ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

1 ሳሙኤል 11:1-15

ትሕዝቶ

  • ሳኦል ንዓሞናውያን ሰዓሮም (1-11)

  • ንግስና ሳኦል ተሓደሰ (12-15)

11  ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ+ ድማ ደዪቡ ኣንጻር እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ያቤሽ+ ሰፈረ። ኵሎም ሰብ ያቤሽ ከኣ ንናሓሽ፡ “ኪዳን እተወልና* እሞ፡ ክንግዝኣካ ኢና” በልዎ።  ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ድማ፡ “የማነይቲ ዓይኒ ዅልኹም ብምንቋር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ። እዚ ድማ ንዅሉ እስራኤል ከዋርድ እየ ዝገብሮ” በሎም።  እቶም ዓበይቲ ያቤሽ ከኣ፡ “ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ሃበና። ዜናግፈና እንተ ዘየልቦ፡ ሽዑ ንዓኻ ኢድና ኽንህብ ኢና” ኢሎም መለሱሉ።  እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጺኦም፡+ እቶም ህዝቢ እናሰምዑ እዚ ቓላት እዚ ተዛረቡ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።  ግናኸ፡ ሳኦል ካብ መሮር ደድሕሪ ኸብቲ ይመጽእ ነበረ፣ ሳኦል ከኣ፡ “እዚ ህዝቢ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ፧” በለ። ንሳቶም ድማ፡ ቃላት ሰብ ያቤሽ ነገርዎ።  ሳኦል፡ እዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዐ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ብቝጥዓ ነደደ።  ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራረጾም። ነዚ ኸኣ ብኢድ ልኡኻት ገይሩ ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ሰደዶ፣ ንሳቶም ድማ፡ “ንሳኦልን ንሳሙኤልን ዘይስዕብ ዘበለ፡ ከብቱ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም” በሉ። ፍርሂ የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ እሞ፡ ብሓደ ሰሚሮም* ወጹ።  ንሱ ድማ ኣብ ቤዜቅ ቈጸሮም፣ 300,000 እስራኤላውያንን 30,000 ሰብ ይሁዳን ከኣ ኰኑ።  ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ ከምዚ በልዎም፦ “ንሰብ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ያቤሽ፡ ‘ጽባሕ ጸሓይ ምስ ሞቐት፡ ድሕነት ክትረኽቡ ኢኹም’ በልዎም።” እቶም ልኡኻት ከኣ መጺኦም ንሰብ ያቤሽ ነገርዎም፣ ንሳቶም ድማ ተሓጐሱ። 10  ሰብ ያቤሽ ከኣ፡ “ጽባሕ ንዓኻትኩም ኢድና ኽንህብ ኢና፣ ሽዑ፡ ጽቡቕ ዀይኑ እተራእየኩም ግበሩና” በሉ።+ 11  ንጽብሒቱ፡ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፣ ብግዜ ሓለዋ ንግሆ* ድማ ናብ ማእከል እቲ ሰፈር ኣትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ወቕዕዎም።+ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ክልተ እኳ ብሓደ ኸይተረፉ ፋሕ በሉ። 12  ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል፡ “እቲ፡ ‘ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ፧’ ዝበለ መን እዩ፧+ ነቶም ሰባት ኣሕሊፍኩም ሃቡና እሞ፡ ክንቀትሎም ኢና” በልዎ። 13  ሳኦል ግና፡ “ሎሚ የሆዋ ንእስራኤል ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተል” በለ።+ 14  ሳሙኤል ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ “ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡+ ኣብኡ ድማ ነቲ ንግስና ንሓድሶ” በሎም።+ 15  ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ጊልጋል ከዱ፣ ኣብ ጊልጋል ድማ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንገስዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ሰውኡ፣+ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ድማ ብዙሕ ተሓጐሱ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውዕል ንግበር።”
ቃ.ቃ.፡ “ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም።”
ማለት፡ ካብ ለይቲ ሰዓት 2:00 ቅ.ቀ. ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀ. ኣቢሉ ይኸውን።