ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ግብሪ ሃዋርያት 18:1-28

ትሕዝቶ

  • ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝገበሮ ኣገልግሎት (1-17)

  • ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ተመልሰ (18-22)

  • ጳውሎስ ናብ ገላትያን ፍርግያን ነቐለ (23)

  • ኣንደበተ ርቱእ ዝነበረ ኣጵሎስ ሓገዝ ረኸበ (24-28)

18  ድሕርዚ፡ ካብ ኣቴና ነቒሉ ናብ ቈረንቶስ መጸ።  ቅላውዴዎስ፡ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺወጹ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፡ ሽዑ ቕነ ንሓደ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ+ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ረኸቦ። ናባታቶም ከኣ ከደ፣  ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን ነበረ እሞ፡ ዕዮኦም ሕደ ስለ ዝነበረ፡ ምሳታቶም ተቐመጠን ዓየየን።+  ሰንበት ሰንበት+ ግና ኣብ ምኵራብ ይምድር፡*+ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ከኣ የእምኖም ነበረ።  ሲላስን+ ጢሞቴዎስን+ ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ኣብ ስብከት እቲ ቓል ኣጸቢቑ ተጸምደ።+  ንሳቶም ምስ ተጻረርዎን ምስ ተጻረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡+ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን።+ ኣነ ንጹህ እየ።+ ካብ ሕጂ፡ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።+  ካብኡ* ሓሊፉ ናብ ቤት እቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዝስሙ ንኣምላኽ ዜምልኽ ሰብኣይ ኣተወ፣ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጐድኒ እታ ምኵራብ ነበረት።  ክሪስጶስ+ እቲ መራሕ ምኵራብ ድማ፡ ምስ ኵሎም ቤተ ሰቡ ብጐይታ ኣመነ። ብዙሓት ካብ ሰብ ቈረንቶስ እውን ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን።  ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ፡ “ኣይትፍራህ፣ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፣ 10  ኣነስ ምሳኻ እየ፡+ ኪጐድኣካ ኢሉ ዜጥቅዓካ እውን የልቦን። ከመይሲ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ህዝቢ ኣለዉኒ” በሎ። 11  ኣብኣ ኸኣ ቃል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ መንጎኦም ተቐመጠ። 12  ጋልዮስ ምስለኔ* ኣካይያ ኸሎ፡ ኣይሁድ ብሓባር ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ ናብ መንበር ፍርዲ እውን ወሰድዎ፡ 13  “እዚ ሰብ እዚ ንሰባት፡ ምስ ሕጊ ብዚጻረር መገዲ ንኣምላኽ ኬምልኹ ይሓብል ኣሎ” ድማ በሉ። 14  ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምስ በለ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ “ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ በደል ወይ ክፉእ ገበን እንተ ዚኸውንሲ፡ ተዓጊሰ ኽሰምዓኩም ምተገብአ ነይሩ። 15  እቲ ኽርክር ብዛዕባ ዘረባን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀይኑ ግና፡+ ባዕላትኩም ፍለጡ። ኣብዚ ነገር እዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን እየ” በሎም። 16  ካብቲ መንበር ፍርዲ ድማ ሰጐጎም። 17  ኵላቶም ከኣ ንሶስቴነስ+ እቲ መራሕ ምኵራብ ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ወቕዕዎ። ጋልዮስ ግና ብዛዕባ እዚ ኣይገደሶን። 18  ግናኸ፡ ጳውሎስ ዚኣክል መዓልትታት ምስ ጸንሐ፡ ንኣሕዋት ተሰናበቶም፣ መብጽዓ ስለ ዝነበሮ ኸኣ፡ ኣብ ክንክሬኣ+ ጸጕሪ ርእሱ ኣሕጺሩ ተቐምቂሙ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ናብ ሶርያ ብመርከብ ከደ። 19  ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሑ ድማ፡ ንዓታቶም ኣብኣ ሓደጎም፣ ንሱ ግና ናብ ምኵራብ ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ተዛራረበ።+ 20  ንሳቶም ንዝነውሐ ግዜ ኺጸንሕ እኳ እንተ ለመንዎ፡ ኣበዮም፣ 21  “የሆዋ* እንተ ፈቒዱ፡ ክምለሰኩም እየ” ኢሉ እውን ተሰናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ነቐለ፣ 22  ናብ ቂሳርያ እውን መጸ። ደዪቡ* ኸኣ ነታ ጉባኤ ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ።+ 23  ኣብኣ እተወሰነ ግዜ ምስ ቀነየ ድማ፡ ካብኣ ነቒሉ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ እናኣጸናንዐ፡+ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን ፈቐዶኡ ዞረ።+ 24  ሓደ ኣጵሎስ+ ዝስሙ ኣንደበተ ርቱእ ኣይሁዳዊ፡ ወዲ እስክንድርያ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ፣ ንሱ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። 25  መገዲ የሆዋ* ኸኣ ተማሂሩ* ነበረ፣ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ዚፈልጥ ክነሱ፡ ብመንፈስ ተቓጺሉ፡ ብዛዕባ የሱስ ብልክዕ ይዛረብን ይምህርን ነበረ። 26  ኣብ ምኵራብ ከኣ ብትብዓት ኪዛረብ ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን+ ምስ ሰምዕዎ ድማ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብልክዕ ገለጹሉ። 27  ናብ ኣካይያ ኺሰግር ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ኣሕዋት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብጽቡቕ ኪቕበልዎ ተማሕጺኖም ጸሓፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ነቶም ብጸጋ ኣምላኽ ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም፣ 28  ከመይሲ፡ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብቕዱሳት ጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ብግህዶ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “የዘራርቦም።”
ማለት፡ ካብቲ ምኵራብ።
ኣብዚ ምስለኔ፡ ንሮማዊ ሹም ኣውራጃ የመልክት።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ናብ የሩሳሌም ኪኸውን ኣለዎ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብኣፍ ተማሂሩ።”