ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 5:1-25

ትሕዝቶ

  • ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅላ እስራኤል ነገሰ (1-5)

  • የሩሳሌም ተታሕዘት (6-16)

    • ጽዮን፡ ከተማ ዳዊት (7)

  • ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም (17-25)

5  ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡+ “እንሆ፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና።+  ኣቐዲሙ፡ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ትመርሖ* ኔርካ።+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ፡ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ እዩ” በልዎ።+  ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መጹ። ንጉስ ዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ።+ ሽዑ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።+  ዳዊት ኪነግስ ከሎ ወዲ 30 ዓመት ነበረ፣ 40 ዓመት ድማ ነገሰ።+  ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም+ ኰይኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን 33 ዓመት ነገሰ።  ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ይቡሳውያን ኪጻረሩ ኸዱ።+ ንሳቶም ከኣ ንዳዊት፡ “ናብዚ ኸቶ ኣይክትኣቱን ኢኻ! ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኺሰጕጉኻ እዮም” ኢሎም ኣባጨዉሉ። ‘ዳዊት ናብዚ ኸቶ ኣይኪኣቱን እዩ’ ኢሎም ሓሲቦም ነበሩ።+  ዳዊት ግና ንዕርዲ ጽዮን፡ ንሳ ሕጂ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።+  ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ “እቶም ንይቡሳውያን ዜጥቅዑ፡ ነቶም ዳዊት ዚጸልኦም* ‘ሓንካሳትን ዕዉራትን’ ንምውቃዕ በቲ መትረብ ማይ ኣቢሎም ይኺዱ!” በለ። ስለዚ እዩ፡ “ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብ ቤት ከቶ ኣይእተዉ” እተባህለ።  ዳዊት ድማ ኣብቲ ዕርዲ ተቐመጠ እሞ፡ ከተማ ዳዊት ተባህለት።* ዳዊት ድማ ካብቲ ዅምራ* ኣትሒዙ ብዙርያኣን ኣብ ውሽጣን ሃነጸ።+ 10  በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት እናዓበየ ኸደ፣+ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።+ 11  ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኣዕጫው ቄድሮስን+ ጸረብትን ነደቕትን ሰደደሉ፣ ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት* ሃነጹሉ።+ 12  ዳዊት ድማ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ፡+ ነታ መንግስቱ እውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ+ ልዕል ከም ዘበላ ፈለጠ።+ 13  ዳዊት ከኣ ካብ ኬብሮን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ኣብ የሩሳሌም ተወሰኽቲ ኣንስቲ ወሰንን+ ኣንስትን ኣእተወ፣ ንዳዊት ድማ ተወሰኽቲ ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።+ 14  ስማት እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ እዚ እዩ፦ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+ 15  ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊዓን 16  ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን። 17  ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም እተቐብአ ምስ ሰምዑ፡+ ኵሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ።+ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ።+ 18  ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ስንጭሮ* ረፋይም ኣትዮም ፋሕ በሉ።+ 19  ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንዶ ኽድይብ፧ ንዓታቶምከ ኣብ ኢደይዶ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት፡ “ንፍልስጥኤማውያን ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይብ” በሎ።+ 20  ዳዊት ድማ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፣ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ወቕዖም። ሽዑ፡ “ከምቲ ማያት ዚፍንጥስ፡ የሆዋ ንጸላእተይ ፈንጠሶም” በለ።+ ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም* እተሰምየት።+ 21  ፍልስጥኤማውያን ድማ ጣኦታቶም ኣብኡ ሓደጉ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣልዓልዎም። 22  ፍልስጥኤማውያን ድማ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም+ ፋሕ በሉ። 23  ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ሓተቶ፣ ንሱ ድማ፡ “ብቐጥታ ኣይትደይብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብድሕሪኦም ዙር እሞ፡ ብመንጽር እቲ ቘጥቋጣት ባኻ እተዎም። 24  ኣብ ርእሲ እቲ ቘጥቋጣት ባኻ ደሃይ ዚስጕሙ ምስ ሰማዕካ፡ የሆዋ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖም ቅድሜኻ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ስጕምቲ ውሰድ” በሎ። 25  ዳዊት ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ ንፍልስጥኤማውያን+ ድማ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ጌዘር+ ወቕዖም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን።”
ወይ፡ “ነፍሲ ዳዊት እትጸልኦም።”
ወይ፡ “ኢሉ ሰመያ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ትርጉሙ፡ “ጐይታ ምፍንጣስ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”