ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ተሰሎንቄ 1:1-10

ትሕዝቶ

  • ሰላምታ (1)

  • ስለ እምነት ሰብ ተሰሎንቄ ዝቐረበ ምስጋና (2-10)

1  ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን*+ ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣+  ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና።  ኣቱም ብኣምላኽ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ንሱ ኸም ዝሓረየኩም ፈሊጥና ኢና፣  ስለምንታይሲ፡ እቲ ዝሰበኽናልኩም ብስራት ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብጽኑዕ እምነትን እውን እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ኣባኻትኩምን ምእንታኹምን ከመይ ዝበልና ኸም ዝዀንና እውን ትፈልጡ ኢኹም።  ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ቓል ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸበባ+ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ብምቕባልኩም፡ ንዓናን+ ንጐይታን+ ትመስሉ ኣለኹም።  ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ኣመንቲ ኣርኣያ ዄንኩምዎም ኢኹም።  ኣብ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሓ+ ኣላ እምበር፡ ቃል የሆዋ* ኻባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዐ፣ ስለዚ፡ ሓንቲ እኳ ኽንብል ኣየድልየናን እዩ።  ከመይሲ፡ ኣብ ፈለማ ኸመይ ጌርና ኸም ዝረኸብናኩምን ካብ ጣኦታትኩም+ ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ ንሳቶም ባዕላቶም የውርዩ ኣለዉ፣ እዚ ዝገበርኩም ከኣ፡ ነቲ ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ክትግዝኡን 10  ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ኻብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜናግፈና+ ወዱ የሱስ ካብ ሰማያት ክትጽበዩን+ ኢልኩም ኢኹም።

እግረ ጽሑፍ

ሲላስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።