ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ቈረንቶስ 10:1-33

ትሕዝቶ

  • ካብ ታሪኽ እስራኤል እተጠቕሰ መለበሚ (1-13)

  • ካብ ኣምልኾ ጣኦት ክንሃድም እተዋህበ መጠንቀቕታ (14-22)

    • መኣዲ የሆዋን መኣዲ ኣጋንንትን (21)

  • ኵሉ ተፈቒዱ፣ ጥቕሚ ኻልእ ምድላይ (23-33)

    • “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” (31)

10  ኣሕዋተየ፡ ኣቦታትና ዅላቶም ኣብ ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩን+ ኵላቶም ባሕሪ ኸም እተሳገሩን፡+ ክትፈልጡ እደልየኩም እየ፣  ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠሚቖም እዮም፣  ኵላቶም ከኣ ሕደ መንፈሳዊ ምግቢ በሊዖም እዮም፣+  ኵላቶም እውን ሕደ መንፈሳዊ መስተ ሰትዮም እዮም።+ ከመይሲ፡ ካብቲ ዝሰዓቦም መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም፣ እቲ ኸውሒ ኸኣ ንክርስቶስ የመልክት።*+  ግናኸ፡ ኣምላኽ ብመብዛሕትኦም ባህ ኣይበሎን፣ ስለዚ፡ ኣብ በረኻ ተወዲኦም እዮም።+  እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ፡ ንሕና እውን እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀይኑና ኣሎ።+  “እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ። ኪጻወቱ እውን ተንስኡ” ዚብል ከም እተጻሕፈ፡+ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ።  ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ* እሞ ብሓንቲ መዓልቲ 23,000 ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር።*+  ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፡+ ንየሆዋ* ኣይንፈትኖ።+ 10  ከምቲ ገሊኣቶም ዘጕረምረሙ+ እሞ በቲ መጥፍኢ ዝጠፍኡ፡+ ኣይነጕረምርም። 11  እዚ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፣ ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።+ 12  ስለዚ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።+ 13  ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን።+ ግናኸ፡ ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣+ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ።+ 14  ፍቑራተየ፡ ስለዚ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ።+ 15  ከም ንኣስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16  እታ እንባርኻ ጽዋእ በረኸት ካብ ደም ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ እታ እንቘርሳ እንጌራኸ ኻብ ስጋ ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ 17  ኵላትና ኻብ ሓንቲ እንጌራ ንማቐል ኣለና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ስለ ዘላ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ሓደ ሰብነት ኢና።+ 18  ንእስራኤል እሞ ብስጋ ርኣይዎ፦ እቶም ካብ መስዋእትታት ዚበልዑስ፡ ምስቲ መሰውኢዶ ኣይካፈሉን እዮም፧+ 19  እንታይ ደኣ እብል ኣለኹ፧ ንጣኦታት እተሰውአዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይስ ጣኦትዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20  ኣይፋሉን፣ እቲ ኣህዛብ ዚስውእዎ፡ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን፣+ ምስ ኣጋንንቲ ኽትካፈሉ ኸኣ ኣይደልየኩምን እየ።+ 21  ጽዋእ የሆዋን* ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ “መኣዲ የሆዋ”ን*+ ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 22  ወይስ ‘ንየሆዋዶ* ኸነቕንኦ ኢና’፧+ ካብኡዶ ንብርትዕ ኢና፧ 23  ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ።+ 24  ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።+ 25  ኣብ ዕዳጋ ስጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕልናኹም ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም ብልዑ፣ 26  ከመይሲ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ* እዩ።”+ 27  ሓደ ዘይኣማኒ እንተ ዓዲሙኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደሊኹም፡ ስለ ሕልና ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ብልዑ። 28  ሓደ፡ “እዚ ንጣኦታት እተሰውአ እዩ” እንተ ኢሉኩም ግና፡ ስለቲ ዝነገረኩምን ስለ ሕልናን ኢልኩም ኣይትብልዑ።+ 29  “ሕልና” ኽብል ከለኹ፡ ሕልና ኻልእ ደኣ እምበር፡ ሕልና ርእስኻ ማለተይ ኣይኰነን። ስለምንታይከ ሓርነተይ ብሕልና ኻልእ ዚፍረድ፧+ 30  ብምስጋና እካፈል ካብ ኣለኹ፡ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስገንኩሉ ዝጽረፍ፧+ 31  እምበኣር፡ እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።+ 32  ንኣይሁድ ኰነ ንግሪኻውያን ወይስ ንጉባኤ ኣምላኽ፡ መዐንቀፊ ኣይትኹኑ፣+ 33  ኣነ እውን ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡+ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ኸሐጕስ እጽዕር ኣለኹ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክርስቶስ እዩ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።