ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 23:1-39

ትሕዝቶ

  • መወዳእታ ዘረባ ዳዊት (1-7)

  • ጅግንነት ጀጋኑ ዳዊት (8-39)

23  መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዚ እዩ፦+ “ቃል ዳዊት ወዲ እሴይ፡+ ቃል እቲ ናብ ላዕሊ እተላዕለ ሰብኣይ፡+ እቲ ቕቡእ+ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቲ ጥዑም ዘማሪ መዝሙራት+ እስራኤል።   መንፈስ የሆዋ ብኣይ ተዛረበ፡+ ቃሉ ኣብ ልሳነይ ነበረ።+   ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበ፣ እቲ ኸውሒ እስራኤል+ ንዓይ በለኒ፦ ‘እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚገዝእ ጻድቕ ምስ ዚኸውን፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ምስ ዚገዝእ፡+   ከምቲ ደበና ኣብ ዘይብሉ ንግሆ ጸሓይ እትበርቀሉ ብርሃን ንግሆ እዩ።+ ከምቲ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቍል+ ድሕሪ ዝናም ዚህሉ ድምቀት እዩ።’   ቤተይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነትን፧ ከመይሲ፡ ብዅሉ ዝርዝር እተሰርዐን ውሑስን ናይ ዘለኣለም ኪዳን ኣትዩለይ።+ ምሉእ ድሕነተይን ኵሉ ደስታይን ስለ ዝዀነ፡ ስለዚ ደይኰነን ዜብቍለለይ፧+   ዘይጠቕሙ ሰባት ግና ከም ኣሻዅ ቈጥቋጥ ኵሎም ይድርበዩ፣+ ከመይሲ፡ ብኢድ ኪትሓዙ ኣይክእሉን እዮም።   ሰብ ኪትንክዮም ከሎ፡ ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ምሉእ ብምሉእ ይተዓጠቕ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ቦታኦም ብሓዊ ጠሪሶም ይንደዱ።”  ስማት ጀጋኑ ዳዊት እዚ እዩ፦+ ዮሼብ-ባሸቤት እቲ ታሕክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሰለስተ።+ ንሱ ብሓንሳእ ኣብ ልዕሊ 800 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ።  ድሕሪኡ፡ ኣልኣዛር+ ወዲ ዶዶ+ ወዲ ኣሖሒ እዩ። ንሱ ኻብቶም ፍልስጥኤማውያን ንውግእ ኣብኡ ምስ ተኣከቡ ዘባጨዉሎም፡ ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እዩ። ሽዑ፡ ሰብ እስራኤል ምስ ኣንሰሓቡ፡ 10  ንሱ ኣብ መትከሉ ቘይሙ፡ ኢዱ ኽሳዕ እትደክምን ኢዱ ኣብታ ሰይፊ ኽሳዕ እትለግብን ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም።+ የሆዋ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ዓወት* ኣምጽአ፣+ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነቶም ቅቱላት ኪገፍፉ ደድሕሪኡ ተመልሱ። 11  ድሕሪኡ፡ ሻማ ወዲ ኣጌ እቲ ሃራራዊ እዩ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ሌሒ፡ ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልአት ግራት ተኣከቡ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሰሪ ፍልስጥኤማውያን ሃደመ። 12  ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሓና፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ቀተሎም። የሆዋ ኸኣ ዓብዪ ዓወት* ኣምጽአ።+ 13  ካብቶም 30 ርእስታት ድማ ሰለስተ ብግዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ዓዱላም ወረዱ፣+ ሓደ ጭፍራ* ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም ሰፊሩ ነበረ።+ 14  ዳዊት ድማ ሽዑ ኣብ ዕርዲ ነበረ፣+ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ቤት-ልሄም ነበረ። 15  ዳዊት ድማ፡ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘሪ፡ ማይ ክሰቲ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሃበ፧” ኢሉ ትምኒቱ ገለጸ። 16  ሽዑ፡ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘር ማይ ድማ ማይ ቀዲሖም፡ ንዳዊት ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ግና ምስታዩ ኣበየ፡ ንየሆዋ እውን ኣፍሰሶ።+ 17  “ኦ የሆዋ፡ እዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! ደም እዞም ህይወቶም* ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧”+ ከኣ በለ። ስለዚ፡ ምስታዩ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ። 18  ኣቢሻይ+ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ+ ድማ፡ ርእሲ ኻልኦት ሰለስተ ነበረ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ 300 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ፣ ከምቶም ሰለስተ ድማ ስሙይ ነበረ።+ 19  ካብቶም ካልኦት ሰለስተ ዝኸበረ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓለቓኦም እውን እንተ ዀነ፡ ማዕረ እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን። 20  በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ቃብጽኤል+ ብዙሕ ጅግንነታዊ ተግባር ዝገበረ ተባዕ ሰብኣይ* ነበረ። ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣርኤል ናይ ሞኣብ ቀተሎም፣ ብመዓልቲ ውርጪ ድማ ናብ ጕድጓድ ማይ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።+ 21  ንሓደ ገዚፍ ግብጻዊ ሰብኣይ እውን ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ዂናት እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ብበትሪ ገጠመሉ እሞ፡ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። 22  በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገበረ፣ ከምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ኸኣ ስሙይ ነበረ። 23  ካብቶም ሰላሳ ዝኸበረ እኳ እንተ ነበረ፡ ማዕረ እቶም ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን። ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዘብዐኛታቱ ሸሞ። 24  ዓሳሄል+ ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ነበረ፦ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም፡+ 25  ሻማ እቲ ሓሮዳዊ፡ ኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡ 26  ሔለጽ+ እቲ ጳልጣዊ፡ ዒራ+ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡ 27  ኣቢ-ዔዘር+ እቲ ዓናቶታዊ፡+ ሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ፡ 28  ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊ፡ ማሃራይ+ እቲ ነጦፋታዊ፡ 29  ሔለብ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ ኢታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ ናይ ብንያማውያን፡ 30  በናያ+ ሓደ ጲርዓቶናዊ፡ ሂዳይ ካብ ርባታት* ጋዓሽ፡+ 31  ኣቢ-ዓልቦን እቲ ዓርባታዊ፡ ዓዝማዌት እቲ ባርሑማዊ፡ 32  ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ ደቂ ያሸን፡ ዮናታን፡ 33  ሻማ እቲ ሃራራዊ፡ ኣሒያም ወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡ 34  ኤሊፈለጥ ወዲ ኣሓስባይ ወዲ ማዓካታዊ፡ ኤሊዓም ወዲ ኣሒቶፌል+ እቲ ጊሎናዊ፡ 35  ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ጳዓራይ እቲ ኣርባዊ፡ 36  ይግኣል ወዲ ናታን ካብ ጾባ፡ ባኒ እቲ ጋዳዊ፡ 37  ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ተሰካሚ ኣጽዋር ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ 38  ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡+ 39  ኡርያ+ እቲ ሔታዊ፡—ኵሉ ዅሎም 37።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ዓድታት ድንኳን።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ወዲ ሓደ ሓያል ሰብኣይ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።