ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ጸፎንያስ 1:1-18

ትሕዝቶ

  • መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ቐሪባ እያ (1-18)

    • መዓልቲ የሆዋ ቐልጢፋ ትቐርብ ኣላ (14)

    • ብሩርን ወርቅን ኬድሕን ኣይክእልን (18)

1  እቲ ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ* ወዲ ኩሺ ወዲ ገዳልያ ወዲ ኣማርያ ወዲ ህዝቅያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ፦   “ንዅሉ ኻብ ገጽ ምድሪ ጠሪሰ ክዅስትሮ እየ” ይብል የሆዋ።+   “ንሰብን ንእንስሳን ክዅስትሮም እየ። ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡+ ንመዐንቀፊታት*+ ድማ ምስቶም እኩያት ክዅስትሮም እየ፣ ንሰብ ከኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኸወግዶ እየ” ይብል የሆዋ።   “ኢደይ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ የሩሳሌም ክዝርግሕ፡ ኵሉ ኣሰር በዓል፡+ ስም ካህናት ጓኖት ኣማልኽቲ ምስቶም ካህናት፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ኽድምስስ እየ፣+   ነቶም ኣብ ናሕስታት ንሰራዊት ሰማያት ዚሰግዱ፡+ ነቶም ንማልካም ተኣማንነቶም እናመሓሉ+ ንየሆዋ ዚሰግዱን ተኣማንነቶም ዚምሕሉን፡+   ነቶም ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ዚምለሱ፡+ ነቶም ንየሆዋ ዘይደልይዎን ዘይሓትትዎን ክድምስሶም እየ።”+   መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስቕ በሉ። የሆዋ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ፣ ነቶም ዝዓደሞም ቀዲስዎም ኣሎ።   “በታ መዓልቲ መስዋእቲ የሆዋ፡ ንመሳፍንትን ንደቂ ንጉስን+ ንዅሎም እቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።   በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መድረኽ* ዚድይቡ፡ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጻን ብምትላልን ዚመልኡ፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። 10  በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ካብ ኣፍ ደገ ዓሳ ደሃይ ኣውያት፡+ ካብ ካልኣይ ክፋል እታ ኸተማ ድማ ዋይዋይታ፡+ ካብቲ ዅርባታት ከኣ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ። 11  ኵሎም ነጋዶ ጸኒቶም፡ ኵሎም እቶም ብሩር ዚመዝኑ ኸኣ ጠፊኦም* እዮም እሞ፡ ኣቱም ነበርቲ መኽቴሽ፡* ዋይዋይ በሉ። 12  ሽዑ፡ ኣነ ንየሩሳሌም ተጠንቂቐ ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ፣ ነቶም ብልቦም፡ ‘የሆዋ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእ እውን ኣይገብር’ ዚብሉ ሸለልተኛታት* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።+ 13  ሃብቶም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ከኣ ኪባድም እዩ።+ ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ግናኸ ኣይኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ፡ ግናኸ ፍሪኡ ኣይኪበልዑን እዮም።+ 14  እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ!+ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ቐልጢፋ ድማ ትቐርብ ኣላ!+ ደሃይ መዓልቲ የሆዋ መሪር እዩ።+ ኣብኣ ጅግና የእዊ።+ 15  እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ነድሪ፡+ መዓልቲ ጭንቅን ጓህን፡+ መዓልቲ ህቦብላን ብድመትን፡+ መዓልቲ ጸልማትን ድነን፡ መዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን እያ፣+ 16  ነተን እተዓርዳ ኸተማታትን በረኽቲ ግምብታት መኣዝንን ከኣ፡+ መዓልቲ መለኸትን ጭድርታ ውግእን እያ።+ 17  ሰባት ንየሆዋ ስለ ዝበደሉ፡+ ጭንቂ ኸምጽኣሎም፡ ከም ዕዉራት ከኣ ኪመላለሱ እዮም።+ ደሞም ከም ሓመድ፡ ስጋኦም* ድማ ከም ፋንድያ ኺድፋእ እዩ።+ 18  በታ መዓልቲ ነድሪ የሆዋ፡ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ፣+ ንሱ ንዅሎም ነበርቲ ምድሪ ብዜስካሕክሕ መገዲ ስለ ዜጽንቶምሲ፡+ ብሓዊ ቕንኣቱ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።”+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “የሆዋ ሓብአ (ዓቘረ)።”
ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዚተሓሓዝ ነገራት ወይ ንጥፈታት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ድርኵዂት።” መድረኽ ዝፋን ንጉስ ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም ዚብሉ ተገይሮም።”
ጥቓ ኣፍ ደገ ዓሳ ዝነበረ ኽፋል የሩሳሌም ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ ከም ኣብ ገንኢ ወይኒ ዀይኖም “ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣምዑቶም።”