ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ነገስት 1:1-53

ትሕዝቶ

  • ዳዊትን ኣቢሳግን (1-4)

  • ኣዶንያ ኣብ ዝፋን ኪድይብ ደለየ (5-10)

  • ናታንን ባትሴባን ስጕምቲ ወሰዱ (11-27)

  • ዳዊት፡ ሰሎሞን ኪቕባእ ኣዘዘ (28-40)

  • ኣዶንያ ናብ መሰውኢ ሃደመ (41-53)

1  ንጉስ ዳዊት ኣሪጉ፡+ ብዕድመ* እውን ደፊኡ ነበረ፣ ክዳውንቲ እኳ እንተ ደረቡሉ፡ ኪመውቕ ኣይከኣለን።  ስለዚ፡ እቶም ገላዉኡ፡ “ንጐይታይ ንጉስ ድንግል ጓል ትደለየሉ፣ ንሳ ኸኣ ንንጉስ ኣላዪቱ ዀይና ተገልግሎ። ጐይታይ ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ድማ፡ ኣብ ሕቝፍኻ ትደቅስ” በልዎ።  ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል ከኣ መልክዐኛ ጓል ደለዩ፣ ንኣቢሳግ+ እታ ሹናማዊት+ ድማ ረኸቡ እሞ፡ ንዓኣ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ።  እታ ጓል ከኣ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት፣ ንንጉስ ድማ ትኣልዮን ተገልግሎን ነበረት፣ ንጉስ ግና ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን።  ሽዑ፡ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፡ “ክነግስ እየ” ኢሉ ንርእሱ ልዕል ኣበለ። ሰረገላን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐይዩ 50 ሰብኡትን ከኣ ገበረ።+  ኣቦኡ ግና፡ “ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሉ ኺዛረቦ* ኣይደለየን። ንሱ ድማ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፣ ኣዲኡ ኸኣ ንዕኡ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ወሊዳቶ።  ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን+ ድማ ተማኸረ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣዶንያ ሓገዝዎን ደገፍዎን።+  ካህን ጻዶቅን+ በናያ+ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን+ ሺምዒን+ ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን+ ግና ንኣዶንያ ኣይደገፍዎን።  ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔን-ሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ከብትን ስቡሓት እንስሳታትን ሰውአ፣+ ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ገላዉ ንጉስ ዝዀኑ ሰብ ይሁዳን ከኣ ዓደመ። 10  ንነብዪ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑን ንሓዉ ሰሎሞንን ግና ኣይዓደሞምን። 11  ናታን+ ድማ ንባትሴባ+ ኣደ ሰሎሞን+ ከምዚ በላ፦ “ጐይታና ዳዊት ሓንቲ ኸይፈለጠስ፡ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ፧ 12  ሕጂ ኸኣ ንህይወትክን ንህይወት* ሰሎሞን ወድኽን ከተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ኽመኽረኪ።+ 13  ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ‘ጐይታይ ንጉስ፡ “ወድኺ ሰሎሞን ብድሕረይ ኪነግስ እዩ፡ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ድማ ንሱ እዩ” ኢልካ ንገረድካ ዝመሓልካለይሲ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነጊሱ፧’ በልዮ። 14  ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸለኺ፡ ኣነ ብድሕሬኺ ኣትየ ንዘረባኺ ዜረጋግጽ ነገር ክምልኣልኪ እየ።” 15  ባትሴባ ኸኣ ናብ ንጉስ ናብ ብሕት ዝበለት ክፍሉ ኣተወት። ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፣ ኣቢሳግ+ እታ ሹናማዊት ከኣ ንንጉስ ተገልግሎ ነበረት። 16  ባትሴባ ድማ ፍግም ኢላ ንንጉስ ሰገደትሉ፣ ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ እዩ ልማኖኺ፧” በላ። 17  ንሳ ድማ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፦ “ጐይታይ፡ ‘ወድኺ ሰሎሞን ብድሕረይ ኪነግስ እዩ፡ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ድማ ንሱ እዩ’ ኢልካ ንገረድካ ብየሆዋ ኣምላኽካ ምሒልካለይ ኔርካ።+ 18  እንሆ ግና፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ጐይታይ ንጉስ ድማ ብዛዕባኡ ሓንቲ እኳ ኣይፈለጠን።+ 19  ብዙሓት ኣብዑርን ስቡሓት እንስሳታትን ኣባጊዕን ሰዊኡ፡ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ዓዲምዎም ኣሎ።+ ንጊልያኻ ሰሎሞን ግና ኣይዓደሞን።+ 20  ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮምሲ፡ ኣዒንቲ ዅሎም እስራኤል ናባኻ እየን። 21  እንተ ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ከዳዓት ክንቍጸር ኢና።” 22  ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ ኸኣ፡ ነብዪ ናታን ኣተወ።+ 23  ሽዑ፡ ንንጉስ፡ “ነብዪ ናታን እንሆ” ተባሂሉ ተነግሮ። ንሱ ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጺኡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ሰገደሉ። 24  ናታን ከኣ ከምዚ በለ፦ “ጐይታይ ንጉስ፡ ‘ብድሕረይ ኣዶንያ ኺነግስ እዩ፡ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ድማ ንሱ እዩ’ ኢልካ ዲኻ፧+ 25  ንሱስ ሎሚ ብዙሓት ኣብዑርን ስቡሓት እንስሳታትን ኣባጊዕን ኪስውእ ወሪዱ፡+ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ከኣ ዓዲምዎም ኣሎ።+ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ‘ንጉስ ኣዶንያ ንዘለኣለም ይንበር!’ እውን ይብሉ ኣለዉ። 26  ንዓይ ንጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ+ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንን ግና ኣይዓደመናን። 27  ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ብድሕሪኡ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካስ፡ ጐይታይ ንጉስ ነዚዶ ፈቒድካ ኢኻ፧” 28  ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት፡ “ንባትሴባ ጸውዑለይ” ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ ኣትያ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት። 29  ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦ “ከምቲ እቲ ኻብ ኵሉ ጭንቂ ዘናገፈኒ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ 30  ከምቲ፡ ‘ወድኺ ሰሎሞን ብድሕረይ ኪነግስ እዩ፡ ኣብ ክንዳይ ኰይኑ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ከኣ ንሱ እዩ’ ኢለ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኽገብር እየ።” 31  ሽዑ፡ ባትሴባ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፡ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ይንበር!” ድማ በለት። 32  ብኡብኡ፡ ንጉስ ዳዊት፡ “ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ+ ወዲ የሆያዳን+ ጸውዑለይ” በለ። ንሳቶም ከኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጹ። 33  ንጉስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ተማልኡ፡ ንሰሎሞን ወደይ ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም+ ናብ ጊሖን ኣውርድዎ።+ 34  ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ኣብኡ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎ፣+ ሽዑ፡ መለኸት ነፊሕኩም፡ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንዘለኣለም ይንበር!’ በሉ።+ 35  ንዕኡ ስዒብኩም ከኣ ተመለሱ እሞ፡ መጺኡ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ። ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኪነግስ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መራሒ ኪኸውን ክምዝዞ እየ።” 36  ሽዑ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ንንጉስ፡ “ኣሜን! የሆዋ ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበሎ። 37  ከምቲ የሆዋ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ድማ ምስ ሰሎሞን ይኹን፣+ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ” በሎ።+ 38  ሽዑ፡ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ+ ወዲ የሆያዳን እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን+ ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም+ ናብ ጊሖን ኣምጽእዎ።+ 39  ካህን ጻዶቅ ድማ ካብቲ ድንኳን+ ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ+ ንሰሎሞን ቀብኦ፣+ ንሳቶም ከኣ መለኸት ነፍሑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን፡ “ንጉስ ሰሎሞን ንዘለኣለም ይንበር!” ኢሎም ጨደሩ። 40  ድሕርዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ሻምብቆ እናነፍሑን ብዙሕ እናተሓጐሱን ስዒቦምዎ ደየቡ፣ በቲ ጫውጫውታኦም ድማ ምድሪ ተጨድደት።+ 41  ኣዶንያን እቶም ንሱ ዝዓደሞምን ከኣ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ነዚ ሰምዕዎ።+ ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዐ፡ “ኣብ ከተማ ጫውጫውታ ዕግርግር ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧” በለ። 42  ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ዮናታን+ ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ። ኣዶንያ ድማ፡ “ጽቡቕ እተበስር ሕያዋይ* ሰብኣይ ኢኻ እሞ፡ እቶ” በሎ። 43  ዮናታን ግና ንኣዶንያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣይፋልን ደኣ! ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። 44  ንጉስ ከኣ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ነቶም ክረታውያንን ነቶም ጵለታውያንን ምስኡ ሰዲድዎም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጢሖምዎ።+ 45  ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ከኣ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀቢኦምዎ። ተሓጒሶም ድማ ደዪቦም፣ እታ ኸተማ ኸኣ ዕግርግር ኢላ። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫውታ እዚ እዩ። 46  ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ንግስና ተቐሚጡ። 47  ብተወሳኺ ኸኣ፡ ገላዉ ንጉስ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ‘ኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ እውን ካብ ዝፋንካ የዕብዮ!’ ኢሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾምሉ። ሽዑ፡ ንጉስ ኣብ ዓራቱ ዀይኑ ሰጊዱ። 48  ንጉስ ድማ፡ ‘ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሃበኒ፡ ኣዒንተይ ነዚ ኺርእያ እውን ዝፈቐደ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ!’ ኢሉ።” 49  ኵሎም እቶም ኣዶንያ ዝዓደሞም ከኣ ተሸበሩ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ተንሲኦም መመገዶም ከዱ። 50  ኣዶንያ እውን ብሰንኪ ሰሎሞን ፈርሀ፣ ተንሲኡ ኸይዱ ኸኣ ቀርኒ መሰውኢ ሓዘ።+ 51  ንሰሎሞን ድማ፡ “እንሆ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ፈሪሁ ኣሎ፣ ቀርኒ መሰውኢ ሒዙ ኸኣ፡ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሰይፊ ኸይቀትሎ ቕድም ይምሓለለይ’ ይብል ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 52  ሰሎሞን ድማ፡ “ቅኑዕ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ጸጕሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ፣ ክፉእ እንተ ተረኺብዎ ግና፡+ ኪመውት እዩ” በለ። 53   ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ካብቲ መሰውኢ ኼምጽእዎ ለኣኸሉ። ንሱ ድማ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ሰገደሉ፣ ሰሎሞን ከኣ፡ “ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታት።”
ወይ፡ “ኼጕህዮ፣ ኺገንሖ።”
ወይ፡ “ንነፍስኽን ንነፍሲ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ እተበጀዋ።”
ወይ፡ “ንፉዕ።”