ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዮሃንስ 3:1-24

ትሕዝቶ

  • ንሕና ውሉዳት ኣምላኽ ኢና (1-3)

  • ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን (4-12)

    • የሱስ ግብሪ ድያብሎስ ኬጥፍእ እዩ (8)

  • ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ (13-18)

  • ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ (19-24)

3  ውሉዳት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንብሃል፡+ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እሞ ርኣዩ!+ ከምኡ ድማ ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ዓለም ንዕኡ ስለ ዘይፈለጠቶ፡+ ንዓና እውን ኣይትፈልጠናን እያ።+  ፍቑራተየ፡ ሕጂ ውሉዳት ኣምላኽ ኢና፣+ እንታይ ከም እንኸውን ግና ገና ኣይተጋህደን።+ ንሱ ምስ ተጋህደ፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንዕኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።  ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ንርእሱ የንጽህ እዩ።+  ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ዅሉ፡ ብጥሕሰት ሕጊ እዩ ዚመላለስ፣ ሓጢኣት ከኣ ጥሕሰት ሕጊ እዩ።  ንሱ ሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ ኸም እተጋህደ እውን ትፈልጡ ኢኹም፣+ ኣብኡ ድማ ሓጢኣት የልቦን።  ምስኡ ብሓድነት ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ፣+ ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ግና ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን እውን።  ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም፣ ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ ጻድቕ እዩ።  ድያብሎስ ካብ መጀመርታ* ኣትሒዙ ሓጢኣት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እቲ ብሓጢኣት ዚመላለስ ካብ ድያብሎስ እዩ።+ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ* እዩ እተጋህደ።+  ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ፡ ዘርኢ* ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ፣+ ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደ እውን፡ ብሓጢኣት ኪመላለስ ኣይክእልን እዩ።+ 10  ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር እውን ከምኡ እዩ።+ 11  ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ።+ 12  ከምቲ ኻብቲ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን።+ ስለምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እከይ፡+ ግብሪ ሓዉ ግና ጽድቂ ስለ ዝነበረ እዩ።+ 13  ኣሕዋተየ፡ ዓለም ንዓኻትኩም ብምጽላኣ፡ ኣይትገረሙ።+ 14  ንሕና ንኣሕዋትና ስለ እነፍቅሮም፡+ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ ኢና።+ እቲ ዘየፍቅር፡ ኣብ ሞት ይነብር።+ 15  ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ፡ ቀታል ነፍሲ እዩ፣+ ቀታል ነፍሲ ዘበለ ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር ትፈልጡ ኢኹም።+ 16  ንሱ ህይወቱ* ምእንታና ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፡ በዚ ንፍቕሪ ፈሊጥናያ ኣለና፣+ ንሕና እውን ምእንቲ ኣሕዋትና ህይወትና* ኣሕሊፍና ኽንህብ ግዴታ ኣሎና።+ 17  ግናኸ፡ ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧+ 18  ደቀየ፡ ብግብርን+ ብሓቅን+ እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።+ 19  ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና ኽንፈልጥ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ንልብና ምትእምማን ከነሕድረሉ* ኢና፣ 20  ዋላ እኳ ልብና እንተ ዀነነና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ።+ 21  ፍቑራተየ፡ ልብና እንተ ዘይኰኒኑና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ትብዓት ኣሎና፣+ 22  ትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።+ 23  ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና ድማ፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን፡+ ንሓድሕድና እውን ክንፋቐር፡+ ትእዛዙ እዚ እዩ። 24  እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ኸኣ ምስኡ ብሓድነት ይነብር፡ ንሱ እውን ምስኡ ብሓድነት ይነብር።+ በቲ ንሱ ዝሃበና መንፈስ ከኣ፡ ምሳና ብሓድነት ከም ዚነብር ንፈልጥ ኢና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ ዚጅምር።”
ወይ፡ “ኼጥፍእ።”
ማለት፡ ኪፈሪ ዚኽእል ዘርኢ።
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍስና።”
ወይ፡ “ንልብና ኸነእምኖ።”