ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዮሃንስ 1:1-10

ትሕዝቶ

  • ቃል ህይወት (1-4)

  • ኣብ ብርሃን ተመላሊስና (5-7)

  • ኣድላይነት ምንዛዝ ሓጢኣት (8-10)

1  ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ ብኣዒንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና እውን ዘረምሰሳኦ ቓል ህይወት ንነግረኩም ኣለና።+  (እወ፡ ህይወት ተጋሂዳ እያ፣ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረትን ንዓና እተጋህደትን ናይ ዘለኣለም ህይወት+ ከኣ ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክረልኩምን+ ንነግረኩምን ኣለና።)  ንስኻትኩም እውን ምሳና ሕብረት* ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና።+ እዚ ሕብረትና እውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።+  ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣለና።  እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፡ ንዓኻትኩም እውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ እዚኣ እያ፦ ኣምላኽ ብርሃን እዩ፣+ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ከቶ የልቦን።  “ምስኡ ሕብረት ኣሎና” ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላሊስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂ እውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና።+  ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላሊስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ወዱ እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።+  “ሓጢኣት የብልናን” እንተ ኢልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና፡+ እታ ሓቂ እውን ኣባና የላን።  ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ እውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።+ 10  “ኣይሓጣእናን” እንተ ኢልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና፡ ቃሉ እውን ኣባና የሎን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ግደ።”