ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዜና መዋእል 19:1-19

ትሕዝቶ

  • ዓሞናውያን ንልኡኻት ዳዊት ኣዋረድዎም (1-5)

  • ኣብ ልዕሊ ዓሞንን ሶርያን እተረኽበ ዓወት (6-19)

19  ድሕርዚ፡ ናሓሽ ንጉስ ዓሞናውያን ሞተ፣ ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።+  ዳዊት ድማ፡ “ኣቦኡ ንዓይ ብተኣማንነት ስለ ዘፍቀረኒ፡+ ኣነ ኸኣ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ብተኣማንነት ከፍቅሮ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ። እቶም ገላዉ ዳዊት ንሓኑን ኬጸናንዕዎ ናብ ምድሪ ዓሞናውያን+ ምስ መጹ ግና፡  መሳፍንቲ ዓሞናውያን ንሓኑን፡ “ዳዊት ንኣቦኻ ኣኺቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ፧ ዳዊትሲ ኺምርምርን ኪግልብጠካን ነዛ ምድሪ ኺስልያን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፧” በልዎ።  ሓኑን ድማ ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ላጽዩ፡+ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከኣ ክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።  ብዛዕባ እቶም ሰባት ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ተዋሪዶም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎም ሰባት ሰደደሎም፣ ንጉስ ድማ፡ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቍል ኣብ ያሪኮ+ ጸኒሕኩም ተመለሱ” በሎም።  ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀኑ ረኣዩ፣ ሓኑንን ዓሞናውያንን ድማ ካብ መሶጶታምያን* ካብ ኣራም-ማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኪካረዩ፡ 1,000 ታለንት* ብሩር ሰደዱ።+  በዚ ኸምዚ፡ 32,000 ሰረገላን ንንጉስ ማዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ። ንሳቶም ድማ መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ+ ሰፈሩ። ዓሞናውያን ከኣ ካብ ከተማታቶም ተኣኻኺቦም ንውግእ ወጹ።  ዳዊት ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮኣብን+ ንብዘሎ እቲ ሰራዊትን፡ እንተላይ ነቶም ጀጋኑኡ ሰደዶም።+  ዓሞናውያን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ፣ እቶም ዝመጹ ነገስታት ከኣ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 10  ዮኣብ ድማ ኣብቲ ውግእ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ኪጥቃዕ ከም ዚኽእል ምስ ረኣየ፡ ገለ ኻብቶም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።+ 11  ነቶም ዝተረፉ ሰባት ከኣ ንዓሞናውያን ኪቀባበሉ ምእንቲ ኺስለፉ፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ሓዉ ኣቢሻይ ገበሮም።+ 12  ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ሶርያውያን+ ካባይ እንተ በርቲዖም፡ ንስኻ ኣናግፈኒ፣ ዓሞናውያን ካባኻ እንተ በርቲዖም ግና፡ ኣነ ኸናግፈካ እየ። 13  ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ንበርትዕን ንትባዕን፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ኺገብር እዩ።” 14  ዮኣብን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፣ ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ።+ 15  ዓሞናውያን ከኣ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ቅድሚ ሓዉ ኣቢሻይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ድሕርዚ፡ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም መጸ። 16  ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ነቶም ኣብ ዞባ እቲ ፈለግ* ዘለዉ ሶርያውያን ንምጽዋዕ ልኡኻት ለኣኹ፣+ ንዓታቶም ከኣ ሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊት ሃዳድዔዘር መርሖም።+ 17  እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ ብኡብኡ ንዅሎም እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ኣንጻሮም ተሰለፈ። ዳዊት ንሶርያውያን ኪቀባበሎም ተሰለፈ፡ ንሳቶም እውን ተዋግእዎ።+ 18  ግናኸ፡ ሶርያውያን ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ፣ ዳዊት ድማ ካብ ሶርያውያን 7,000 ሰብ ሰረገላን 40,000 ኣጋር ተዋጋእትን ቀተለ፣ ንሾፋኽ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ቀተሎ። 19  እቶም ገላዉ ሃዳድዔዘር ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡+ ብቕልጡፍ ምስ ዳዊት ሰላም ገይሮም ተገዛእቱ ዀኑ።+ ሶርያውያን ድማ ድሕሪ ደጊም ንዓሞናውያን ኪረድእዎም ኣይደለዩን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣራም-ናሃራዪምን።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢድ።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።