ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ግብሪ ሃዋርያት 7:1-60

ትሕዝቶ

  • እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተዛረቦ ዘረባ (1-53)

    • ዘመነ ኣበው (2-16)

    • መሪሕነት ሙሴ፣ እስራኤል ዝገበሮ ኣምልኾ ጣኦት (17-43)

    • ኣምላኽ ብሰብ ኣብ እተሰርሐ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን (44-50)

  • እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ (54-60)

7  እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “እዚ ነገር እዚ ኸምኡ ድዩ፧” በሎ።  እስጢፋኖስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትን ኣቦታትን፡ ስምዑ። ኣምላኽ ክብሪ ንኣቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ፡ ኣብ መሶጶታምያ ኸሎ፡ ተራእዮ፣+  ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፣ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ’ ድማ በሎ።+  ሽዑ፡ ንሱ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ፡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡+ ኣምላኽ ካብኡ ናብዛ ሕጂ እትነብርዋ ዘለኹም ምድሪ ኣግዓዞ።+  ኣብኣ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፣ ግናኸ፡ ውሉድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ እታ ምድሪ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ንዘርኡ ኸም ዜረስትዮ፡ ኣተስፈዎ።+  ዘርኡ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን እውን ኣምላኽ ተዛረቦ።+  ኣምላኽ ድማ፡ ‘ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶ እየ፣+ ድሕርዚ፡ ኪወጹ እሞ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኼገልግሉኒ* እዮም’ በለ።+  “ኪዳን ግዝረት እውን ሃቦ፣+ ከምኡ ኸኣ ንይስሃቅ ወለደ+ እሞ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ፣+ ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለደ፡* ያእቆብ ከኣ ን12 ርእስታት ዓሌት ወለደ።  እቶም ርእስታት ዓሌት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ+ ናብ ግብጺ ሸጥዎ።+ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ፣+ 10  ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣናገፎ፣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ሞገስን ጥበብን ሃቦ። ንሱ እውን ንግብጽን ንብዘላ ቤቱን ኬመሓድር ሸሞ።+ 11  ኣብ ኵላ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜት፡ እወ፡ ብርቱዕ ጸበባ ዀነ፣ ኣቦታትና ድማ ምግቢ ሰኣኑ።+ 12  ያእቆብ ግና ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ሰምዐ፣ ንኣቦታትና ኸኣ ቀዳማይ ግዜ ለኣኾም።+ 13  ኣብ ካልኣዮም ድማ፡ ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ገዛእ ርእሱ ኣፍለጦም፣ ዓሌት ዮሴፍ እውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ።+ 14  ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ ያእቆብን ንዅሎም እቶም 75 ሰባት*+ ዚዀኑ ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም።+ 15  ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሞተ፣+ ኣቦታትና እውን ሞቱ።+ 16  ናብ ሴኬም ድማ ኣግዓዝዎም፣ ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሓሞር ኣብ ሴኬም ብገንዘብ ብሩር ዝዓደጋ መቓብር ከኣ ኣንበርዎም።+ 17  “እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝገለጸሉ ተስፋ ዚፍጸመሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዓበዩን በዝሑን፣ 18  እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉስ ክሳዕ ዚትንስእ ኰነ።+ 19  ንሱ ንዓሌትና ተተናዀሎም፣ ንኣቦታትና ኸኣ ሕጻናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።+ 20  በታ ግዜ እቲኣ ሙሴ ተወልደ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ። ኣብ ቤት ኣቦኡ እውን ንሰለስተ ወርሒ ኽንክን ተገብረሉ።*+ 21  ምስ ተደርበየ ግና፡+ ጓል ፈርኦን ኣልዒላ፡ ከም ወዳ ገይራ ኣዕበየቶ።+ 22  ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፣ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዐ።+ 23  “ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ንኣሕዋቱ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ኪበጽሕ ብልቡ ሓሰበ።*+ 24  ሓደ ኻባታቶም ኪዕመጽ ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ሕነ እቲ ግፉዕ ዘርዩ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። 25  ኣሕዋቱ፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ድሕነት ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየስተውዓልዎን። 26  ንጽብሒቱ ድማ፡ ኪብኣሱ ኸለዉ ረኣዮም፣ ‘ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም። ስለምንታይ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧’ ኢሉ እውን ኪዓርቆም ፈተነ። 27  እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና ደፊኡ፡ ‘መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ ኣባና ሸይሙካ፧ 28  ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ደሊኻ፧’ በሎ። 29  ሙሴ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ሃደመ፣ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ጓና ዀነ፣ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ።+ 30  “ድሕሪ 40 ዓመት ድማ፡ ኣብ በረኻ ከረን ሲና፡ መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእዮ።+ 31  ሙሴ እዚ ምስ ረኣየ፡ በቲ ትርኢት እቲ ተገረመ። ኪምርምር ኢሉ ኪቐርብ ከሎ ግና፡ ከምዚ ዚብል ድምጺ የሆዋ* ሰምዐ፦ 32  ‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ።’+ ሙሴ ራዕራዕ ስለ ዝበለ፡ ኪምርምር ኣይደፈረን። 33  የሆዋ* ድማ ከምዚ በሎ፦ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ። 34  ጭቈና እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እህህታኦም ከኣ ሰሚዐ፡+ ከናግፎም እውን ወሪደ ኣለኹ። ሕጂ ኸኣ ንዓ ናብ ግብጺ ኽልእከካ።’ 35  ነዚ፡ ‘መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ ሸይሙካ፧’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ እዚ፡+ ኣምላኽ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ፡ ሓለቓን መድሓንን ገይሩ ለኣኾ።+ 36  ንሱ ን40 ዓመት+ ኣብ ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕርን+ ኣብ በረኻን ተኣምራትን ትእምርትታትን እናገበረ+ ኣውጽኦም።+ 37  “እዚ ሙሴ እዚ እዩ ንደቂ እስራኤል፡ ‘ኣምላኽ ከማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ’ ዝበሎም።+ 38  ንሱ እዩ ኣብ በረኻ ኣብ መንጎ እቲ ጉባኤ ምስቲ ኣብ ከረን ሲና እተዛረቦ+ መልኣኽን+ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፣ ንዓና ምእንቲ ኺህበና ኸኣ ህያው ዝዀነ ቕዱስ ቃል ተቐበለ።+ 39  ንዕኡ ኣቦታትና ደፍእዎ ደኣ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፣+ ብልቦም ድማ ናብ ግብጺ ተመልሱ፣+ 40  ንኣሮን እውን፡ ‘እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በልዎ።+ 41  በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ምራኽ ገበሩ፣ ነቲ ጣኦት ከኣ መስዋእቲ ኣምጽኡሉ፣ ብግብሪ ኣእዳዎም እውን ተሓጐሱ።+ 42  ኣምላኽ ድማ ካባታቶም ኣልገሰ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬገልግሉ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ነብያት ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ፦ ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ 40 ዓመት ኣብ በረኻ ሕሩድን መስዋእትን ዘቕረብኩምሲ ንዓይ ድዩ፧ 43  እኳ ደኣስ ነቶም ከተምልኽዎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት ድንኳን ሞሎኽን+ ኰዀብ ኣምላኽ ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ፡ ክንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ።’+ 44  “ኣቦታትና ኣብ በረኻ ድንኳን ምስክር ነበረቶም፣ ንሳ ኸኣ እታ ንሙሴ ኸምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ እያ።+ 45  እቶም እተቐበልዋ ኣቦታትና ድማ፡ ምስ እያሱ ዀይኖም ናብታ ኣህዛብ ዝነበርዋ እሞ፡+ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ምድሪ ኣእተውዋ።+ ኣብኣ ኸኣ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ጸንሐት። 46  ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን መንበሪ ኺሰርሕ ለመነ።+ 47  ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ።+ 48  ግናኸ፡ እቲ ልዑል ብኢድ ኣብ እተሰርሐ ኣባይቲ ኣይነብርን እዩ፣+ እዚ ኸኣ ከምቲ ነብዪ፡ 49  ‘“ሰማይ ዝፋነይ እዩ፣+ ምድሪ ኸኣ ድኳ እግረይ እያ።+ ከመይ ዝበለት ቤት ኢኹም ክትሃንጹለይ፧” ይብል የሆዋ።* “ወይስ እታ ዝዓርፈላ ቦታ ኣበይ ኣላ፧ 50  እዚ ዅሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧”’ ዚብሎ እዩ።+ 51  “ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ፡ ንስኻትኩም ኵሉ ሳዕ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣለኹም፣ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ትገብሩ ኣለኹም።+ 52  ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጕዎ መን እዩ፧+ እወ፡ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዝነገሩ ቐቲሎምዎም፣+ ሕጂ እውን ንስኻትኩም ንዕኡ ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኴንኩም።+ 53   ነቲ ብመላእኽቲ እተመሓላለፈ ሕጊ እተቐበልኩም+ ክነስኹምሲ፡ ኣይሓሎኹምዎን።” 54  እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደረ፡ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 55  ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ናብ ሰማይ ጠመተ፣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ድማ ረኣየ፣+ 56  “እንሆ፡ ሰማያት ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ+ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ” እውን በለ።+ 57   ሽዑ፡ ብዓብዪ ድምጺ ጨደሩ፣ ኣእዛኖም ደፊኖም ከኣ፡ ብሓባር ወረርዎ። 58  ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ኺጭፍጭፍዎ ጀመሩ።+ እቶም መሰኻኽር+ ድማ ክዳውንቶም ኣብ ኣእጋር ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ኣንበሩ።+ 59  ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸለዉ ኸኣ፡ እስጢፋኖስ፡ “ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል” ኢሉ ተማሕጸነ። 60  ተምበርኪኹ ኸኣ፡ ብብርቱዕ ድምጺ፡ “የሆዋ፡* እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም” ኢሉ ጨደረ።+ እዚ ምስ በለ እውን ሞተ።*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቕዱስ ኣገልግሎት ኬቕርቡለይ።”
ወይ፡ “ከምኡ ገበሮ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ዓበየ።”
ወይ፡ “ኪርእዮም ወሰነ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ደቀሰ።”