ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ገላትያ 5:1-26

ትሕዝቶ

  • ክርስትያናዊ ሓርነት (1-15)

  • ብመንፈስ ምምልላስ (16-26)

    • ግብሪ ስጋ (19-21)

    • ፍረ መንፈስ (22, 23)

5  ክርስቶስ ነዚ ሓርነት እዚ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ ሓራ ኣውጺኡና። ስለዚ፡ ጽንዑ፣+ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።+  እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዚርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣለኹ።+  ዚግዘር ዘበለ ሰብ እውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺሕሉ ግዴታ ኸም ዘለዎ ደጊመ እምስክረሉ ኣለኹ።+  ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትፍትኑ ዘለኹም፡+ መን ምዃንኩም ብዘየገድስ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፣ ካብ ጸጋኡ ወዲቕኩም ኢኹም።  ንሕናስ ነቲ ሳላ እምነት ዚብጻሕ ተስፋ ዚግበረሉ ጽድቂ ብመንፈስ ክንረኽቦ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና።  ከመይሲ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ዚሓብሩ፡ እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ዋጋ የብሉን።+  ጽቡቕ ትጐይዩ ኔርኩም።+ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓጊቱኩም፧  እዚ ሕብለት እዚ፡ ካብቲ ዝጸውዓኩም ዝመጸ ኣይኰነን።  ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ እዩ።+ 10  እቶም ምስ ጐይታ ሓድነት ዘሎኩም፡+ ካልእ ከም ዘይትሓስቡ እተኣማመን እየ፣ እቲ ዚርብሸኩም ግና፡+ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዚግብኦ ፍርዲ ኪቕበል እዩ። 11  ኣሕዋተየ፡ ኣነ ግና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ፡ ስለምንታይ ደኣ እስጐጕ ኣለኹ፧ ከምኡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ መዐንቀፊ ጕንዲ ስቅያት*+ ኣልጊሱ ኣሎ። 12  እቶም ዜዕገርግሩኹም፡ እንተ ዚስለቡ እባ ደኣ!* 13  ኣሕዋተየ፡ ንሓርነት ኢኹም እተጸዋዕኩም፣ ሓንትስ፡ በዚ ሓርነት እዚ ተጠቒምኩም ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት ኣይትስዓቡ፣+ የግዳስ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ።+ 14  ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኣብ እትብል ሓንቲ ትእዛዝ ተፈጺሙ* እዩ።+ 15  ንሓድሕድኩም ትናኸሱን ትባልዑን እንተ ዄንኩም ግና፡+ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።+ 16  ኣነ ግና፡ ብመንፈስ ተመላለሱ፡+ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 17  ከመይሲ፡ ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ፣ መንፈስ እውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ ኽትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ ኽልቲኡ ንሓድሕዱ ይጻረር እዩ።+ 18  ብተወሳኺ፡ ብመንፈስ ትምርሑ እንተ ኣሊኹም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። 19  እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡*+ ርኽሰት፡ ንውርምና፡*+ 20  ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡*+ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡ 21  ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡+ ፈንጠዝያ፡* ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን እዩ።+ ከምቲ ቐደም ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ኣቐዲመ አጠንቅቐኩም ኣለኹ።+ 22  እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡*+ እምነት፡ 23  ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።+ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። 24  እቶም ናይ ክርስቶስ የሱስ ዘበሉ ድማ፡ ነቲ ስጋ ምስ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።+ 25  ብመንፈስ ንነብር እንተ ኣሊና፡ ብመንፈስ ብስርዓት ንመላለስ።+ 26  ንሓድሕድና ብምትህልላኽን+ ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ+ ኣይንድለ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዚድግፍዎ ሕጊ ንምፍጻም ኣይበቕዑን።
ወይ፡ “ተጠቕሊሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሕንኪ ኣልቦነት።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ወይ፡ “ኣስማት፣ ምውሳድ ሓሽሽ (ዕጸ ፋርስ)።”
ወይ፡ “ቀይዲ በተኽ ድግስ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”