ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 3:1-39

ትሕዝቶ

  • ቤት ዳዊት እናበርትዐት ከደት (1)

  • ደቂ ዳዊት (2-5)

  • ኣብኔር ናብ ዳዊት ከደ (6-21)

  • ዮኣብ ንኣብኔር ቀተሎ (22-30)

  • ዳዊት ንኣብኔር ሓዘነሉ (31-39)

3  እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ቀጸለ፣ ዳዊት ከኣ እናበርትዐ ኸደ፣+ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።+  ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ።+ እቲ በዅሩ ኸኣ፡ ካብ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን+ እዩ።  እቲ ኻልኣዩ ድማ፡ ካብ ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳዊ እተወልደ ኪልኣብ እዩ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ኣቤሴሎም+ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ+ ንጉስ ጌሹር እዩ።  እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፡ እቲ ሓምሻይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ።  እቲ ሻድሻይ ድማ፡ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ።  ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ እናተገብረ ኸሎ፡ ኣብኔር+ ኣብ ቤት ሳኦል እናበርትዐ ኸደ።  ሳኦል ድማ ሪጽጳ+ ዝስማ ጓል ኣያ ዝዀነት ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት+ ከኣ ንኣብኔር፡ “ስለምንታይ ኢኻ ናብ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣቶኻ፧” በሎ።+  ኣብኔር ድማ በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣመና ተቘጢዑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነዶ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ እየ፧ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ንኣሕዋቱን ንፈተውቱን ብተኣማንነት ኣፍቂረ እየ፣ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ሎሚ ግና ንስኻ ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ ስሕተት ቈጺርካለይ።  ንዳዊት ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሉ እንተ ዘይገይረሉስ፡+ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ፣ 10  እታ መንግስትስ ካብ ቤት ሳኦል ክትሓልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ ክትጸንዕ እያ።”+ 11  ንሱ ኸኣ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኺምልሰሉ ኣይከኣለን።+ 12  ብኡብኡ፡ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ልኢኹ፡ “እዛ ምድሪ ናይ መን ድያ፧” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኪዳን እተወለይ እሞ፡ ኣነ እውን ኵሉ እስራኤል ናብ ጐድንኻ ንምምላስ፡ ዚከኣለኒ ዘበለ ኽገብር እየ”* በሎ።+ 13  ንሱ ድማ፡ “ጽቡቕ። ኣነ ምሳኻ ኺዳን ክኣቱ እየ። ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣለኹ፣ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ንሚካል+ ጓል ሳኦል ከየምጻእካያ፡ ገጸይ ክትርኢ ኸይትፍትን” ኢሉ መለሰ። 14  ዳዊት ከኣ ናብ ኢሽ-ቦሸት+ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ልኢኹ፡ “እታ ብ100 ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን እተሓጸኽዋ ሰበይተይ ሚካል ሃበኒ” በሎ።+ 15  ኢሽ-ቦሸት ድማ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል+ ወዲ ላይሽ ወሰዳ። 16  እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ክሳብ ባሑሪም+ እውን እናበኸየ ሰዓባ። ኣብኔር ከኣ፡ “ኪድ፡ ተመለስ!” በሎ። ንሱ ድማ ተመልሰ። 17  ኣብኔር ከኣ ናብ ዓበይቲ እስራኤል ልኢኹ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ኪነግስ ካብ ቀደም ትደልዩ ኔርኩም ኢኹም። 18  የሆዋ ድማ ንዳዊት፡ ‘ብኢድ ጊልያይ ዳዊት+ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ጸላእቶምን ከድሕኖም እየ’ ኢልዎ እዩ እሞ፡ ሕጂ ስጕምቲ ውሰዱ።” 19  ኣብኔር ከኣ ንሰብ ብንያም ተዛረቦም።+ ኣብኔር ድማ ንዳዊት ብብሕቲ ኺዛረቦን እስራኤልን ብዘላ ቤት ብንያምን እተሰማምዑሉ ኺነግሮን ናብ ኬብሮን ከደ። 20  ኣብኔር ድማ ምስ 20 ሰባት ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጸ፣ ዳዊት ከኣ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ድግስ ደገሰሎም። 21  ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ “ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ ከይደ ንዅሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፣ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ እትብህጎ* ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ንሱ እውን ብሰላም ከደ። 22  ሽዑሽዑ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ምሳታቶም ብዙሕ ምርኮ ሒዞም ካብ ወራር ተመልሱ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ብሰላም ሰዲድዎ ኸይዱ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን። 23  ዮኣብን+ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ መጹ፡ ንዮኣብ፡ “ኣብኔር+ ወዲ ኔር+ ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፣ ንሱ ኸኣ ሰዲድዎስ፡ ብሰላም ከይዱ” ተባሂሉ ተነግሮ። 24  ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ “እንታይ ኢኻ ጌርካ፧ እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ነይሩ። ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝሰደድካዮ፧ 25  ንኣብኔር ወዲ ኔር ትፈልጦ ኢኻ! ኬዐሽወካን ኵሉ ምንቅስቓሳትካ ኺፈልጥን እትገብሮ ዅሉ ኺፈልጥን እዩ ናብዚ መጺኡ” በሎ። 26  ዮኣብ ከኣ ካብ ዳዊት ወጺኡ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ካብ መዕቘር ማይ ሲራ መለስዎ፣ ዳዊት ግና ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን። 27  ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡+ ዮኣብ ንበይኑ ገይሩ ኺዛረቦ ኢሉ ናብ ውሽጢ ኣፍ ደገ ኣላገሶ። ኣብኡ ግና፡ ብምኽንያት ደም ሓዉ ዓሳሄል+ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።+ 28  ደሓር፡ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ኣነን መንግስተይን ካብ ዕዳ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዘለኣለም ንጹሃት ኢና።+ 29  እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን+ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይመለስ። ኣብ ቤት ዮኣብ ፈሳሲ ዚክዓዎ፡+ ወይ ድዉይ፡+ ወይ መፍተል ዚፈትል፡* ወይ ብሰይፊ ዚወድቕ፡ ወይ እንጌራ ዚስእን ሰብ ኣይሰኣን!”+ በለ። 30  ንዓሳሄል ሓዎም ኣብቲ ኣብ ጊብዖን እተገብረ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡+ ዮኣብን ሓዉ ኣቢሻይን+ ንኣብኔር+ ቀተልዎ። 31  ዳዊት ድማ ንዮኣብን ንዅሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፡ “ክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ማቕ እውን ተዓጠቑ፡ ንኣብኔር ከኣ ዋይዋይ በሉሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ቐብሪ ይኸይድ ነበረ። 32  ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፣ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ዓው ኢሉ በኸየ፣ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ። 33  ንጉስ ከኣ ንኣብኔር ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉ፦ “ኣብኔርዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት፧ 34  ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ኣእጋርካ እውን ብመቝሕ* ኣይተቓቐራን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ* ዚወድቕ ወደቕካ።”+ ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ በኸዩሉ። 35  ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ንዳዊት ኬጸናንዕዎ ኢሎም እንጌራ* ኺህብዎ መጹ፣ ዳዊት ግና፡ “ጸሓይ ከይዓረበት እንጌራ ወይ ዝዀነ ነገር እንተ ጥዒመስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ!” ኢሉ መሓለ።+ 36  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነዚ ፈለጡ፡ ባህ እውን ኣበሎም። ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ዝገበሮ ነገር፡ እዚ እውን ንዅሎም እቶም ህዝቢ ባህ ኣበሎም። 37  ኵሎም እቶም ህዝብን ኵሉ እስራኤልን ከኣ፡ ንጉስ ንኣብኔር ወዲ ኔር ከም ዘየቕተሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።+ 38  ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ “በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 39  ሎሚ ኣነ እተቐባእኩ ንጉስ ክነሰይ፡+ ድኹም እየ፣ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ደቂ ጽሩያ+ ድማ ንዓይ ኣመና ሕሱማት እዮም።+ የሆዋ ደኣ ነቲ ገባር ክፉእ ከም ክፍኣቱ ይፍደዮ”+ በሎም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “እንሆ፡ ኢደይ ምሳኻ እያ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ እትብህጎ።”
ምናልባት ዕዮ ሰበይቲ ኺዓዪ ንዚግደድ ቈራይ ሰብኣይ የመልክት።
ቃ.ቃ.፡ “ብነሓሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ዓመጻ።”
ወይ፡ “እንጌራ ሓዘን።”