ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ነገስት 22:1-53

ትሕዝቶ

  • ዮሳፋጥ ምስ ኣከኣብ ዝነበሮ ኺዳን (1-12)

  • ስዕረት ከም ዜጋጥም ሚካያ እተነበዮ ትንቢት (13-28)

    • ንኣከኣብ ዚሓባብሎ ዜታልል መንፈስ (21, 22)

  • ኣከኣብ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ተቐትለ (29-40)

  • ንግስና ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (41-50)

  • ኣሓዝያ፡ ንጉስ እስራኤል (51-53)

22  ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ድማ ሰለስተ ዓመት ውግእ ኣይነበረን።  ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ከኣ፡ ዮሳፋጥ+ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ።+  ንጉስ እስራኤል ድማ ንገላዉኡ፡ “ራሞት-ጊልዓድ+ ናትና ምዃናስ ትፈልጡ ዲኹም፧ ካብ ንጉስ ሶርያ ኸይንመልሳ ግና ንወላወል ኣለና” በሎም።  ንዮሳፋጥ ከኣ፡ “ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ክንዋጋእሲ፡ ምሳይዶ ትኸይድ፧” በሎ። ዮሳፋጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ “ኣነ ኸማኻ እየ። ህዝበይ ከም ህዝብኻ እዩ። ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።+  ግናኸ፡ ዮሳፋጥ ንንጉስ እስራኤል፡ “በጃኻ፡ ቅድም ቃል የሆዋ ሕተት” በሎ።+  ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ዝዀኑ 400 ዚኣኽሉ ሰባት ኣኪቡ፡ “ንራሞት-ጊልዓድ ክዋግኣዶ ክኸይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ደይብ፡ የሆዋ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” በሉ።  ዮሳፋጥ ከኣ፡ “እንሓትቶ ነብዪ የሆዋዶ ኣብዚ የልቦን፧ ብእኡ ኣቢልና እውን ንሕተት” በለ።+  ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “ገና ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንሓትቶ እንኽእል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ክፉእ ጥራይ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ እሞ፡+ እጸልኦ እየ።+ ንሱ ሚካያ ወዲ ዪምላ እዩ” በሎ። ዮሳፋጥ ግና፡ “ንጉስ ከምኡ ኣይበል” በለ።  ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ፡ “ንሚካያ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ” በሎ።+ 10  ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብቲ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዘሎ ዓውዲ ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ፣ ኵሎም እቶም ነብያት እውን ኣብ ቅድሚኦም ይንበዩ ነበሩ።+ 11  ጼዴቅያስ ወዲ ከናዓና ድማ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዚጸንቱ በዚኣተን ክትወግኦም* ኢኻ’” በለ። 12  ኵሎም እቶም ነብያት እውን ከምኡ፡ “ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። 13  እቲ ንሚካያ ኺጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነብያት ብሓደ ዀይኖም ንንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ። በጃኻ፡ ዘረባኻ ኸም ዘረባኦም ይኹን፡ ጽቡቕ ድማ ተዛረብ” በሎ።+ 14  ሚካያ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ የሆዋ ዚብለኒ እየ ዝዛረብ” በለ። 15  ናብ ንጉስ ከኣ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “ሚካያ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክንሓድጎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብቕጽበት፡ “ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩ” ኢሉ መለሰ። 16  ንጉስ ከኣ፡ “ብስም የሆዋ ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ከይትዛረበኒ ኽንደይ ሳዕ እየ ኸምሕለካ፧” በሎ። 17  ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኵሎም እስራኤላውያን ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ረኣኹ።+ የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን። ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ በለ።” 18  ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “‘ብዛዕባይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ’ ኢለካ ደይነበርኩን፧” በሎ።+ 19  ሚካያ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡+ ኵሉ ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብ ጥቓኡ፡ ኣብ የማነ ጸጋሙ ቘይሙ ረኣኹ።+ 20  የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣከኣብ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ምእንቲ ኺወድቕሲ፡ መን ይሓባብሎ፧’ በለ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ በለ። 21  ሽዑ፡ ሓደ መንፈስ*+ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ደው ኢሉ፡ ‘ኣነ ኽሓባብሎ እየ’ በለ። የሆዋ ድማ፡ ‘ከመይ ጌርካ፧’ ኢሉ ሓተቶ። 22  ንሱ ኸኣ፡ ‘ወጺአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ዜታልል መንፈስ ክኸውን እየ’ ኢሉ መለሰ።+ ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻስ ክትሓባብሎ ኢኻ፡ ከተስልጥ እውን ኢኻ። ወጺእካ ኸምኡ ግበር’ በሎ። 23  ሕጂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ኣፍ ኵሎም እዞም ነብያትካ እዚኦም ዜታልል መንፈስ እዩ ኣንቢሩ ዘሎ፣+ የሆዋ ግና ንዓኻ መዓት ተዛሪቡልካ ኣሎ።”+ 24  ጼዴቅያስ ወዲ ከናዓና ድማ ቀሪቡ ንሚካያ ኣብ ምዕጕርቱ ወቕዖ እሞ፡ “እቲ መንፈስ የሆዋ ንዓኻ ኺዛረብሲ ኻባይ በየን እዩ ሓሊፉ፧” በለ።+ 25  ሚካያ ኸኣ፡ “እንሆ፡ በታ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ በየን ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰ። 26  ንጉስ እስራኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ንሚካያ ናብ ኣሞን እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ውሰዶ። 27  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ንጉስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቲኹም፡+ እተነከየ መቝነን እንጌራን ማይን መግብዎ።”’” 28  ሚካያ ድማ፡ “ብሰላም እንተ ተመሊስካስ፡ የሆዋ ምሳይ ኣይተዛረበን” በለ።+ ብተወሳኺ ኸኣ፡ “ኣቱም ህዝቢ፡ ኵላትኩም ስምዑ” በለ። 29  ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ድማ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።+ 30  ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ “ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፣ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ+ ናብ ውግእ ኣተወ። 31  ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም 32 ኣዘዝቲ ሰረገላታቱ፡+ “ምስ ንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። 32  እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ “እዚ ብርግጽ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ። ኪዋግእዎ ድማ ናብኡ ኣልገሱ፣ ዮሳፋጥ ከኣ ኣእወየ። 33  እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት፡ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ፡ ብኡብኡ ኻብ ምስዓቡ ተመልሱ። 34  ግናኸ፡ ሓደ ሰብኣይ ብቐስቱ ገይሩ ብሃውሪ* ወርወረ እሞ፡ ንንጉስ እስራኤል ኣብ መንጎ መላግቦ ድርዑ ወግኦ። ንጉስ ድማ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ “ቈሲለ እየ እሞ፡ ተመሊስካ ኻብ ውግእ* ኣውጽኣኒ” በሎ።+ 35  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ውግእ በርትዐ፣ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን፡ ኣብቲ ሰረገላ ብኻልእ ተደጊፉ ደው ኢሉ ነበረ። ደም እቲ ቝስሉ ናብ ውሽጢ እቲ ሰረገላ ፈሰሰ፡ ምሸት ድማ ሞተ።+ 36  ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ “ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ! ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ!” ዚብል ኣዋጅ በቲ ሰፈር ሓለፈ።+ 37  በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሞተ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ ኣምጽእዎ፣ ንንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ። 38  ነቲ ሰረገላ ኣብ ሓጽቢ ሰማርያ ምስ ሓጸብዎ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓል፡ ኣኽላባት ነቲ ደሙ ለሓስዎ፡ ኣመናዝር ድማ ኣብኡ ተሓጽባ።*+ 39  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣከኣብ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሃነጻ ቤትን*+ ኵለን እተን ዝሰርሐን ከተማታትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 40  ኣከኣብ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ+ ነገሰ። 41  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሳ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 42  ዮሳፋጥ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 35 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 25 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓዙባ እዩ፣ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ። 43  ንሱ ብዅሉ መገዲ ኣቦኡ ኣሳ ተመላለሰ።+ ካብኡ ኣየልገሰን፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ቅኑዕ ገበረ።+ ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ 44  ዮሳፋጥ ከኣ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ነበሮ።+ 45  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮሳፋጥ፡ እቲ ሓያል ግብሩን እቲ እተዋግኦ ውግእን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 46  ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ ተሪፎም ዝነበሩ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ፡+ ካብታ ምድሪ ኣርሓቖም።+ 47  ሽዑ፡ ኣብ ኤዶም+ ንጉስ ኣይነበረን፣ ምስለኔ ግና ከም ንጉስ ነበረ።+ 48  ዮሳፋጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ተርሲስ* ሰርሐ፣+ እተን መራኽብ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ስለ እተሰብራ ግና፡ ኣይከዳን።+ 49  ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ከኣ ንዮሳፋጥ፡ “ገላዎይ ምስ ገላዉኻ በተን መራኽብ ይኺዱ” በሎ፣ ዮሳፋጥ ግና ኣይፈተወን። 50  ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡+ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም+ ነገሰ። 51  ኣብ መበል 17 ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣሓዝያ+ ወዲ ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። 52  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ብመገዲ ኣቦኡን+ ብመገዲ ኣዲኡን+ ብመገዲ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦ የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከኣ ተመላለሰ።+ 53   ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ድማ፡ ንበዓል ኣገልገሎን+ ሰገደሉን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኣዀረዮ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክትደፍኦም።”
ወይ፡ “መልኣኽ።”
ወይ፡ “ብገርሁ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰፈር።”
ወይ፡ “ነቲ ሰረገላ ኣብቲ ኣመናዝር ዚሕጸባሉ ሓጽቢ ሰማርያ ምስ ሓጸብዎ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓል፡ ኣኽላባት ነቲ ደሙ ለሓስዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቤተ መንግስትን።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።