸኣ “ኣይፋል” ኣይኰነን። 19  ከመይሲ፡ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን* ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም እተሰብከ+ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “እወ” መሊስካ ኸኣ “ኣይፋል” ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣብኡ “እወ፡ እወ” ዀይኑ እዩ። 20  ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ “እወ” ዀይኑ እዩ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ንኣምላኽ “ኣሜን” ይብሃል እዩ።+ 21  ግናኸ፡ እቲ ንሕናን ንስኻትኩምን ናይ ክርስቶስ ምዃንና ውሕስነት ዝሃበናን ዝቐብኣናን ኣምላኽ እዩ።+ 22  ማሕተም እውን ገይሩልና፡+ ኣብ ልብና ኸኣ ዕርቡን፡ ማለት መንፈስ፡+ ሂቡና ኣሎ። 23  ክሳዕ ሕጂ ናብ ቈረንቶስ ዘይመጻእኩ፡ ክንሕፈኩም ኢለ ምዃነይ፡ ኣምላኽ ኪምስክረለይ* እጽውዕ ኣለኹ። 24  ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ ምእንቲ ኽትሕጐሱ መዓይይትኹም ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፈተና።”
ወይ፡ “ፈተናና።”
ወይ፡ “የተባብዓና።”
ወይ፡ “ተፈቲንና።”
ወይ፡ “ኸይንውከል።”
ወይ፡ “ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎን እትርድእዎንሲ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ክሳዕ መወዳእታ።”
ወይ፡ “ክልተ ሳዕ ምእንቲ ኽትጥቀሙ” ኪኸውን ይኽእል።
ሲላስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ኣብ ነፍሰይ ኪምስክር።”