ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 14:1-33

ትሕዝቶ

  • ዮኣብን እታ ተቆዓዊት ሰበይትን (1-17)

  • ዳዊት ንሓሳብ ዮኣብ ፈለጦ (18-20)

  • ኣቤሴሎም ኪምለስ ተፈቕደሉ (21-33)

14  ዮኣብ ወዲ ጽሩያ+ ኸኣ ልቢ ንጉስ ንኣቤሴሎም ሃረር ከም ዝበለ ፈለጠ።+  ዮኣብ ድማ ናብ ተቆዓ+ ልኢኹ፡ ካብኣ ብልሂ ሰበይቲ ጸውዐ እሞ፡ “በጃኺ፡ ኣብ ሓዘን ከም ዘለኺ ምሰሊ፡ ክዳውንቲ ሓዘን ከኣ ተኸደኒ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ።+ ብምዉት ንነዊሕ እዋን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲ ኹኒ።  ናብ ንጉስ ኬድኪ ኸኣ፡ ከምዚ ኢልኪ ተዛረብዮ” ኢሉ ዮኣብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ።*  እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ ርድኣኒ!” በለት።  ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧” በላ። ንሳ ድማ ከምዚ በለት፦ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ።  ገረድካ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ነይሮምኒ፣ ክልቲኦም ከኣ ዚፈላልዮም ኣብ ዘይብሉ መሮር ተባኢሶምሲ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቐቲልዎ።  ሕጂ ኸኣ ብዘለዉ ዓሌት ኣንጻረይ፡ ኣንጻር ገረድካ፡ ተንሲኦም፡ ‘ነቲ ንሓዉ ዝቐተለ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ህይወት* ሓዉ ኽንቀትሎስ፡ ዋላ እውን ወራሲ ይጥፋእ፡ ኣሕሊፍኪ ሃብና’ ይብሉ ኣለዉ።+ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ቝልዒ ሓዊ* ኼጥፍኡ፡ ንሰብኣየይ እውን ኣብ ገጽ ምድሪ ስም ኰነ ሓድጊ ኣይኪሓድጉሉን እዮም።”  ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ናብ ቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ኸኣ ብዛዕባኺ ትእዛዝ ከውጽእ እየ” በላ።  እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፣ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ኸኣ ንጹህ ይኹን” በለቶ። 10  ንጉስ ድማ፡ “ብሕጂ ሓደ እኳ እንተ ተዛሪቡኪ፡ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሊሱ ኸኣ ኣይኬሸግረክን እዩ” በላ። 11  ንሳ ግና፡ “በጃኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም+ ከየጥፍእ፡ ንወደይ እውን ከይቀትሎሲ፡ ንጉስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ይዘክሮ” በለት። ንሱ ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ ካብ ጸጕሪ ወድኺ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ” በላ። 12  እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ” በለት። ንሱ ድማ፡ “ተዛረቢ” በላ። 13  እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ስለምንታይ ደኣ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ኽትገብር ሓሲብካ፧+ ንጉስ ነቲ እተሰጕጐ ወዱ ኣይመለሶን እሞ፡ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ እዩ በዳሊ ዚገብር ዘሎ።+ 14  ብርግጽ ክንመውት፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ድማ ክንከውን ኢና። ኣምላኽ ግና ህይወት* ኣየጥፍእን እዩ፣ የግዳስ፡ እቲ እተሰጕጐ ንሓዋሩ ኻብኡ ዘይስጐጐሉ ምኽንያታት ደኣ እዩ ዚሓስብ። 15  ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ ንጐይታይ ንጉስ እዚ ኽብል ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ። ምናልባት ንጉስ ዘረባ ግዝእቱ ይገብሮ ይኸውን። 16  ንጉስሲ ንግዝእቱ ይሰምዕ፡ ካብ ኢድ እቲ ንዓይን ነቲ ሓደ ወደይን ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ርስቲ ኼጥፍእ ዚደሊ ሰብኣይ እውን የናግፈኒ ይኸውን’ በለት።+ 17  ገረድካ ድማ፡ ‘ቃል ጐይታይ ንጉስ ደኣ የዕርፈኒ’ በለት። ጐይታይ ንጉስሲ ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ምፍላይ ከም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ ይኹን።” 18  ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “በጃኺ፡ ዝሓትተኪ ዘበለ ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ጐይታይ ንጉስ ተዛረብ” በለት። 19  እቲ ንጉስ ድማ፡ “ኣብዚ ዅሉስ ኢድ ዮኣብ ኣሎ ድዩ፧” በላ።+ እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ንስኻ* ህያው ዝዀንካ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ እዩ፣* እቲ ዝኣዘዘንን እዚ ዅሉ ዘረባ ኣብ ኣፍ ገረድካ ዘንበረን ጊልያኻ ዮኣብ እዩ። 20  ጊልያኻ ዮኣብ ንትርኢት እቲ ነገር ኪቕይሮ ኢሉ እዩ እዚ ገይሩ፣ ግናኸ፡ ጐይታይ ከም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝበለ ጥበብ ኣለዎ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ዘሎ ዅሉ እውን ይፈልጥ እዩ” በለት። 21  ንጉስ ድማ ንዮኣብ፡ “ሕራይ፡ እዚ ኽገብር እየ።+ ኬድካ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ።+ 22  ሽዑ፡ ዮኣብ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ እሞ፡ ንንጉስ ወደሶ። ዮኣብ ከኣ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ከም ዘረባ ጊልያኡ ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ሎሚ ጊልያኻ ፈሊጡ” በሎ። 23  ዮኣብ ድማ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ እሞ፡+ ንኣቤሴሎም ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። 24  ግናኸ፡ ንጉስ፡ “ናብ ቤቱ ይኺድ እምበር፡ ገጸይ ኣይርአ” በለ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ቤቱ ተመልሰ፡ ገጽ ንጉስ እውን ኣይረኣየን። 25  ኣብ ኵሉ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብጽባቐ ትርኢቱ ኣዝዩ እተወደሰ ሰብ ኣይነበረን። ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። 26  ጸጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መመወዳእታ ዓመት ይቘርጾ ነበረ እሞ፡ ምስ ቈረጾ፡ ጸጕሪ ርእሱ በቲ ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ ንጉስ* 200 ሲቃል* ተመዝነ። 27  ንኣቤሴሎም ድማ ሰለስተ ኣወዳትን+ ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ። ንሳ ኸኣ ኣዝያ መልክዐኛ ሰበይቲ ነበረት። 28  ኣቤሴሎም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፣ ገጽ ንጉስ ግና ኣይረኣየን።+ 29  ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰድዶ ኢሉ ንዮኣብ ጸውዖ፣ ዮኣብ ግና ናብኡ ኣይመጸን። መሊሱ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ለኣኸሉ፣ ንሱ ግና ምምጻእ ኣበየ። 30  ሽዑ፡ ንገላዉኡ፡ “ግራት ዮኣብ ኣብ ጥቓ እታ ናተይ ኣላ፣ ኣብኣ ድማ ስገም ኣለዎ። ኬድኩም ብሓዊ ኣባርዕዎ” በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ። 31  ሽዑ፡ ዮኣብ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣቤሴሎም መጸ እሞ፡ “ገላዉኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ ስለምንታይ እዮም፧” በሎ። 32  ኣቤሴሎም ድማ ንዮኣብ፡ “እንሆ፡ ‘ንዓ ናብ ንጉስ ክሰድደካ እሞ፡ “ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጺአ፧+ ኣብኡ ምጽናሕ ምሓሸኒ ነይሩ። ሕጂ፡ ገጽ ንጉስ ክርኢ ይፈቐደለይ፣ ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ኸኣ፡ ንሱ ይቕተለኒ” ኽትብለለይ’ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ” ኢሉ መለሰሉ። 33  ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ ኣትዩ ነገሮ። ንሱ ድማ ንኣቤሴሎም ጸውዖ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሉ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንታይ ከም እትብል ነገራ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ማለት፡ ዘርኢ ዚኸውን ናይ መወዳእታ ተስፋ።
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ካብቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበሎ ሓደ እኳ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ዜብል የልቦን።”
እዚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚቕመጥ መለክዒ ኽብደት፡ ወይ ካብ ተራ ሲቃል እተፈልየ ሲቃል “ንጉስ።” ነይሩ ኪኸውን ይኽእል።
ኣስታት 2.3 ኪ.ግ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።