ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዜና መዋእል 8:1-40

ትሕዝቶ

  • ደቂ ብንያም (1-40)

    • መስመር ወለዶ ሳኦል (33-40)

8  ብንያም+ ንበዅሩ ቤላዕ፡+ ንኻልኣይ ኣሽቤል፡+ ንሳልሳይ ኣሕራሕ፡  ንራብዓይ ኖሓ፡ ንሓምሻይ ራፋ ወለደ።  ደቂ ቤላዕ፡ ኣዳርን ጌራን+ ኣቢሁድን  ኣቢሹዓን ንእማንን ኣሖኣሕን  ጌራን ሸፉፋንን ሑራምን እዮም።  እዚኣቶም ደቂ ኤሁድ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበርቲ ጌባዕ፡+ ናብ ማናሓት ተማሪኾም እተወስዱ እዮም፦  ንእማን፡ ኣሒያ፡ ጌራ፡—ንሱ እቲ ናብ ምርኮ ዝወሰዶም እዩ፣ ንሱ ድማ ንዑዛን ንኣሒሁድን ወለደ።  ሸሓራዪም ምስ ኣሰናበቶም፡ ኣብ ምድሪ* ሞኣብ ደቂ ወለደ። ሑሺምን ባዓራን ኣንስቱ ነበራ።*  ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸኣ፡ ንዮባብን ንጺብያን ንሜሻን ንማልካምን 10  ንየዑጽን ንሳኽያን ንሚርማን ወለደ። እዚኣቶም ደቁ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። 11  ካብ ሑሺም ድማ፡ ኣቢጡብን ኤልጳዓልን ወለደ። 12  ደቂ ኤልጳዓል ከኣ፡ ዔበርን ሚሽዓምን ሻመድን (ንሱ ንኦኖን+ ንሎድን+ ዓድታታን ዝሰርሐ) 13  በሪዓን ሸማዕን እዮም። እዚኣቶም ርእስታት ማይ ቤታት ነበርቲ ኣያሎን+ ነበሩ። እዚኣቶም ንነበርቲ ጋት ሰጐጕዎም። 14  ኣሕዮን ሻሻቅን የሬሞትን 15  ዘባድያን ዓራድን ዔደርን 16  ሚካኤልን ዪሽጳን ዮሓን ከኣ ደቂ በሪዓ፡ 17  ዘባድያን መሹላምን ሒዝቂን ሔበርን 18  ዪሽመራይን ዪዝሊያን ዮባብን ድማ ደቂ ኤልጳዓል፡ 19  ያቂምን ዚክሪን ዛብዲን 20  ኤልዔናይን ጺልታይን ኤሊኤልን 21  ዓዳያን በራያን ሺምራትን ከኣ ደቂ ሺምዒ፡ 22  ዪሽጳንን ዔበርን ኤሊኤልን 23  ዓብዶንን ዚክሪን ሓናንን 24  ሓናንያን ዔላምን ዓንቶቲያን 25  ዪፍድያን ጰኑኤልን ድማ ደቂ ሻሻቅ፡ 26  ሻምሸራይን ሸሓርያን ዓታልያን 27  የዓረሽያን ኤልያስን ዚክሪን ከኣ ደቂ የሮሓም እዮም። 28  እዚኣቶም በብትውልዶም ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። እዞም ርእስታት እዚኦም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። 29  ኣቦ ጊብዖን፡ የዒኤል፡ ኣብ ጊብዖን+ ይቕመጥ ነበረ። ስም ሰበይቱ ማዓካ እዩ።+ 30  በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ጹርን ቂስን በዓልን ናዳብን 31  ገዶርን ኣሕዮን ዜክርን። 32  ሚቅሎት ንሺምኣ ወለደ። ኵላቶም ከኣ ኣብ ጥቓ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ምስ ካልኦት ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ። 33  ኔር+ ንቂስ ወለደ፣ ቂስ ንሳኦል+ ወለደ፣ ሳኦል ንዮናታንን+ ንማልኪ-ሹዓን+ ንኣቢናዳብን+ ንኤሽበዓልን*+ ወለደ። 34  ወዲ ዮናታን ድማ፡ መሪብ-በዓል*+ እዩ። መሪብ-በዓል ንሚካ+ ወለደ። 35  ደቂ ሚካ ኸኣ፡ ጲቶንን ሜሌክን ታእረዓን ኣሓዝን እዮም። 36  ኣሓዝ ንየሆዓዳ ወለደ፣ የሆዓዳ ንዓለመትን ንዓዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ። ዚምሪ ንሞጻ ወለደ። 37  ሞጻ ንቢንዓ ወለደ፡ ራፋ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። 38  ኣጼል ድማ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ፣ ስማቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ዓዝሪቃም፡ ቦክሩ፡ እስማኤል፡ ሸዓርያ፡ ኦብድያ፡ ሓናን። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም። 39  ደቂ ዔሼቅ ሓዉ ድማ፡ በዅሩ ኡላም፡ ካልኣይ የዑሽ፡ ሳልሳይ ከኣ ኤሊፈለጥ እዮም። 40  ደቂ ኡላም ድማ ቀስቲ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ* ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ፣ ብዙሓት ደቅን ደቂ ደቅን፡ 150 ከኣ ነበርዎም። ኵሎም እዚኣቶም ካብ ደቂ ብንያም እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መሮር።”
ወይ፡ “ሸሓራዪም ንሑሺምን ንባዓራን ኣንስቱ ምስ ኣሰናበተን፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ደቂ ወለደ” ኪኸውን ይኽእል።
ኢሽ-ቦሸት ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
መፊቦሸት ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ቃ.ቃ.፡ “ቀስቲ ዚረግጹ።”