ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 20:1-26

ትሕዝቶ

  • ዕልወት ሸባ፣ ዮኣብ ንዓማሳ ቐተሎ (1-13)

  • ሸባ ተሰጕጐን ርእሱ ተቘርጸን (14-22)

  • ምምሕዳር ዳዊት (23-26)

20  ኣብኡ ኸኣ ሓደ መሸገሪ፡ ሸባ+ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፣ ኣብ ወዲ እሴይ ከኣ ርስቲ የብልናን።+ ኦ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ኣማልኽቱ* ይመለስ!”+ ኢሉ መለኸት ነፍሐ።+  ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ንዳዊት ምስዓብ ሓዲጎም ንሸባ ወዲ ቢክሪ ሰዓብዎ፣+ እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ የሩሳሌም ናብ ንጉሶም ለገቡ።+  ዳዊት ከኣ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ* ምስ መጸ፡+ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሲዱ፡+ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐመጠን። ይምግበን ድማ ነበረ፣ ናባታተን ግና ኣይኣተወን።+ ንሳተን ከኣ ህያው ሰብኣይ ከለወንሲ ኸም መበለታት ኰይነን፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዓጽየን ነበራ።  ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡+ “ንሰብ ይሁዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፣ ንስኻ እውን ኣብዚ ተረኸብ” በሎ።  ዓማሳ ኸኣ ንይሁዳ ኬኽትት ከደ፣ ግናኸ፡ ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ደንጐየ።  ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢሻይ፡+ “ሸባ+ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ኺጐድኣና እዩ።+ እተዓርዳ ኸተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካባና ኸየምልጥሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ” በሎ።  ስለዚ፡ ሰብ ዮኣብን+ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን+ ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፣ ንሸባ ወዲ ቢክሪ ኺሰጕጕዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ።  ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጊብዖን+ ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ+ ኺረኽቦም መጸ። ዮኣብ ድማ ናይ ውግእ ክዳኑ ተኸዲኑ፡ ኣብ ሰገባኡ ዝኣተወ ሰይፊ ኸኣ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንቕድሚት ምስ ሰጐመ ኸኣ፡ እቲ ሰይፊ ወደቐ።  ዮኣብ ድማ ንዓማሳ፡ “ደሓንዶ ኣለኻ፡ ሓወይ፧” በሎ። ዮኣብ ከኣ ከም ዚስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ንዓማሳ ጭሕሙ ሓዞ። 10  ዓማሳ ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሰይፊ ኣይተጠንቀቐሉን፣ ዮኣብ ድማ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ እሞ፡+ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሐ። መሊሱ ኺወግኦ እውን ኣየድለዮን፣ ንምቕታሉ ሓንሳእ ኣኸሎ። ዮኣብን ሓዉ ኣቢሻይን ከኣ ንሸባ ወዲ ቢክሪ ሰጐጕዎ። 11  ሓደ ኻብ ኣጕባዝ ዮኣብ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ኣብ ጐድኒ ዮኣብ ዝዀነን ናይ ዳዊት ዘበለን፡ ንዮኣብ ይስዓብ!” ይብል ነበረ። 12  ዓማሳ ኸኣ ኣብ ማእከል እቲ መገዲ ኣብ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ይብል ከም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ንዓማሳ ኻብቲ መገዲ ናብ ግራት ኣልገሶ። ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ይብል ከም ዘሎ ስለ ዝረኣየ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽዳን ዘርግሓሉ። 13  ካብ መገዲ ምስ ኣልገሶ፡ ኵሉ ሰብ ንሸባ+ ወዲ ቢክሪ ንምስጓጕ፡ ንዮኣብ ሰዓቦ። 14  ሸባ ድማ ብዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቢሉ ናብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ+ ሓለፈ። ቢክራውያን ከኣ ተኣኪቦም ደድሕሪኡ ኸዱ። 15  ዮኣብን ሰቡን* ድማ መጺኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፣ ነታ ኸተማ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ቘይማ ኸላ፡ ዕርዲ ኸበባ ዀመሩላ። ኵሎም እቶም ምስ ዮኣብ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ነቲ መንደቕ ኬውድቕዎ ኢሎም የፍርስዎ ነበሩ። 16  ሓንቲ ጥበበኛ ሰበይቲ ኸኣ ካብታ ኸተማ፡ “ስምዑ፡ ስምዑ! በጃኹም ንዮኣብ፡ ‘ክዛረበካስ ናብዚ ቕረብ’ በሉለይ” ኢላ ጨደረት። 17  ንሱ ድማ ናብኣ ቐረበ፣ እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ “ዘረባ ገረድካ ስማዕ” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ። 18  ንሳ ኸኣ፡ “ቀደም፡ ‘ኣብ ኣቤል ይሕተቱ እሞ፡ መወዳእታ ነገር ይኸውን’ ይብሃል ነበረ። 19  ኣነስ ነቶም ሰላማውያንን እሙናትን እስራኤል እየ ዝውክል። ንስኻ ድማ ነዛ ኣብ እስራኤል ከም ኣደ ዝዀነት ከተማ ኸተጥፍኣ ትደሊ ኣለኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ የሆዋ እተዕኑ* ዘለኻ፧” በለቶ።+ 20  ዮኣብ ከኣ፡ “ኬዕንዋን ኬጥፍኣንሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ! 21  እቲ ነገር ከምኡ ኣይኰነን። ሸባ+ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ካብ ንጉስ ዳዊት ዓልዩ* ኣሎ። ነዚ ሓደ ሰብኣይ እዚ ኣሕሊፍኩም እንተ ሂብኩምኒ፡ ካብዛ ኸተማ ኸንሳሕብ እየ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ንዮኣብ፡ “እንሆ፡ ርእሱ ብልዕሊ መካበብያ ኺድርበየልካ እዩ” በለቶ። 22  ሽዑ፡ እታ ጥበበኛ ሰበይቲ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸደት፣ ንሳቶም ድማ ርእሲ ሸባ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ቤቱ ፋሕ በለ፣+ ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። 23  ዮኣብ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፣+ በናያ+ ወዲ የሆያዳ+ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን ነበረ።+ 24  ኣዶራም+ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ፣ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ድማ መዝጋቢ ነበረ። 25  ሸዋእ ከኣ ጸሓፊ ነበረ፣ ጻዶቅን+ ኣብያታርን+ ድማ ካህናት ነበሩ። 26  ዒራ እቲ ያኢራዊ እውን ኣውራ ብዓል ስልጣን* ዳዊት ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድንኳኑ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሳቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “እትውሕጥ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ንጉስ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካህን።”