ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ቈረንቶስ 4:1-21

ትሕዝቶ

  • ኣመሓድርቲ እሙናት ኪዀኑ ይግባእ (1-5)

  • ትሕትና ክርስትያናት ኣገልገልቲ (6-13)

    • “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” (6)

    • ክርስትያናት ንዓለም ምርኢት እዮም (9)

  • ጳውሎስ ንመንፈሳውያን ደቁ ይሓልየሎም (14-21)

4  ሰብ ንዓና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም ኣመሓደርቲ ቕዱስ ምስጢራት ኣምላኽን ይቝጸረና።+  ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣመሓደርቲ እሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።  ንዓይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብሰብኣዊ ቤት ፍርዲ እንተ ተመርመርኩ፡ ግዲ የብለይን። ኣነ እኳ ንርእሰይ ኣይምርምራን እየ።  ከመይሲ፡ ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ። ግናኸ፡ ጻድቕ ምዃነይ በዚ ኣይኰነን ዚረጋገጽ፣ እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ* እዩ።+  ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ግዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ፣+ ሽዑ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።+  ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ እናኣበላለጽኩም ብትዕቢት ምእንቲ ኸይትንፍሑ፡+ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” ዚብል ስርዓት ካባና ኽትመሃሩ፡ እዚ ነገር እዚ ምእንታኹም ኢለ ኣባይን ኣብ ኣጵሎስን አውዕሎ ኣለኹ።+  ስለምንታይሲ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገበረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧+ ካብ ተቐበልካኸ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትምካሕ፧  ድሮዶ ጸጊብኩም፧ ድሮዶ ሃብቲምኩም፧ ብዘይካናዶ ነጊስኩም፧+ ንሕና እውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።+  ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ምርኢት ስለ ዝዀንናስ፡+ ኣምላኽ ንዓና ንሃዋርያት፡ ሞት ከም እተፈርዶም ገይሩ ኣብ መወዳእታ ምርኢት ዝገበረና ይመስለኒ።+ 10  ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፣+ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ኣስተውዓልቲ ኢኹም፣ ንሕና ድኹማት፡ ንስኻትኩም ግና ብርቱዓት ኢኹም፣ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11  ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን+ ንጸምእን+ ንዓርቕን ንውቃዕን+ ኣለና፡ መሕደሪ እውን የብልናን፣ 12  ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣለና።+ እናጸረፉና ንምርቕ፣+ እናሰጐጉና ብትዕግስቲ ንጻወር፣+ 13  እናኣካፍኡና ብልኡም ንምልስ፣*+ ጐሓፍ ዓለምን ጐዱፍ ኵሉን ኴንና ኣለና። 14  ከሕፍረኩም ዘይኰነስ፡ ከም ፍቑራት ደቀይ ክምዕደኩም ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። 15  ከመይሲ፡ ብክርስቶስ እልፊ መጕዚታት* እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ በቲ ብስራት ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን።+ 16  ስለዚ፡ ንዓይ ምሰሉ ኢለ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+ 17  በዚ ምኽንያት እዚ እየ ነቲ ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ዝሰድደልኩም ዘለኹ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣነ ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት ዝምህሮ ገይሩ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ እተተሓሓዘ ሜላታተይ* ኬዘኻኽረኩም እዩ።+ 18  ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎምሲ፡ ብትዕቢት ተነፊሖም ኣለዉ። 19  የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ ግና፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣ ሽዑ፡ ዘረባ እቶም ብትዕቢት እተነፍሑ ዘይኰነስ፡ ሓይሎም ክፈልጥ እየ። 20  ከመይሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን። 21  እንታይ ይሕሸኩም፧ ብበትሪዶ+ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ልእመትን ክመጸኩም፧

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ንልምን።”
ወይ፡ “ሓለውቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “መገድታተይ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።