ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

2 ሳሙኤል 13:1-39

ትሕዝቶ

  • ኣምኖን ንታማር ዓመጻ (1-22)

  • ኣቤሴሎም ንኣምኖን ቀተሎ (23-33)

  • ኣቤሴሎም ናብ ጌሹር ሃደመ (34-39)

13  ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፡ ታማር+ ዝስማ መልክዐኛ ሓብቲ ነበረቶ፣ ኣምኖን+ ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ።  ንሳ ድማ ድንግል ነበረት፡ ንኣምኖን ከኣ ገለ ኺገብራ ዘይክእል ኰይኑ ተራእይዎ ነበረ እሞ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሓምም ተጨነቐ።  ኣምኖን ድማ ዮናዳብ+ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ፣ ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ።  ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ንጉስ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትጭነቕ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለምንታይከ ዘይትነግረኒ፧” በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ “ምስ ታማር፡ ሓብቲ+ ሓወይ ኣቤሴሎም ፍቕሪ ሒዙኒ” ኢሉ መለሰሉ።  ዮናዳብ ድማ፡ “ከም ዝሓመምካ መሲልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ። ኣቦኻ ኺርእየካ ምስ መጸ ድማ፡ ‘በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ መጺኣ እንጌራ ተቕርበለይ። ንሕሙም ዚውሃብ እንጌራ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እንተ ኣዳልያቶ፡ ካብ ኢዳ ኽበልዖ እየ’ በሎ” ኢሉ መለሰሉ።  ኣምኖን ድማ ከም ዝሓመመ መሲሉ ደቀሰ፣ ንጉስ ከኣ ንኣምኖን ኪርእዮ መጸ። ኣምኖን ድማ ንንጉስ፡ “በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ትምጻእ እሞ፡ ካብ ኢዳ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ልቢ ዝቕርጹ ኽልተ ቕጫ ትሰንክተለይ” በሎ።  ሽዑ፡ ዳዊት ናብ ታማር ናብ ቤት ልኢኹ፡ “በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኼድኪ፡ እንጌራ* ኣዳልውሉ” በላ።  ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፣ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቝ ወሲዳ ለወሰቶ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕጫታት ገይራ ድማ፡ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ።  ነቲ መቕሎ ወሲዳ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ኣምኖን ግና ምብላዕ ኣበየ፡ “ንዅሉ ሰብ ኣውጽኡለይ” ድማ በለ። ኵሉ ሰብ ከኣ ወጸሉ። 10  ኣምኖን ድማ ንታማር፡ “ካብ ኢድኪ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ነቲ እንጌራ* ናብ መደቀሲ ኣምጽእዮ” በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ልቢ ዝቕርጹ ቕጫታት ወሲዳ፡ ናብ ኣምኖን ሓዋ ናብ መደቀሲ ኣምጽኣቶ። 11  ኪበልዕ ምስ ኣቕረበትሉ፡ ኣጽኒዑ ሒዙ፡ “ሓብተየ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ። 12  ንሳ ግና፡ “ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተዋርደኒ፣ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ።+ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበር።+ 13  ነዚ ነውሪ ሒዘኸ ኸመይ ኢለ ኽነብር እኽእል፧ ንስኻ እውን ከም ሓደ ኻብቶም ውርደተኛታት እስራኤል ክትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንዓይ ኣይከልኣካን እዩ እሞ፡ ንዕኡ ተዛረቦ” በለቶ። 14  ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን፣ ካብኣ ሓዪሉ ድማ ዓሚጹ ኣዋረዳ። 15  ድሕርዚ፡ ኣምኖን ኣዝዩ ብርቱዕ ጽልኢ ጸልኣ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ፡ እቲ ዝጸልኣ ጽልኢ ዓበየ። ኣምኖን ድማ፡ “ተንስኢ፡ ኪዲ!” በላ። 16  ሽዑ፡ ንሳ፡ “ኣይፋልካን ሓወየ፣ ሕጂ ንዓይ ምስዳድካ፡ ካብቲ ዝገበርካኒ ዝገደደ እዩ” በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን። 17  ነቲ መንእሰይ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ “በጃኻ እስከ፡ ነዚኣ ኣውጽኣለይ እሞ፡ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኣ ዕጸዎ” በሎ። 18  (ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ፍሉይ* ክዳን ተኸዲና ነበረት፣ ከመይሲ፡ ደናግል ኣዋልድ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ኽዳውንቲ ይኽደና ነበራ።) ሽዑ፡ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽኣ፣ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪኣ ዓጸዎ። 19  ታማር ከኣ ሓምዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፣+ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ጽቡቕ ክዳን ድማ ቀደደቶ። ክትከይድ ከላ ኸኣ፡ ኣእዳዋ ኣብ ርእሳ ገይራ እናኣእወየት ከደት። 20  ሽዑ፡ ሓዋ ኣቤሴሎም፡+ “ምሳኺ ዝነበረስ ኣምኖን ሓውኪ ድዩ፧ ሕጂ ድማ ሓብተየ፡ ስቕ በሊ። ንሱ ሓውኪ እዩ።+ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሓዝዮ” በላ። ታማር ከኣ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተገሊላ ትነብር ነበረት። 21  ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ዅሉ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ።+ ወዱ ኣምኖን በዅሩ ብምንባሩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ግና፡ ኬጕህዮ ኣይደለየን። 22  ኣቤሴሎም ድማ፡ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዘዋረዳ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡+ ኣቤሴሎም ንኣምኖን፡ ክፉእ ኰነ ወይ ጽቡቕ ኣይተዛረቦን።+ 23  ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ንኣቤሴሎም ኣብ በዓል-ሓጾር፡ ኣብ ጥቓ ኤፍሬም+ ቀምቀምቲ ኣባጊዕ ነበርዎ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዓደሞም።+ 24  ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ “ጊልያኻ ኣባጊዑ የቐምቅም ኣሎ። በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምሳይ ይኺዱ” በለ። 25  ንጉስ ግና ንኣቤሴሎም፡ “ኣይፋልካን ወደየ። ኵላትና እንተ ኼድና፡ ጾር ክንኰነካ ኢና” በሎ። ግዲ እኳ እንተ በሎ፡ መረቖ እምበር፡ ኪኸይድሲ ሕራይ ኣይበሎን። 26  ሽዑ፡ ኣቤሴሎም፡ “እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ” በሎ።+ ንጉስ ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፧” በሎ። 27  ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፣ ስለዚ፡ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ሰደዶም። 28  ኣቤሴሎም ከኣ ንገላዉኡ፡ “ርኣዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡ ኣነ፡ ‘ንኣምኖን ቅተልዎ!’ ኽብለኩም እየ። ሽዑ፡ ንስኻትኩም ቅተልዎ። ኣይትፍርሁ። ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘለኹ፧ በርትዑ፡ ትብዑ” በሎም። 29  ገላዉ ኣቤሴሎም ድማ ንኣምኖን፡ ከምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ገበርዎ። ሽዑ፡ ኵሎም ደቂ ንጉስ ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፎም በበቕሎም ተወጢሖም ሃደሙ። 30  ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ “ኣቤሴሎም ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም፣ ሓደ እኳ ዝተረፈ የልቦን” ዚብል ወረ መጾ። 31  ሽዑ፡ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳውንቱ ቐደደ፡ ኣብ ምድሪ ድማ በጥ በለ፣ ኵሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። 32  ዮናዳብ+ ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት ግና፡ ከምዚ በለ፦ “ኣምኖን ጥራይ እዩ ሞይቱ እሞ፡ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲሎምዎም ኢሉ ጐይታይ ኣይሕሰብ።+ እዝስ ብትእዛዝ እቲ በታ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ዘዋረዳ መዓልቲ+ ኸምዚ ኺገብር ዝወሰነ ኣቤሴሎም እዩ ተገይሩ።+ 33  ሕጂ ድማ ጐይታይ ንጉስ ነዚ፡ ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም’ ዚብል ወረ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፣ ኣምኖን ጥራይ እዩ ሞይቱ።” 34  ኣቤሴሎም ከኣ ሃደመ።+ እቲ ሓላዊ ድማ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ካብታ ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ ኸረን ዘላ መገዲ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረኣየ። 35  ሽዑ፡ ዮናዳብ+ ንንጉስ፡ “ደቂ ንጉስ እነዉ ተመሊሶም። ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ እዩ” በሎ። 36  ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ደቂ ንጉስ መጺኦም ዓው ኢሎም በኸዩ፣ ንጉስን ኵሎም ገላዉኡን እውን ኣዝዩ መሪር ብኽያት በኸዩ። 37  ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ታልማይ+ ወዲ ዓሚሁድ ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነሉ። 38  ኣቤሴሎም ድማ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ጸንሐ። 39  ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሴሎም ኪኸይድ ሃረር በለ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንጌራ ምጽንናዕ።”
ወይ፡ “እንጌራ ምጽንናዕ።”
ወይ፡ “እንጌራ ምጽንናዕ።”
ወይ፡ “ስሉም።”