ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ጸፎንያስ 3:1-20

ትሕዝቶ

  • የሩሳሌም፡ እታ ዓላዊትን ብልሽውትን ከተማ (1-7)

  • ፍርድን ምምላስን (8-20)

    • ናብ ጽሩይ ቋንቋ ዚግበር ለውጢ (9)

    • ትሑትን ምቕሉልን ህዝቢ ኺድሕን እዩ (12)

    • የሆዋ ብጽዮን ኪፍሳህ እዩ (17)

3  እታ ዓላዊትን ብክልትን ጨቋኒትን ከተማ ወይለኣ!+   ድምጺ ኣይተኣዘዘትን፣+ ተግሳጽ ኣይተቐበለትን።+ ብየሆዋ ኣይተኣመነትን፣*+ ናብ ኣምላኻ ኣይቀረበትን።+   መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ ዚጓዝሙ ኣናብስ እዮም።+ ፈራዶኣ ብለይቲ ተዃሉ እዮም፣ ክሳዕ ንግሆ ኸኣ ዚቝርጠም ዓጽሚ እኳ ኣይሓድጉን።   ነብያታ ስድታትን ጠላማትን ሰባት እዮም።+ ካህናታ ንቕዱስ የርክሱ፣+ ነቲ ሕጊ ይዕምጽዎ።+   የሆዋ ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣+ ንሱ ኣይብድልን እዩ። ንግሆ ንግሆ፡ ከምቲ ዘይተርፍ ብርሃን፡ ፍርድታቱ የፍልጥ።+ ዓማጺ ግና ሕፍረት ኣይፈልጥን።+   “ኣነ ንኣህዛብ ኣጥፊአ፣ ግምብታት መኣዝኖም ባዲሙ ተሪፉ። ሓደ እኳ ኸይሓልፍሲ፡ ጐደናታቶም ኣባዲመ። ከተማታቶም ሰብ ዘይብለንን ነባሪ ዘይብለንን ዑናታት ኰይነን።+   መንበሪኣ ምእንቲ ኸይጠፍእሲ፡+ ‘ብርግጽ ክትፈርህኒ፡ ተግሳጽ* እውን ክትቅበሊ ኢኺ’ ኢለ፣+ —በዚ ዅሉስ ተሓታቲት ክገብራ* እየ። ንሳቶም ግና ብዝያዳ ኺበላሸዉ ደልዮም።+   ‘ስለዚ፡ ንኣህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስትታት ክኣኻኽቦም፡ ቍጥዓይን ኵሉ ዚነድድ ኵራይን ክኽዕወሎም+ ፍርደይ እዩ እሞ፡ ክሳዕ እታ ኽዘምት* ዝትንስኣላ መዓልቲ ተጸበዩኒ’* ይብል የሆዋ፣+ ‘ብሓዊ ቕንኣተይሲ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።+   ሽዑስ፡ ኵላቶም ስም የሆዋ ምእንቲ ኺጽውዑ፡ ብሓድነት* ድማ ምእንቲ ኼገልግልዎሲ፡+ ንቛንቋ ህዝብታት ናብ ጽሩይ ቋንቋ ኽልውጦ እየ።’ 10  ካብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ፡ እቶም ዚልምኑኒ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።+ 11  ሽዑ፡ ነቶም ዕቡያትን ምኩሓትን ካብ መንጎኺ ኸርሕቖም እየ፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ከኣ ደጊም ከቶ ዕብይቲ ኣይክትኰንን ኢኺ እሞ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በቲ ኻባይ ዝዓሎኽዮ ዅሉ ግብርታትኪ ኣይክትሓፍርን ኢኺ።+ 12  ኣብ ማእከልኪ ኺነብርሲ ትሑትን ምቕሉልን ህዝቢ ኽሓድግ እየ፣+ ንሳቶም እውን ኣብ ስም የሆዋ ኺምዕቈቡ እዮም። 13  እቶም ተረፍ እስራኤል+ ኣይኪዕምጹን እዮም፣+ ኣይኪሕስዉን እዮም፡ ኣብ ኣፎም እውን መታለሊት ልሳን ኣይክትርከብን እያ፣ ኪበልዑን በጥ ኪብሉን እዮም፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”+ 14  ኣቲ ጓል ጽዮን፡ እልል በሊ! ኣታ እስራኤል፡ ብዓወት ጨድር!+ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ!+ 15  የሆዋ ንፍርድታትኪ ኣርሒቕዎ እዩ።+ ንጸላኢኺ መሊስዎ እዩ።+ እቲ ንጉስ እስራኤል፡ የሆዋ፡ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+ ደጊም መዓት ኣይክትፈርህን ኢኺ።+ 16  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም ከምዚ ኺብሃላ እዩ፦ “ኣቲ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ።+ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ። 17  የሆዋ ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+ ከም ጅግና፡ ኬድሕነኪ እዩ። ብኣኺ ብዓብዪ ሓጐስ ኪፍሳህ እዩ።+ ብፍቕሩ ስቕ ኪብል* እዩ። ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ። 18  ነቶም ኣብ በዓላትኪ ስለ ዘይነበሩ ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ፣+ ጸርፋ ስለ ዝጾሩ እዮም ምሳኺ ዘይነበሩ።+ 19  እንሆ፡ በቲ ግዜ እቲ ኣንጻር ኵሎም እቶም ዚጭቍኑኺ ስጕምቲ ኽወስድ እየ፣+ ነታ እትሕንክስ ከድሕና፡+ ነታ እተበተነት እውን ክእክባ እየ።+ ኣብ ኵሉ ምድሪ ሕፍረቶም፡ ንውዳሰን ንስምን ክገብሮም እየ። 20  ንምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም፡+ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምን ንውዳሰን ክገብረኩም እየ እሞ፡+ በቲ ግዜ እቲ፡ ከምጽኣኩም፡ በቲ ግዜ እቲ፡ ክእክበኩም እየ” ይብል የሆዋ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣይተወከለትን።”
ወይ፡ “መአረምታ።”
ወይ፡ “ክቐጽዓ።”
ወይ፡ “ምስክር ኰይነ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብትዕግስቲ ተጸበዩኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሓደ መንኵብ።”
ወይ፡ “ኺሃድእ፡ ኪቐስን፡ ኺዓግብ።”