ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዜና መዋእል 4:1-43

ትሕዝቶ

  • ካልኦት ደቂ ይሁዳ (1-23)

    • ያዕቤጽን ጸሎቱን (9, 10)

  • ደቂ ስምኦን (24-43)

4  ደቂ ይሁዳ፡ ፋሬስን+ ሔጽሮንን+ ካርሚን ሑርን+ ሾባልን+ እዮም።  ረኣያ ወዲ ሾባል ንያሓት ወለደ፣ ያሓት ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ጾርዓታውያን+ እዮም።  ደቂ ኣቦ ዔጣም+ እዚኣቶም እዮም፦ ይዝርኤልን ይሽማን ይድባሽን (ስም ሓብቶም ከኣ ሃጽለልጶኒ)  ጰኑኤል ኣቦ ገዶርን ኤጸር ኣቦ ሑሻን። እዚኣቶም ደቂ ሑር+ በዅሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤት-ልሄም፡+ እዮም።  ኣሽሑር+ ኣቦ ተቆዓ፡+ ሔልኣን ናዓራን ዚብሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ።  ናዓራ ድማ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታሪን ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም።  ደቂ ሔልኣ ኸኣ፡ ጸረትን ይጽሃርን ኤታንን እዮም።  ቆጽ ንዓኑብን ንጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ።  ያዕቤጽ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ፣ ኣዲኡ ድማ፡ “ብጻዕሪ ወሊደዮ” ኢላ ስሙ ያዕቤጽ* ኣውጽኣትሉ። 10  ያዕቤጽ ከኣ ናብ ኣምላኽ እስራኤል፡ “እንተ ትባርኸኒ፡ ዓደይ ድማ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካ ኸኣ ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ጕድኣት ምእንቲ ኸይረኽበኒ እውን ካብ መዓት እንተ ተድሕነኒ” ኢሉ ተማህለለ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ዝለመኖ ገበረሉ። 11  ከሉብ ሓው ሹሓ ንመሒር ኣቦ ኤሽቶን ወለደ። 12  ኤሽቶን ንቤት-ራፋን ንጳሴሓን ንትሒና ኣቦ ዔር-ናሓስን ወለደ። እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም። 13  ደቂ ቄናዝ፡ ዖትኒኤልን+ ሰራያን እዮም፣ ወዲ* ዖትኒኤል ድማ ሓታት እዩ። 14  መዖኖታይ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ንዮኣብ ኣቦ ገ-ሓራሺም* ወለደ፣ ከምኡ ተባሂሎም እተጸውዑ፡ ኢደ ጥበበኛታት ስለ ዝነበሩ እዮም። 15  ደቂ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፡ ዒሩን ኤላህን ናዓምን እዮም፣ ወዲ* ኤላህ ከኣ፡ ቄናዝ እዩ። 16  ደቂ የሃልኤል፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን እዮም። 17  ደቂ እዝራ፡ የተርን መረድን ዔፌርን ያሎንን እዮም፣ ንሳ* ጠነሰት፡ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ድማ ወለደት። 18  (እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ዛኖኣን ወለደት።) እዚኣቶም ደቂ ቢትያ ጓል ፈርኦን እታ መረድ እተመርዓዋ እያ። 19  ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ናሓም፡ ኣቦታት ቅዒላ እቲ ጋርማውን ኤሽትሞዓ እቲ ማዓካታውን እዮም። 20  ደቂ ሺሞን፡ ኣምኖንን ሪናን ቤን-ሓናንን ቲሎንን እዮም። ደቂ ዪሺዒ፡ ዞሔትን ቤን-ዞሔትን እዮም። 21  ደቂ ሸላሕ+ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማረሻን ዓሌታት ዓየይቲ ቕጭን ዓለባ ቤት ኣሽቤዓን እዮም፣ 22  ዮቂምን ሰብ ኮዜባን ዮኣስን ሳራፍን ድማ ሰብኡት ሞኣባውያን ኣንስቲ ዀኑ፡ ያሹቢ-ለሔም እውን። እዚ መዛግብቲ እዚ ናይ ጥንቲ እዩ።* 23  ንሳቶም ኣብ ነታዪምን ገደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ ኻይላ ነበሩ። ኣብኡ ይነብሩን ንንጉስ ይሰርሑን ነበሩ። 24  ደቂ ስምኦን፡+ ነሙኤልን ያሚንን ያሪብን ዜራሕን ሻኡልን+ እዮም። 25  ሻሉም ወዱ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ። 26  ደቂ ሚሽማዕ እውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ። 27  ሺምዒ ድማ 16 ኣወዳትን 6 ኣዋልድን ነበርዎ፣ ኣሕዋቱ ግና ብዙሓት ኣወዳት ኣይነበርዎምን፣ ካብ ዓሌታቶም ክንዲ ሰብ ይሁዳ ዝበዝሐ ኣይነበረን።+ 28  ንሳቶም ኣብ ብኤር-ሸባዕን+ ሞላዳን+ ሓጻር-ሹዓልን+ 29  ቢልሃን ዔጸምን+ ቶላድን 30  ቤቱኤልን+ ሖርማን+ ጺቅላግን+ 31  ቤት-ማርካቦትን ሓጻር-ሱሲምን+ ቤት-ቢርኢን ሻዓራይምን ይነብሩ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዚነግስ፡ እዚኣተን ከተማታቶም ነበራ። 32  ሰፈራቶም ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡+ ሓሙሽተ ኸተማ፡ 33  ምስተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚአን ዝነበራ ሰፈራት ክሳብ በዓል እየን። እተን ዚነብሩለን ዝነበሩ እዚኣተን እየን፣ ምዝገባ ወለዶኦም ከኣ እዚ እዩ። 34  መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን 35  ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ ወዲ ሰራያ ወዲ ዓሲኤልን 36  ኤልዮዔናይን ያዓቆባን የሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን በናያን 37  ዚዛ ወዲ ሺፍዒ ወዲ ኣሎን ወዲ የዳያ ወዲ ሺምሪ ወዲ ሸማዕያን፣ 38  እዞም ብስሞም እተረቝሑ፡ ኣብ መንጎ ዓሌታቶም ሹማምንቲ ነበሩ፣ ቤተ ሰብ ኣቦታቶም ከኣ ብዝሖም ወሰኸ። 39  ንመጓሰኦም መጓሰዪታት ደልዮም ድማ፡ ናብ መእተዊ ገዶር፡ ናብ ምብራቕ እቲ ስንጭሮ ኸዱ። 40  ስቡሕን ጽቡቕን መጓሰዪታት ከኣ ረኸቡ፣ እታ ምድሪ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ነበረት። እቶም ኣቐዲሞም ኣብኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ካማውያን+ ነበሩ። 41  እዞም ብስሞም እተዘርዘሩ ድማ ብዘመን ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ንድንኳናት እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ካማውያንን መዑኒምን ወቕዑ። ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይኖምዎ ዘለዉ ድማ ኣጥፍእዎም፣ ኣብኣ ንመጓሰኦም ዚኸውን መጓሰዪታት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዳኦም ሰፈርዋ። 42  ገለ ኻብ ደቂ ስምኦን፡ 500 ሰባት፡ ምስቶም ዝመርሕዎም ጰላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን ደቂ ዪሺዒ ዀይኖም ናብ ከረን ሰዒር+ ከዱ። 43  ነቶም ኣምሊጦም ዝተረፉ ኣማሌቃውያን+ ከኣ ወቕዕዎም፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኣ ይነብሩ ኣለዉ።

እግረ ጽሑፍ

እቲ ያዕቤጽ ዚብል ስም፡ “ጻዕሪ” ዚብል ትርጉም ምስ ዘለዋ ቓል እብራይስጢ ዚዛመድ ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ትርጉሙ፡ “ስንጭሮ ኢደ ጥበበኛታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ኣብ ፍ. 18 ተጠቒሳ ንዘላ ቢትያ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “እዚ ዘረባ እዚ ናይ ቀደም ያታ እዩ።”