ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ጢሞቴዎስ 4:1-16

ትሕዝቶ

  • ብዛዕባ ትምህርቲ ኣጋንንቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ (1-5)

  • ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ኪገብሮ ዚግባእ ነገራት (6-10)

    • ኣካላዊ ስልጠናን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን (8)

  • ኣብቲ እትምህሮ ትምህርቲ ኣተኵር (11-16)

4  በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን*+ ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል* ብንጹር ይብል እዩ።  እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን።+  ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፡+ እቲ ኣምላኽ በቶም ዚኣምኑን+ ንሓቂ ብልክዕ ዚፈልጡን ብምስጋና ኺብላዕ ዝፈጠሮ+ ብልዒ ሕሩም ኪኸውን ከኣ ይእዝዙ እዮም።+  ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽሲ ጽቡቕ እዩ፣+ ብምስጋና እንተ ተቐቢልካዮ ኸኣ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን፣+  ከመይሲ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን ተቐዲሱ እዩ።  ነቶም ኣሕዋት እዚ ምኽሪ እዚ ብምሃብ፡ ቃላት እምነትን ነቲ ጠቢቕካ ዝሰዓብካዮ ትምህርትን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ክትከውን ኢኻ።+  ግናኸ፡ ነቲ ኸም ናይ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ።+ ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን።  ከመይሲ፡ ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም።+  እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ። 10  ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡+ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን+ ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና።+ 11  እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12  ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም። 13  ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን+ ኣብ ምምዓድን* ኣብ ምምሃርን ትጋህ። 14  ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኣእዳው ሽማግለታትን+ እተዋህበካ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15  ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣* ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ። 16  ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።+ ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዜስሕቱ መናፍስትን።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈስ።”
ወይ፡ “ምትብባዕን።”
ወይ፡ “ብዛዕባ እዚ ኣስተንትን።”