ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ግብሪ ሃዋርያት 3:1-26

ትሕዝቶ

  • ጴጥሮስ ንሓደ ሓንካስ ለማኒ ኣሕወዮ (1-10)

  • ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ ገበላ ሰሎሞን እተዛረቦ ዘረባ (11-26)

    • “ምምላስ ኵሉ” (21)

    • ከም ሙሴ ዝኣመሰለ ነብዪ (22)

3  ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ብሰዓት ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ።  ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ፣ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚኣትዉ ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን ድማ፡ ተሰኪሞም ኣምጺኦም፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጥቓ እታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ።  ንሱ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸለዉ ምስ ረኣዮም፡ ኪምጽውቱሉ ለመኖም።  ጴጥሮስ ግና፡ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ፡ ጠመቶ እሞ፡ “ናባና ጠምት” በሎ።  ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ኣተኰረሎም።  ግናኸ፡ ጴጥሮስ፡ “ብሩርን ወርቅን የብለይን፣ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ። ብስም የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ተንሲእካ ኺድ!” በሎ።+  ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ።+ ብቕጽበት ኣእጋሩን ዓካሪቶኡን ጸንዐ፣+  ስር ኢሉ ድማ ደው በለ፡+ ተዛወረ እውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናወደሰን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኺዛወርን ንኣምላኽ ኪውድስን ከሎ ረኣይዎ። 10  እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለለይዎ እሞ፡+ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ኣዝዮም ተደመሙን ተገረሙን። 11  እቲ ሰብኣይ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሒዝዎም ከሎ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ተገሪሞም ናባታቶም ናብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሃል ጐየዩ።+ 12  ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ስለምንታይ በዚ ትግረሙ ኣለኹም፧ ስለምንታይከ ብገዛእ ሓይልና ወይ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነት ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮ ጌርኩም ትጥምቱና ኣለኹም፧ 13  ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡+ ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ዝሃብኩምዎን+ ጲላጦስ ኪፈትሖ ምስ ወሰነ እኳ ኣብ ገጹ ዝኸሓድኩምዎን ጊልያኡ የሱስ+ ኣኽቢርዎ ኣሎ።+ 14  እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ቐታል ነፍሲ ለሚንኩምሉ፣+ 15  ነቲ ቐንዲ ወኪል ህይወት ግና ቀቲልኩምዎ።+ ኣምላኽ ግና ንዕኡ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ንሕና መሰኻኽር ኢና።+ 16  ብስሙን በታ ብስሙ ዘላትና እምነትን እውን፡ እዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ጸኒዑ ኣሎ። እታ ብእኡ ዘላትና እምነት፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዅላትኩም ምሉእ ጥዕና ሂባቶ እያ። 17  ሕጂ ድማ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቶም ኣሕሉቕኩም፡ ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡+ እፈልጥ እየ።+ 18  ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ክርስቶሱ መከራ ኸም ዚጸግብ ብኣፍ ኵሎም ነብያት ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ በዚ ኸምዚ ፈጺምዎ እዩ።+ 19  “እምበኣር፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡+ ካብ የሆዋ ባዕሉ* ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ተነስሑን+ ተመለሱን፣+ 20  ንሱ ድማ ነቲ እተሸመልኩም የሱስ ኪልእከልኩም እዩ። 21  ንዕኡ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ብኣፍ እቶም ናይ ጥንቲ ቕዱሳት ነብያቱ እተዛረበሉ ግዜ ምምላስ ኵሉ፡ ሰማይ ኣብ ውሽጡ ኺሕዞ ይግባእ። 22  ሙሴ እኳ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ ‘የሆዋ* ኣምላኽ ከማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ።+ ንሱ ዚነግረኩም ዘበለ ስምዑ።+ 23  ነቲ ነብዪ እቲ ዘይሰምዕ ዘበለ ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ጠሪሱ ኺጠፍእ እዩ።’+ 24  ኵሎም ነብያት ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኣትሒዞም ንዕኡ ስዒቦም እተዛረቡ ዘበሉ፡ ነዘን መዓልትታት እዚአን እዮም ኣፍሊጦም።+ 25  ንስኻትኩም ደቂ ነብያትን ደቂ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም’+ ኢሉ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ ኺዳንን ኢኹም።+ 26  ኣምላኽ ንጊልያኡ ምስ ኣተንስኦ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ እከይኩም ብምምላስ ምእንቲ ኺባርኸኩም፡ ቅድም ናባኻትኩም እዩ ልኢኽዎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ገጽ የሆዋ።” ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ነፍሲ።”