ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ጢሞቴዎስ 3:1-16

ትሕዝቶ

  • ሓለውቲ ኼማልእዎ ዚግባእ ብቕዓታት (1-7)

  • ኣገልገልቲ ጉባኤ ኼማልእዎ ዚግባእ ብቕዓታት (8-13)

  • ቅዱስ ምስጢር ኣምላኻዊ ተወፋይነት (14-16)

3  እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡+ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ።  እምበኣር፡ እቲ ሓላዊ ዘይውቀስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ወረጃ፡* ለባም፡*+ ስርዓት ዚሕሉ፡ ተቐባል ጋሻ፡+ ንምስትምሃር ብቑዕ፡+  ዘይሰክር፡+ ዘይዋቓዕ፡* ልዙብ፡*+ ዘይብኣስ፡+ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ፡+  ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር፡* ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ ይኹን።+  (ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር* ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧)  ብትዕቢት ተነፊሑ፡ ናብቲ ንድያብሎስ እተፈርዶ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን።+  ኣብ ጸርፍን* ኣብ መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሉ* ኪኸውን ይግባእ።+  ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ፡+  ቅዱስ ምስጢር እታ እምነት ብንጹህ ሕልና ዚሕዙ ኪዀኑ ይግባእ።+ 10  እዚኣቶም እውን ቅድም ብቕዓቶም ይመርመር፣ ሽዑ፡ ዚንቀፉሉ ዘይብሎም ክሳዕ ዝዀኑ፡ የገልግሉ።+ 11  ኣንስቲ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ዘይሓመይቲ፡+ ወራዙት፡* ብዅሉ እውን እሙናት ኪዀና ይግባእ።+ 12  ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ጽቡቕ ገይሮም ዜስተናብሩ ይኹኑ። 13  ከመይሲ፡ እቶም ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ፡ ጽቡቕ ስምን ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም። 14  ናባኻ ቐልጢፈ ኽመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ። 15  እንተ ደንጕየ ግና፡ ኣብ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፡+ ማለት ኣብታ ናይታ ሓቂ ዓንድን ደገፍን ዝዀነት ጉባኤ ህያው ኣምላኽ፡ ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዚግብኣካ ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልካ። 16  እወ፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር እዚ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት ኣማን ብኣማን ዓብዪ እዩ፦ ‘ንሱ ብስጋ ተጋሂዱ፡+ ብመንፈስ ጸዲቑ፡+ ንመላእኽቲ ተራእዩ፡+ ኣብ ኣህዛብ ተሰቢኹ፡+ ኣብ ዓለም ተኣሚኑ፡+ ብኽብሪ ዓሪጉ እዩ።’

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጥንቁቕ፣ ሚዛናዊ ዝልማዱ።”
ወይ፡ “ዜመዛዝን።”
እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንኻልኦት ሰባት ብቓል ምጕዳእ እውን ከተመልክት ትኽእል።
ወይ፡ “ሚዛናዊ።”
ወይ፡ “ዜመሓድር።”
ወይ፡ “ኼመሓድር።”
ወይ፡ “ውርደትን።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ስም ዘለዎ።”
ወይ፡ “ጥንቁቓት፣ ሚዛናዊ ዝልማደን።”