ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ዜና መዋእል 14:1-17

ትሕዝቶ

  • ንግስና ዳዊት ጸንዐ (1, 2)

  • ስድራ ቤት ዳዊት (3-7)

  • ፍልስጥኤማውያን ተሳዕሩ (8-17)

14  ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት* ኪሃንጹሉ ልኡኻትን ኣዕጫው ቄድሮስን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ።+  ዳዊት ከኣ፡ እቲ ንግስናኡ ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ተባሂሉ ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ነበረ እሞ፡+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ፈለጠ።+  ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ተወሰኽቲ ኣንስቲ ኣእተወ፣+ ዳዊት ከኣ ተወሰኽቲ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።+  ስማት እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ እዚ እዩ፦+ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+  ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን  ኖጋን ነፈግን ያፊዓን  ኤሊሻማዕን በዔልያዳን ኤሊፈለጥን።  ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኪነግስ ከም እተቐብአ ምስ ሰምዑ፡+ ኵሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ።+ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኪጻረሮም ወጸ።  ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ስንጭሮ* ረፋይም ኣትዮም ይወርሩ ነበሩ።+ 10  ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ “ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንዶ ኽድይብ፧ ንዓታቶምከ ኣብ ኢደይዶ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሆዋ ኸኣ ንዳዊት፡ “ደይብ፡ ንዓታቶም እውን ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ” በሎ።+ 11  ዳዊት ድማ ናብ በዓል-ጰራጺም+ ደየበ፣ ኣብኣ ኸኣ ወቕዖም። ሽዑ፡ ዳዊት፡ “ከምቲ ማያት ዚፍንጥስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንጸላእተይ ፈንጠሶም” በለ። ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም* እተሰምየት። 12  ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣማልኽቶም ኣብኡ ሓደጉ፣ ዳዊት ምስ ኣዘዘ ኸኣ፡ ብሓዊ ኣንደድዎም።+ 13  ፍልስጥኤማውያን ድማ ከም ብሓድሽ ኣብቲ ስንጭሮ* ወረሩ።+ 14  ዳዊት ከኣ ከም ብሓድሽ ንኣምላኽ ሓተቶ፣ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ “ብቐጥታ ደድሕሪኦም ኣይትደይብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብድሕሪኦም ዙር እሞ፡ ብመንጽር እቲ ቘጥቋጣት ባኻ እተዎም።+ 15  ኣብ ርእሲ እቲ ቘጥቋጣት ባኻ ደሃይ ዚስጕሙ ምስ ሰማዕካ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖም ቅድሜኻ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ኣጥቅዕ” በሎ።+ 16  ዳዊት ከኣ ከምቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፣+ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ጊብዖን ክሳብ ጌዘር+ ወቕዖም። 17  ዝና ዳዊት ከኣ ኣብ ኵለን ሃገራት ተዘርግሐ፣ የሆዋ ድማ፡ ኵሎም ኣህዛብ ብእኡ ኸም ዚርዕዱ ገበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ትርጉሙ፡ “ጐይታ ፍንጠሳ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”