ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 9:1-13

ትሕዝቶ

  • ዳዊት ንመፊቦሸት ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (1-13)

9  ዳዊት ድማ፡ “ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ብተኣማንነት ከፍቅሮ ዝኽእል ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፧” በለ።+  ጺባ ዝስሙ ጊልያ ቤት ሳኦል ከኣ ነበረ።+ ንዕኡ ድማ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ፣ ንጉስ ከኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ጺባ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ጊልያኻ እየ” ኢሉ መለሰ።  ንጉስ ከኣ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ብተኣማንነት ከፍቅሮስ፡ ካብ ቤት ሳኦል ገለ ሓድጊዶ የልቦን፧” በለ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፣ ንሱ ኣእጋሩ ሰንኪሉ* እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+  ንጉስ ከኣ፡ “ንሱኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ንሱ ኣብ ቤት ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።  ብኡብኡ፡ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ፡ ንዕኡ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ወሰዶ።  መፊቦሸት ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደ። ዳዊት ከኣ፡ “መፊቦሸት” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ ጊልያኻ” ኢሉ መለሰ።  ዳዊት ከኣ፡ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ብርግጽ ብተኣማንነት ከፍቅረካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍራህ፣ ኵሉ ግራውቲ ኣቦሓጎኻ ሳኦል ክመልሰልካ እየ፣ ንስኻ እውን ወትሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ።+  ሽዑ፡ ንሱ ሰጊዱ፡ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ+ ቘላሕታኻ* እትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እዩ፧” በለ።  ንጉስ ከኣ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ልኢኹ ጸዊዑ፡ “ኵሉ እቲ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ፡ ንወዲ ወዱ ንጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።+ 10  ነቶም ናይ ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ዘበሉ ዚበልዕዎ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ንስኻን ደቅኻን ገላዉኻን ነቲ መሬት ሓሪስኩም፡ ፍሪኡ ኣክቡ። መፊቦሸት ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ግና፡ ወትሩ ኣብ መኣደይ ኪበልዕ እዩ” በሎ።+ ጺባ ኸኣ 15 ኣወዳትን 20 ገላዉን ነበርዎ።+ 11  ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ከም ኵሉ እቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝኣዘዞ፡ ጊልያኡ ኸምኡ ኺገብር እዩ” በሎ። መፊቦሸት ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣዲ ዳዊት* በልዐ። 12  መፊቦሸት ድማ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ።+ ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ጺባ ዚነብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ። 13  መፊቦሸት ድማ ወትሩ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፣+ ክልቲኡ እግሩ ኸኣ ስንኩል ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓንኪሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጽካ።”
ወይ፡ “ኣብ መኣደይ” ኪኸውን ይኽእል።