ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ነገስት 14:1-31

ትሕዝቶ

  • ኣሒያ ኣንጻር የሮብዓም እተነበዮ ትንቢት (1-20)

  • ንግስና ሮብዓም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (21-31)

    • ወረራ ሺሻቅ (25, 26)

14  በታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብያ ወዲ የሮብዓም ሓመመ።  የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ “በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ፡ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይፍለጥሲ፡ ትርኢትኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ። ንሱ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ እዩ።+  ዓሰርተ እንጌራን እተነስነሶ ሕምባሻን ሳርማ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዚ ቘልዓ እንታይ ከም ዚኸውን ኪነግረኪ እዩ” በላ።  ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምቲ ዝበላ ገበረት። ተንሲኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡+ ናብ ቤት ኣሒያ ኸኣ መጸት። ኣዒንቲ ኣሒያ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ፡ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ።  የሆዋ ግና ንኣሒያ፡ “እንሃ፡ ሰበይቲ የሮብዓም፡ ወዳ ስለ ዝሓመመ፡ ብዛዕባኡ ኽትሓትተካ ትመጽእ ኣላ። እንታይ ከም እትብላ ኽነግረካ እየ።* መንነታ ሓቢኣ ኽትመጽእ እያ” በሎ።  ኣሒያ ኸኣ ንሳ ናብ ኣፍ ደገ ኽትመጽእ ከላ ደሃይ ኣእጋራ ምስ ሰምዐ፡ “ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ መንነትኪ ሓቢእኪ ዘለኺ፧ ብርቱዕ መልእኽቲ ኽነግረኪ ተመዲበ ኣለኹ።  ኪዲ እሞ ንየሮብዓም ከምዚ በልዮ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ካብ መንጎ ህዝብኻ ኣተንሲአ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ገይረካ።+  መንግስቲ ኻብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ድማ ሂበካ።+ ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወን ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ጥራይ ብምግባር ብምሉእ ልቡ ደድሕረይ ዝኸደን ጊልያይ ዳዊት ኣይኰንካን።+  የግዳስ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዝኸፍአ ጌርካ፣ ከተዀርየኒ ኸኣ ካልእ ኣምላኽን ፍሱስ ምስልታትን ጌርካ፣+ ንዓይ ድማ ዝባንካ መሊስካለይ።+ 10  ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት የሮብዓም መዓት ከምጽእ እየ፣ ካብ የሮብዓም ድማ ተባዕታይ ዘበለ፡* እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ። ከምቲ ፋንድያ ኽሳዕ ዚውገድ ዚዅስተር ገይረ ኸኣ፡ ንቤት የሮብዓም ክዅስትራ እየ።+ 11  የሆዋ ተዛሪቡ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኻብ የሮብዓም ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኣብ መሮር ዚመውት ድማ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።”’ 12  “ሕጂ ተንሲእኪ ናብ ቤትኪ ኺዲ። እግርኺ ናብ ከተማ ኽትኣቱ ኸላ፡ እቲ ቘልዓ ኺመውት እዩ። 13  ካብ ቤት የሮብዓም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ገለ ጽቡቕ ነገር ዝረኸበሉ ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ስድራ ቤት የሮብዓም ንሱ በይኑ ኣብ መቓብር ኪንበር እዩ እሞ፡ ኵሎም እስራኤል ኪሓዝኑሉን ኪቐብርዎን እዮም። 14  የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፣ ንሱ ድማ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ እወ ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ ንቤት የሮብዓም ኬጥፍኣ እዩ።+ 15  የሆዋ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣብ ማይ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፡ ኪወቕዖ እዩ፣ ንየሆዋ ኬዀርዩ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡+ ንእስራኤል ካብዛ ንኣቦታቶም ዝሃቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምሕዎም፡+ ናብ ስግር እቲ ፈለግ* እውን ፋሕ ኬብሎም እዩ።+ 16  ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦምን፡ ንእስራኤል ኪጥንጥኖ እዩ።”+ 17  ሽዑ፡ ሰበይቲ የሮብዓም ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻ እውን መጸት። ናብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በጽሐት ከኣ፡ እቲ ቘልዓ ሞተ። 18  ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ነብዪ ኣሒያ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ቀበርዎ፡ ኵሎም እስራኤል እውን ሓዘኑሉ። 19  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሮብዓም ከኣ፡ እቲ እተዋግኦን+ እቲ ዝነገሶን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 20  እቲ የሮብዓም ዝነገሰሉ ዘመን* ድማ 22 ዓመት እዩ፣ ድሕርዚ፡ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናዳብ ነገሰ።+ 21  ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 41 ዓመት ነበረ፣ ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ+ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ የሩሳሌም+ ከኣ 17 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ 22  ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ፣+ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባር ከኣ ኣቘጥዕዎ።+ 23  ንሳቶም እውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዅርባን+ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን፡+ በረኽትን ሓወልትታት ኣምልኾን ኣዕኑድ ኣምልኾን* ይሰርሑ ነበሩ።+ 24  ኣብታ ምድሪ ድማ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ነበሩ።+ ከም ኵሉ ፍንፉን ነገራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ከኣ ይገብሩ ነበሩ። 25  ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ንጉስ ሮብዓም ድማ፡ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ።+ 26  መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ከኣ ወሰደ።+ ኵሉ ነገራት፡ እንተላይ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ።+ 27  ንጉስ ሮብዓም ከኣ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ነሓሲ ገበረ፣ ነዚ ድማ ንኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ሓለውቲ* ብሕድሪ ሃቦም። 28  ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም ሓለውቲ ነዚ ይጾርዎ ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ክፍሊ ሓለውቲ ይመልስዎ ነበሩ። 29  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሮብዓም ከኣ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 30  ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ውግእ ነበረ።+ 31  ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣብያም*+ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከምዝን ከምዝን ኢልካ ተዛረባ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ።” ንተባዕትዮ ዜመልክት ናይ ንዕቀት መግለጺ እብራይስጢ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”
ኣብያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።