ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ጴጥሮስ 3:1-22

ትሕዝቶ

  • ኣንስትን ሰብኡትን (1-7)

  • እትደናገጹ ኹኑ፣ ሰላም ድለዩ (8-12)

  • ስለ ጽድቂ መከራ ምጽጋብ (13-22)

    • ብዛዕባ ተስፋኹም ንምጥባቕ እተዳሎኹም ኩኑ (15)

    • ጥምቀትን ሰናይ ሕልናን (21)

3  ከምኡ ድማ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣልዮም፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ+ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣+  ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም።+  ስልማትክን ደጋዊ፡ ማለት ቍኖ ጸጕርን ስልማት ወርቅን+ ምኽዳን ጽቡቕ ክዳውንትን ኣይኹን፣  የግዳስ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ብህዱእን ልኡምን መንፈስ ብዘይሓልፍ ስልማት እተሰለመ ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን።+  ቀደም ድማ እተን ተስፋአን ኣብ ኣምላኽ ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተገዝኣ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ።  ከምኡ እውን ሳራ ንኣብርሃም፡ ጐይታይ እናበለት ትእዘዞ ነይራ እያ።+ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እትገብራን ገለ ዘይትፈርሃን እንተ ዄንክንሲ፡ ደቃ ኢኽን።+  ኣቱም ሰብኡት፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት ንበሩ።* ንሳተን ምሳኻትኩም ጸጋ ህይወት ስለ ዚወርሳ፡+ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ተነቃፊት* ኣቕሓ ጌርኩም ኣኽብርወን።+  ኣብ መወዳእታ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡+ እትደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላትኩም፡ ርሕሩሓት፡+ ትሑታት ኩኑ።+  ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡+ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ባርኹ።+ 10  ከመይሲ፡ “እቲ ህይወት ዚፈቱን ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደልን፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡+ ከናፍሩ እውን ምትላል ካብ ምዝራብ ይሓሉ። 11  ካብ ክፉእ ይርሓቕ፡+ ሰናይ ድማ ይግበር፣+ ንሰላም ይድለያ፡ ይስዓባ እውን።+ 12  ምኽንያቱ፡ ኣዒንቲ የሆዋ* ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን፣+ ገጽ የሆዋ* ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።”+ 13  ንሰናይ ቀናኣት እንተ ዄንኩም፡ መን እዩ ዚጐድኣኩም፧+ 14  ግናኸ፡ ስለ ጽድቂ መከራ እኳ እንተ ጸገብኩም፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ ነቲ ንሳቶም ዚፈርህዎ ግና ኣይትፍርህዎ፡* ኣይትረበሹ እውን።+ 15  የግዳስ፡ ንክርስቶስ ከም ጐይታ ብልብኹም ቀድስዎ፣ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፣ ነዚ ግና ብልእመትን+ ብብዙሕ ኣኽብሮትን ግበርዎ።+ 16  ኣብቲ እትንቀፍዎ ዘበለ፡ እቶም ዚነቕፉኹም በቲ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘሎኩም ሰናይ ኣካይዳ+ ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡+ ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም።+ 17  ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደልይዎስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩም፡+ ሰናይ እናገበርኩም መከራ ኽትጸግቡ ይሓይሽ።+ 18  ምኽንያቱ፡ ክርስቶስ እውን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመርሓኩም ኢሉ፡+ ስለ ሓጢኣት ሓንሳእ ንሓዋሩ ሞይቱ እዩ፣+ ማለት ጻድቕ ስለ ዓመጽቲ ሞይቱ እዩ።+ ብስጋ ሞይቱ፡+ ብመንፈስ ግና ህያው ኰይኑ።+ 19  ከምኡ ኢሉ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስሩ መናፍስቲ ሰቢኹሎም።+ 20  ንሳቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ፡+ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡* እታ ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ* ብማይ ዝደሓናላ+ መርከብ ከኣ ክትስራሕ ከላ፡+ ዘይተኣዘዙ እዮም። 21  እቲ ነዚ ዚመስል ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ርስሓት ስጋ ብምውጋድ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ሰናይ ሕልና ብምልማን፡+ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ። 22  ንሱ ናብ ሰማይ ከይዱ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፣+ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ድማ ይግዝእዎ ኣለዉ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንኣንስትኹም ሕለዩለን (ተረድእወን)።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝደኸመት።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ነቲ ምፍርራሆም ግና ኣይትፍርህዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ትዕግስቲ ኣምላኽ ክትጽበ ኸላ።”
ወይ፡ “ሰባት።”