ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዜና መዋእል 16:1-43

ትሕዝቶ

  • እቲ ታቦት ኣብ ድንኳን ተነብረ (1-6)

  • ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙር ምስጋና (7-36)

    • “የሆዋ ነጊሱ!” (31)

  • ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ዚቐርብ ኣገልግሎት (37-43)

16  ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣምጺኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ።+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣቕረቡ።+  ዳዊት ድማ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም የሆዋ መረቖ።  ንዅሎም እስራኤላውያን ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ጎጎ ተምርን ሓደ ጎጎ ዘቢብን መቐሎም።  ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ኼገልግሉን+ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬኽብርዎን* ኬመስግንዎን ኪውድስዎን ሸሞም።  ኣሳፍ+ እቲ ርእሲ፡ ካልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ ነበረ፣ የዒኤል፡ ሸሚራሞት፡ የሒኤል፡ ማቲትያ፡ ኤልያብ፡ በናያ፡ ዖቤድ-ኤዶም፡ የዒኤል+ ድማ ብበገናን ብመሰንቆን* ይጻወቱ ነበሩ፣+ ኣሳፍ ከኣ ብጸናጽል ሸሓኒ ይጻወት ነበረ፣+  በናያን ያሓዚኤልን ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።  ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብኣሳፍን+ ብኣሕዋቱን ኣቢሉ፡ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ንፈለማ ግዜ ኣበርከተ፦  “ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡+ ስሙ ጸውዑ፡ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+  ዘምሩሉ፡ ውዳሰ ዘምሩሉ፡*+ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱ ኣጸቢቕኩም ሕሰቡ።*+ 10  በቲ ቕዱስ ስሙ ተመክሑ።+ ልቢ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ይተሓጐስ።+ 11  ንየሆዋን ንብርታዐኡን ድለዩ።+ ወትሩ ገጹ* ድለዩ።+ 12  እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱ፡ተኣምራቱን ዝፈረዶ ፍርድታትን ዘክሩ፡+ 13  እወ፡ ኣቱም ዘርኢ እስራኤል እቲ ጊልያኡ፡+ኣቱም ሕሩያቱ ደቂ ያእቆብ ዘክሩ።+ 14  ንሱ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እዩ።+ 15  ኪዳኑ ንዘለኣለም፡ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ* ድማ ንሽሕ ወለዶታት ዘክሩ፣+ 16  እወ፡ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን፡+ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ዘክሩ፣+ 17  ነዚ ንያእቆብ ስርዓት፡ንእስራኤል ድማ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ገይሩ ኣቘመሉ፡+ 18  ከምዚ ኢሉ፦ ‘ብጽሒት ርስትኹም ክትከውን፡+ምድሪ ከነኣን ክህበካ እየ።’+ 19  እዚ ዝዀነ፡ ብቝጽሪ ሒደት ከለኹም፡እወ፡ ኣዚኹም ሒደትን ኣብታ ምድሪ ጓኖትን ከለኹም እዩ።+ 20  ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ ኸዱ።+ 21  ሓደ ሰብ እኳ ኺጭቍኖም ኣይፈቐደን፣+ምእንታኦም ግና ነገስታት ገንሐ፡+ 22  ከምዚ ኢሉ፦ ‘ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም።’+ 23  ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ! ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ድሕነቱ ንገሩ!+ 24  ክብሩ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ዜደንቕ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ። 25  የሆዋስ ዓብይን ልዕሊ ዅሉ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።+ 26  ኵሎም ኣማልኽቲ ህዝብታት ከንቱ ኣማልኽቲ እዮም፣+የሆዋ ግና እቲ ንሰማያት ዝገበረ እዩ።+ 27  ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፡+ብርታዐን ሓጐስን ኣብ መንበሪኡ እዩ።+ 28  ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፡ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+ 29  ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ፣+መባእ ሒዝኩም ኣብ ቅድሚኡ ምጹ።+ ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ።*+ 30  ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ በሉ! ምድሪ* ጸኒዓ እያ፡ ኣይትነቓነቕን* እያ።+ 31  ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪ እውን ባህ ይበላ፣+ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ‘የሆዋ ነጊሱ!’ ይበሉ።+ 32  ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን የንጐድጕድ፣መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ። 33  ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ* ኣሎ እሞ፡ሽዑ፡ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበል። 34  ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+ 35  ከምዚ ድማ በሉ፦ ‘ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ ኣድሕነና፡+ንቕዱስ ስምካ ኸነመስግኖ፡+ብምውዳስካ* እውን ክንፍሳህሲ፡+ካብ ኣህዛብ ኣክበናን ኣናግፈናን። 36  የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።’” ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ “ኣሜን”* ኢሎም ንየሆዋ ወደስዎ። 37  ዳዊት ከኣ ንኣሳፍን+ ንኣሕዋቱን፡ ከምቲ መዓልታዊ ልማድ ገይሮም፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ወትሩ ኼገልግሉ፡+ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ሓደጎም። 38  ዖቤድ-ኤዶምን ኣሕዋቱን፡ 68 ዝቝጽሮም ነበሩ፣ ዖቤድ-ኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ድማ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነበሩ፣ 39  ካህን ጻዶቅን+ ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ፡ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ኰይኖም፡+ 40  ኣብቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ወትሩ ንግሆን ምሸትን ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ የቕርቡሉ ነበሩ፣ ኵሉ እቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ የሆዋ እተጻሕፈ ኸኣ ይገብሩ ነበሩ።+ 41  ሄማንን የዱቱንን+ እቶም ብስሞም እተሰምዩ ዝተረፉ ሕሩያትን ድማ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እሞ፡+ ንየሆዋ ኼመስግንዎ፡+ ምሳታቶም ነበሩ። 42  ሄማንን+ የዱቱንን ከኣ፡ ደሃይ መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን እቲ ንውዳሰ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን ናውትን* ኬስምዑ፡ ምሳታቶም ነበሩ፣ ደቂ የዱቱን+ እውን ኣብቲ ኣፍ ደገ ነበሩ። 43  ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፡ ነናብ ቤቱ ኸደ፣ ዳዊት ከኣ ቤተ ሰቡ ኺባርኽ ከደ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኪዝክርዎን።”
ወይ፡ “ብኽራርን።”
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ወይ፡ “ተዛረቡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ ቅድሚኡ ኽትቀርቡ።”
ቃ.ቃ.፡ “እቲ ዝኣዘዞ ቓል።”
ወይ፡ “ስለቲ ግርማ ቕድስናኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምልኽዎ።”
ወይ፡ “ፍርያም ምድሪ።”
ወይ፡ “ኣይትናወጽን፣ ሰንከልከል ኣይትብልን።”
ወይ፡ “መጺኡ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ብውዳሰኻ።”
ወይ፡ “ይኹን!”
ወይ፡ “ናውቲ መዝሙር ናይ ሓቂ ኣምላኽን።”