ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ግብሪ ሃዋርያት 12:1-25

ትሕዝቶ

  • ያእቆብ ተቐትለ፣ ጴጥሮስ ተኣስረ (1-5)

  • ጴጥሮስ ብተኣምር ሓራ ወጸ (6-19)

  • ሄሮድስ ብመልኣኽ ተወቕዐ (20-25)

12  በቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንገሊኦም ካብታ ጉባኤ ኽፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሐ።+  ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ+ ኣሰየፎ።+  እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ፡ ንጴጥሮስ እውን ሓዞ። (መዓልትታት በዓል ቅጫ ድማ ነበረ።)+  ሒዙ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፣+ ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ* ሓሲቡ፡ ኣብ ኣርባዕተ እብረ ተመቒሎም፡ በብኣርባዕተ ዀይኖም ንዚሕልውዎ ወተሃደራት ኣሕሊፉ ሃቦ።  ጴጥሮስ በዚ ኸምዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፣ እታ ጉባኤ ግና ምእንታኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።+  ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ናብኣ እተውግሕ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሰንሰለት ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ወተሃደራት ደቂሱ ነበረ፣ እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸኣ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕልውዎ ነበሩ።  እንሆ ድማ፡ መልኣኽ የሆዋ* ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፣+ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እውን ብርሃን በርሀ። ንጴጥሮስ ኣብ ጐድኑ ተንክዩ፡ “ቀልጢፍካ ተንስእ!” ኢሉ ኣተንስኦ። እቲ ሰንሰለት ከኣ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ።+  እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካ እውን ውደ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። ንሱ ድማ፡ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ” በሎ።  ንሱ እውን ወጺኡ ሰዓቦ፣ ግናኸ፡ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ በቲ መልኣኽ ዚኸውን ዝነበረ ነገር ሓቂ ምዃኑ ኣይፈለጠን። 10  ነቶም ቀዳሞትን ካልኦትን ሓለውቲ ምስ ሓለፉ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜምርሕ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፣ እዚ እውን ባዕሉ ተኸፍተሎም። ምስ ወጹ ኸኣ፡ ብሓንቲ ጐደና ኸዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተፈልየ። 11  ጴጥሮስ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ተረድአ ድማ፡ “የሆዋ* መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩን ከም ዘናገፈኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈሊጠ” በለ።+ 12  ምስ ተፈለጦ፡ ናብ ቤት ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ከደ፣+ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13  ማዕጾ እቲ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕኵሐ፡ ሮዳ ዝስማ ገረድ መን ምዃኑ ኽትሰምዕ መጸት። 14  ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ካብ ታሕጓስ እተላዕለ ነቲ ማዕጾ ኸይከፈተት፡ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ነገረት። 15  ንሳቶም ግና፡ “ተጸሊልኪ ኢኺ” በልዋ። ንሳ ግና ከምኡ ምዃኑ ኣርጊጻ ተዛረበት። ሽዑ፡ “መልኣኹ እዩ” በሉ። 16  ጴጥሮስ ግና ይዅሕኵሕ ነበረ። ማዕጾ ምስ ከፈቱ፡ ረኣይዎ እሞ ተደመሙ። 17  ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፣ የሆዋ* ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ ኣዘንተወሎም፣ “እዚ ንያእቆብን+ ንኣሕዋትን ንገርዎም” ድማ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ። 18  መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት፡ ‘ጴጥሮስ እንታይ ኰን ኰይኑ፧’ ኢሎም ብዙሕ ተረበሹ። 19  ሄሮድስ ኣናድዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቕጽዑ ኣዘዘ፣+ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፡ ኣብኣ ቐነየ። 20  ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶንን ተቘጢዕዎም* ነበረ። ንሳቶም ከኣ ሓቢሮም ናብኡ መጹ እሞ፡ ሃገሮም እትረኽቦ ምግቢ ኻብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ኣዛዝ ቤት ንጉስ* ኣእሚኖም ዕርቂ ለመኑ። 21  ብምድብቲ መዓልቲ ግና፡ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ፣ ተዛረቦም እውን። 22  እቶም እተኣከቡ ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ። 23  ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ። 24  ቃል የሆዋ* ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ።+ 25  በርናባስን+ ሳውልን ነቲ ዕዮ ረድኤት ኣብ የሩሳሌም ምስ ፈጸሙ፡+ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ተማሊኦምዎ ተመልሱ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንፍርዲ ኼውጽኦ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶንን ተባኢሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕልፍኚ ንጉስ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።