ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ቈረንቶስ 3:1-23

ትሕዝቶ

  • ሰብ ቈረንቶስ ገና ስጋውያን እዮም (1-4)

  • ኣምላኽ የብቍል (5-9)

    • መዓይይቲ ኣምላኽ (9)

  • ሓዊ ብዚጻወር ናውቲ ምህናጽ (10-15)

  • ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኢኹም (16, 17)

  • ጥበብ ዓለም ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እዩ (18-23)

3  ኣነ ኸኣ ኣሕዋተየ፡ ከም ንስጋውያን፡ ከምቶም ብክርስቶስ ሕጻናት እምበር፡+ ከም ንመንፈሳውያን+ ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን።  ገና ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኩም፡ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ እየ መጊበኩም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ዓቕሚ የብልኩምን፣+  ከመይሲ፡ ገና ስጋውያን ኢኹም።+ ኣብ መንጎኹም ቅንእን ባእስን ካብ ሃለወስ፡ ስጋውያን ምዃንኩም ደይኰነን፧+ ከም ሰብዶኸ ትመላለሱ ኣየሎኹምን፧  ስለምንታይሲ፡ ሓደ፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኺብል ከሎ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ”+ እንተ ኢሉ፡ ከም ማንም ሰብ ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧  እምበኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስከ እንታይ እዩ፧ ከምቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ፡ ብኣታቶም ኣቢልኩም ዝኣመንኩም ኣገልገልቲ+ እዮም።  ኣነ ተኺለ፡+ ኣጵሎስ ኣስትዩ፡+ ኣምላኽ ግና ኣብቊሉ፣  ስለዚ፡ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እምበር፡+ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሶ የብሉን።  እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፣* ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።+  ምኽንያቱ፡ ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና። ንስኻትኩም ሕርሻ ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።+ 10  ከምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ከም ክኢላ ዋና ሃናጻይ መሰረት ሰሪተ እየ፣+ ካልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ግና ከመይ ገይሩ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። 11  ከመይሲ፡ ብዘይካ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ኪስርት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።+ 12  ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዚ መሰረት እዚ ብወርቂ፡ ብብሩር፡ ብኽቡር እምኒ፡ ብዕንጨይቲ፡ ብድርቋ፡ ወይስ ብሓሰር እንተ ሃኒጹ፡ 13  እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ስለ እትግለጽ፡ ክትቀልዖ እያ እሞ፡ ዕዮ ነፍሲ ወከፍ እንታይ ምዃኑ ኺርአ* እዩ፣+ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕዮ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ምዃኑ ኺፍትኖ እዩ። 14  እቲ ኣብቲ መሰረት ዝሃነጸ ሰብ ዕዮኡ እንተ ጸኒዑሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ፣ 15  እቲ ዕዮኡ እንተ ነዲዱ ግና፡ ኪኸስር እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ ግና ኪድሕን እዩ፣ ግናኸ፡ ከምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝደሓነ እዩ። 16  ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን+ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ከም ዚሓድርንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 17  ሓደ እኳ ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣዕንዩዋ፡ ኣምላኽ ኬዕንዎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፣ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እውን ንስኻትኩም ኢኹም።+ 18  ሓደ እኳ ንርእሱ ኣየስሕት፦ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዚ ስርዓት* እዚ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ዓሻ ይኹን። 19  ከመይሲ፡ “ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም” ዚብል ተጻሒፉ እዩ እሞ፡+ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ። 20  “የሆዋ፡* ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ” ዚብል እውን ኣሎ።+ 21  ስለዚ፡ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ፣ 22  ጳውሎስ ኰነ፡ ኣጵሎስ ኰነ፡ ኬፋ* ዀነ፡+ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት፡ ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ኵሉ ናታትኩም እዩ፣ 23  ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፣+ ክርስቶስ ከኣ ናይ ኣምላኽ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓደ ዕላማ እዩ ዘለዎም።”
ወይ፡ “ኺግሃድ።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።