ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ተሰሎንቄ 5:1-28

ትሕዝቶ

  • ምምጻእ መዓልቲ የሆዋ (1-5)

    • “ሰላምን ደሓንን!” (3)

  • ንቕሑ፡ ተጠንቀቑ (6-11)

  • ምዕዶታት (12-24)

  • ናይ መወዳእታ ሰላምታ (25-28)

5  ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ግዜያትን እዋናትን ኪጽሓፈልኩም ኣየድልን እዩ።  ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ*+ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+  “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፣+ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም።  ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ንሰረቕቲ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን፣  ከመይሲ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም።+ ንሕናስ ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።+  እምበኣር፡ ንንቃሕን+ ቀልብና ንሓሉን+ እምበር፡ ከም ካልኦት ኣይንደቅስ።+  እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፣ እቶም ዚሰኽሩ እውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።+  ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ለቢስና፡ ተስፋ ድሕነት እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ቐልብና ንሓሉ፣+  ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድሕነት ክንረክብ እምበር፡+ ንቝጥዓ ኣይመደበናን። 10  የሱስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡* ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡+ ምእንታና ሞይቱ እዩ።+ 11  ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን* ተሃናነጹን።+ 12  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣ 13  ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም።+ ንሓድሕድኩም እውን ብሰላም ንበሩ።+ 14  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡*+ ንእተጨነቑ* ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምሕጸነኩም ኣለና።+ 15  ሓደ እኳ ንኻልእ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፣+ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ክትገብሩ ተጋደሉ።+ 16  ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ።+ 17  ከየቋረጽኩም ጸልዩ።+ 18  ብዅሉ ኣመስግኑ።+ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባኹም ዘለዎ ፍቓድ እዚ እዩ። 19  ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ።+ 20  ትንቢት ኣይትንዓቑ።+ 21  ንዅሉ መርምርዎ፣+ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። 22  ካብ እከይ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ።+ 23  ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ይቐድስኩም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን መንፈስኩምን ነፍስኹምን* ሰብነትኩምን ብምሉኡ ጥዑይ ኰይኑ ብዘይ መንቅብ ይተሓሎ።+ 24  እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኪገብሮ እዩ። 25  ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ብቐጻሊ ጸልዩ።+ 26  ንዅሎም ኣሕዋት ብቕዱስ ምስዓም ሰላም በልዎም። 27  እዛ ደብዳበ እዚኣ ንዅሎም ኣሕዋት ክትንበብ፡ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+ 28  ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ሞይትና።”
ወይ፡ “ተጸናንዑን።”
ወይ፡ “ምዓድዎም።”
ወይ፡ “ተስፋ ንዝቘረጹ፣ ሕልናኦም ንዝዓረቦም።” ቃ.ቃ.፡ “ንእሽቶ ንዝነፍሶም።”
ወይ፡ “ህይወትኩምን።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።