ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ጢሞቴዎስ 5:1-25

ትሕዝቶ

  • ንንኣሽቱን ንዓበይትን ብኸመይ ክትሕዞም ከም ዚግባእ (1, 2)

  • ንመበለታት ዚግበር ደገፍ (3-16)

    • ንቤተ ሰብ ምንባይ (8)

  • ንጻዕረኛታት ሽማግለታት ኣኽብርዎም (17-25)

    • ‘ስለ ኸብድኻ፡ ሒደት ወይኒ ስተ’ (23)

5  ንዓብዪ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዘልፎ።+ ንኣጕባዝ ከም ኣሕዋትካ ተማሕጸኖም፣  ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም ኣዴታትካ፡ ንንኣሽቱ ኣንስቲ ኸም ኣሓትካ ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ተማሕጸነን።  ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና መበለታት* ተኸናኸነን።*+  ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣልዮምዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡+ ንሳቶም ቅድም ኣብ ቤተ ሰቦም ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ኬርእዩ፡+ ንወለዶምን ንወለዲ ወለዶምን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።+  እታ ብሓቂ መበለት ዝዀነትን ሓንቲ እውን ዘይብላን ሰበይቲ፡ ተስፋኣ ኣብ ኣምላኽ እያ እትገብር፣+ ለይትን መዓልትን ከኣ ብምህለላን ብጸሎትን እያ እትጸንዕ።+  እታ ንተድላ እትነብር ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውትቲ እያ።  እምበኣር፡ ዚውቀሱሉ ዘይብሎም ምእንቲ ኪዀኑ፡ እዚ ኣዝዝ።  ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ።+  ኣብ መዝገብ እትምዝገብ መበለት፡ ካብ 60 ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፡ 10  ውሉዳት ብምዕባይ፡+ ኣጋይሽ ብምቕባል፡+ እግሪ ቕዱሳት ብምሕጻብ፡+ ንዝጸበቦም ብምርዳእ፡+ ጽቡቕ ግብሪ ዘበለ ብትግሃት ብምስዓብ፡ ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ ትኹን።+ 11  ንኣሽቱ መበለታት ግና ፍትወተ ስጋ ኣብ መንጎአንን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ዕንቅፋት ኪኸውን ከሎ፡ ኪምርዓዋ ይደልያ እየን እሞ፡ ንዓታተን ኣይትመዝግበን። 12  ንሳተን ነታ ቐዳመይቲ መግለጺ እምነተን* ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። 13  ምስናይዚ እውን፡ ቤተ ቤት እናዞራ ትህኪት እየን ዚምሃራ፣ ትህኪት ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ ዘይግባእ እናተዛረባ ወረኛታትን ወልፋሳትን ይዀና።+ 14  እምበኣር፡ እተን ንኣሽቱ መበለታት ኪምርዓዋ፡+ ውሉዳት ኪወልዳ፡+ ቤተን ኪኣልያ፡ ተጻራሪ ዚነቕፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ እደሊ ኣለኹ። 15  ገሊኣተንሲ ንሰይጣን ኪስዕባ ድሮ ዘምቢለን ኣለዋ። 16  ንሓንቲ እትኣምን ሰበይቲ፡ መበለታት ቤተ ሰብ እንተ ኣልየናኣ፡ ነታ ጉባኤ ጾር ምእንቲ ኸይኰናስ፡ ንሳ ትደግፈን። እታ ጉባኤ ኸኣ ነተን ብሓቂ መበለታት* ትድግፈን።+ 17  ነቶም ብጽቡቕ ዚመርሑ ሽማግለታት፡+ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ፡+ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።+ 18  ከመይሲ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡”+ ከምኡ ድማ፡ “ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ”+ ይብል እዩ። 19  ብመርትዖ ኽልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እንተ ዘይኰይኑ፡+ ብዛዕባ ሽማግለ ዚቐርብ ክሲ ኣይትቀበል። 20  ነቶም ብሓጢኣት ዚመላለሱ፡+ ንኻልኦት ከም መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪዀኑ፡* ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም።+ 21  ኣቐዲምካ ኸይፈረድካ ወይ ብዘይ ኣድልዎ ነዚ ኽትሕሉ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ብጥብቂ እእዝዘካ ኣለኹ። 22  ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ እኳ ኣእዳውካ ኣይተንብር፣*+ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት እውን ኣይትካፈል፣ ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ። 23  ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ሕማምን፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ደጊም ማይ ኣይትስተ።* 24  ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ብቐጥታ ድማ ናብ ፍርዲ ይመርሖም፣ ናይ ገሊኦም ግና ጸኒሑ እዩ ዚግሃድ።+ 25  ከምኡ ኸኣ ሰናይ ግብሪ ግሁድ እዩ፣+ እቲ ዘይግሁድ እውን ኪስወር ኣይከኣልን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነተን ብሓቂ እተሸገራ መበለታት”፣ ማለት፡ ዚድግፈን ዘይብለን መበለታት።
ቃ.ቃ.፡ “ኣኽብረን።”
ወይ፡ “ነቲ ኣቐዲመን ቃል ዝኣተዋኦ።”
ወይ፡ “ነተን ብሓቂ እተሸገራ መበለታት”፣ ማለት፡ ዚድግፈን ዘይብለን መበለታት።
ቃ.ቃ.፡ “እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ።”
ማለት፡ ብታህዋኽ ንሓደ እኳ ኣይትሹም።
ወይ፡ “ማይ ጥራይ ኣይትስተ።”