ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ነገስት 4:1-34

ትሕዝቶ

  • ምምሕዳር ሰሎሞን (1-19)

  • ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ ብልጽግና (20-28)

    • ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኦም በለሱን ብደሓን ይነብር ነበረ (25)

  • ጥበብን ምስላታትን ሰሎሞን (29-34)

4  ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ይገዝእ ነበረ።+  ላዕለዎት ሰበ ስልጣኑ* ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓዛርያ ወዲ ጻዶቅ+ ካህን ነበረ፣  ኤሊሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፣+ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ መዝጋቢ ነበረ፣  በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ፣ ጻዶቅን ኣብያታርን+ ካህናት ነበሩ፣  ዓዛርያ ወዲ ናታን+ ኣብ ልዕሊ ምስለኔታት ነበረ፣ ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታው ንጉስን ነበረ፣+  ኣሒሻር ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ ነበረ፣ ኣዶኒራም+ ወዲ ዓብዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ።+  ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል 12 ምስለኔታት ነበርዎ፣ ንሳቶም ንንጉስን ንቤተ ሰቡን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ንሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ ሓላፍነት ነበሮም።+  ስማቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ወዲ ሑር ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፣  ወዲ ደቀር ኣብ ማቃዝን ሻዓልቢምን+ ቤት-ሸመሽን ኤሎን-ቤት-ሓናንን፣ 10  ወዲ ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት (ሶኮን ኵላ ምድሪ ሔፈርን ናቱ ነበረ)፣ 11  ወዲ ኣቢናዳብ ኣብ ዓቐበት ዶር (ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ዀነት)፣ 12  ባዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን+ ኣብ ኵላ ቤት-ሸኣንን፡+ እታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን ብትሕቲ ይዝርኤል፡ ካብ ቤት-ሸኣን ክሳብ ኣቤል-መሖላ ኽሳብ ዞባ ዮቅመዓም+ ዘላ፣ 13  ወዲ ገበር ኣብ ራሞት-ጊልዓድ+ (እተን ኣብ ጊልዓድ+ ዘለዋ ዓድታት ድንኳን ያኢር+ ወዲ ምናሴ ናቱ ነበራ፣ እቲ ኣብ ባሳን+ ዘሎ ዞባ ኣርጎብ፡+ 60 ዓበይቲ ኸተማታት መምስ መካበብያአንን ተገዳማት ነሓስን እውን ናቱ ነበራ)፣ 14  ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናዪም፣+ 15  ኣሒማዓጽ ኣብ ንፍታሌም (ንሱ እውን ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቲ ኽትኰኖ ወሰዳ)፣ 16  ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን በዓሎትን፣ 17  ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፣ 18  ሺምዒ+ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፣+ 19  ገበር ወዲ ኡሪ ኣብ ምድሪ ጊልዓድን+ ኣብ ምድሪ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያንን ዖግ+ ንጉስ ባሳንን። ኣብ ልዕሊ ዅሎም እዞም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ምስለኔታት ከኣ፡ ሓደ ምስለኔ ነበረ። 20  ይሁዳን እስራኤልን ከምቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ነበሩ፣+ ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ድማ ነበሩ።+ 21  ሰሎሞን ከኣ ካብቲ ፈለግ*+ ክሳብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳብ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ድማ ግብሪ ኣምጽኡሉ፡ ንሰሎሞን ከኣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ይግዝእዎ ነበሩ።+ 22  ምግቢ ሰሎሞን ድማ ነንመዓልቲ 30 ቆሮስ* ድኹም ሓርጭን 60 ቆሮስ ሓርጭን 23  10 ስቡሓት ከብትን 20 ብዕራይ ካብ መጓሰይን 100 በጊዕን ነበረ፣ እዚ ኸኣ ብዘይካ እራባትን ሰስሓታትን ሜዳቛትን ስቡሓት ኣዕዋፍን* እዩ። 24  ከመይሲ፡ ንዅላ እታ ኽነጀው እቲ ፈለግ*+ ዘላ፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳብ ጋዛ፡+ እንተላይ ንዅሎም እቶም ክነጀው እቲ ፈለግ* ዝነበሩ ነገስታት ይገዝእ ነበረ፣ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ዘሎ ዅሉ ዞባ ድማ ሰላም ነበሮ።+ 25  ይሁዳን እስራኤልን ከኣ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ብደሓን ይነብር ነበረ። 26  ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ 4,000* ጋጽ ኣፍራስን* 12,000 ፈረስን* ነበርዎ።+ 27  እቶም ምስለኔታት እቲኦም ከኣ ንንጉስ ሰሎሞንን ንዅሎም እቶም ኣብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚበልዑን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ነንወርሑ ሓላፍነት ነበሮ፣ ገለ እኳ ኣየጕድሉን ነበሩ።+ 28  ንኣፍራስን ንጕጅለታት ኣፍራስን ኬድሊ ኸሎ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም እጃሙ፡ ስገምን ሓሰርን የምጽኡ ነበሩ። 29  ኣምላኽ ከኣ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ኣእምሮን፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን* ሃቦ።+ 30  ጥበብ ሰሎሞን ድማ ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በለጸ።+ 31  ካብ ዝዀነ ሰብ ይጠብብ ነበረ፣ ካብ ኤታን+ እቲ እዝራሓውን ካብ ሄማንን+ ካልኮልን+ ዳራዳዕን፡ ደቂ ማሖል፡ እውን ይጠብብ ነበረ። ዝናኡ ኸኣ ኣብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ተዘርግሐ።+ 32  3,000 ምስላ+ ድማ መሰለ፣ መዝሙራቱ+ እውን 1,005 ነበረ። 33  ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቍል ሃዛብ+ ይዛረብ ነበረ። ብዛዕባ እንስሳታትን+ ብዛዕባ ኣዕዋፍን*+ ብዛዕባ ለመምትን*+ ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ይዛረብ ነበረ። 34  ካብ ኵሎም ህዝብታት ከኣ፡ እንተላይ ካብቶም ብዛዕባ ጥበቡ ዝሰምዑ ነገስታት ኵላ ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መሳፍንቱ።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ሓደ ቆሮስ፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኩኩን።”
ማለት፡ ብምዕራብ ኤፍራጥስ።
ማለት፡ ምዕራብ ኤፍራጥስ።
ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋትን ኣብቲ ነዚ ዛንታ እዚ ዜዘንቱ ኻልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ቝጽሪ እዚ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት ከኣ 40,000 ዚብል ቍጽሪ ኣሎ።
ወይ፡ “ስፍራ ኣፍራስን።”
ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”
ወይ፡ “ዜስተውዕል ልብን።”
ወይ፡ “በረርቲ ፍጡራትን።”
ንሓሸራታት እውን ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል።