ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 24:1-25

ትሕዝቶ

  • ዳዊት ንህዝቢ ብምቝጻሩ ዝፈጸሞ ሓጢኣት (1-14)

  • ብለበዳ 70,000 ሞቱ (15-17)

  • ዳዊት መሰውኢ ሰርሐ (18-25)

    • ‘ዋጋ ዘይተኸፍለሉ መስዋእቲ ኣየቕርብን’ (24)

24  ሓደ ኸኣ ንዳዊት፡ “ኪድ እሞ፡ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍጸሮም”+ ኢሉ ኣንጻሮም ምስ ኣለዓዓሎ፡*+ ቍጥዓ የሆዋ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደ።+  ንጉስ ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዮኣብ+ እቲ ሓለቓ ሰራዊት፡ “ቍጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ፡ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ+ ዜርካ ነቲ ህዝቢ መዝግቦ” በሎ።  ዮኣብ ግና ንንጉስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ነቲ ህዝቢ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ይርኣያኦ፣ ግናኸ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ከምዚ ኺገብር ደልዩ፧” በሎ።  ቃል ንጉስ ግና ንዮኣብን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ሰዓሮም። ዮኣብን እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪምዝግቡ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።+  ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ዓሮዔር፡+ ብየማን* እታ ኸተማ ኣብ ማእከል እቲ ስንጭሮ፡* ናብ ጋዳውያን፡ ናብ ያዕዜር+ ኣቢሎም ሰፈሩ።  ድሕርዚ፡ ናብ ጊልዓድን+ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺን ከዱ፣ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ድማ፡ ናብ ሲዶን+ ኣቢሎም ዞሩ።  ናብ ዕርዲ ጢሮስን+ ናብ ኵለን ከተማታት ሒዋውያንን+ ከነኣናውያንን ከኣ ከዱ፣ ኣብ ነጌብ+ ናይ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ+ ድማ ዛዘሙ።  በዚ ኸምዚ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ዞይሮም ኣብ መወዳእታ ትሽዓተ ወርሕን 20 መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ።  ዮኣብ ከኣ ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ህዝቢ ንንጉስ ሃቦ። እስራኤል ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ 800,000 ተዋጋእቲ ዀኑ፣ ሰብ ይሁዳ ኸኣ 500,000 ኰኑ።+ 10  ዳዊት ግና ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ፡ ልቡ* ብጣዕሳ ወቕዖ።+ ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “እዚ ብምግባረይ ብዙሕ ሓጢአ እየ።+ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡+ ሕጂ ድማ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ንስሕተት ጊልያኻ ይቕረ በል”+ በሎ። 11  ዳዊት ንግሆ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ጋድ፡+ ናይ ዳዊት ብዓል ራእይ፡ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ 12  “ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ኣማራጺ እህበካ ኣለኹ። ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኦስ፡ ሓዲኡ ሕረ።”’”+ 13  ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ኣብ ምድርኻ ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ፧+ ወይ ሰለስተ ወርሒ ተጻረርትኻ እናሰጐጉኻ ኻብ ቅድሚኦም ክትሃድምዶ፧+ ወይ ኣብ ምድርኻ ሰለስተ መዓልቲ ለበዳ ኪኸውንዶ፧+ ሕጂ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝምልሰሉ ተጠንቂቕካ ሕሰብ” ኢሉ ነገሮ። 14  ዳዊት ከኣ ንጋድ፡ “ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ። ግናኸ፡ ምሕረቱ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኢድ የሆዋ ደኣ ንውደቕ እምበር፡+ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይውደቕ”+ በሎ። 15  ሽዑ፡ የሆዋ ኻብ ንግሆ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ግዜ ናብ እስራኤል ለበዳ ሰደደ፣+ ካብቲ ህዝቢ ድማ፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡+ 70,000 ሰባት ሞቱ።+ 16  እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ የሆዋ በቲ መዓት ተጣዕሰ፣*+ ነቲ ንህዝቢ ዜጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “ይኣክል! ሕጂ ኢድካ ኣውርዳ” በሎ። መልኣኽ የሆዋ ድማ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና+ እቲ ይቡሳዊ+ ነበረ። 17  ዳዊት ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረኣዮ፡ ንየሆዋ፡ “ኣነ እየ ሓጢአ፡ ኣነ እየ በዲለ፣ እዘን ኣባጊዕ+ እዚአን ግና እንታይ ገይረን፧ በጃኻ፡ ኢድካ ኣንጻረይን ኣንጻር ቤት ኣቦይን ትኹን” በሎ።+ 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጋድ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ደይብ እሞ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ንየሆዋ መሰውኢ ኣቝም” በሎ።+ 19  ዳዊት ከኣ ከም ቃል ጋድ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ደየበ። 20  ኣራውና ድማ ኣንቈልቊሉ ጠሚቱ፡ ንጉስን ገላዉኡን ናብኡ ኺመጹ ምስ ረኣየ፡ ብኡብኡ ኣራውና ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ሰገደሉ። 21  ኣራውና ኸኣ፡ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዳዊት ድማ፡ “እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጸ መቕዘፍቲ ደው ምእንቲ ኺብል፡ ንየሆዋ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ነዚ ዓውዲ እዚ ኻባኻ ኽዕድጎ” ኢሉ መለሰሉ።+ 22  ኣራውና ኸኣ ንዳዊት፡ “ጐይታይ ንጉስ ይውሰዶ፡ ጽቡቕ ዝመሰሎ* ድማ የቕርበሉ። ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ ንዕንጨይቲ ዚኸውን ድማ እቲ መኼድን እቲ ናውቲ እቶም ከብትን እንሆ። 23  ኦ ንጉስ፡ እዚ ዅሉ፡ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ” በሎ። ኣራውና ኸኣ ንንጉስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ሞገስ የርኢኻ” በሎ። 24  ንጉስ ግና ንኣራውና፡ “ኣይፋልን፡ ብዋጋ ደኣ እየ ኻባኻ ዝዕድጎ። ዋጋ ብዘይከፈልኩሉስ ንየሆዋ ኣምላኸይ ዚሓርር መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ” በሎ። ዳዊት ድማ ነቲ ዓውድን ነቶም ከብትን ብ50 ሲቃል* ብሩር ዓደጎም።+ 25  ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን እውን ኣቕረበ። የሆዋ ኸኣ ንልማኖ እታ ምድሪ መለሰ፡+ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝመጸ መቕዘፍቲ ኸኣ ደው በለ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዳዊት ምስ ተለዓዓለ።”
ወይ፡ “ብደቡብ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ሕልናኡ።”
ወይ፡ “ጐሃየ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ።”
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።