ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ገላትያ 2:1-21

ትሕዝቶ

  • ጳውሎስ ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ተራኸበ (1-10)

  • ጳውሎስ ንጴጥሮስ (ንኬፋ) ኣረሞ (11-14)

  • ሰብ ብእምነት ጥራይ ይጸድቕ (15-21)

2  ድሕሪኡ፡ ድሕሪ 14 ዓመት፡ ንቲቶስ ተማሊአ፡ ምስ በርናባስ+ ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ደይበ።+  ብምኽንያት ሓደ ራእይ እየ ደዪበ። ምናልባት ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ ወይ ጐይየ ኸይከውን ንምርግጋጽ ግና፡ ነቶም ምርኡያት በይኖም ገይረ፡ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዘለኹ ብስራት ነጊረዮም እየ።  ኰይኑ ግና፡ እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ+ እኳ፡ ግሪኻዊ ኽነሱ፡ ኪግዘር ኣይተገደደን።+  እቲ ጕዳይ እቲ እተላዕለ፡ ብሰሪ እቶም ጠሪሶም ባሮት ኪገብሩና+ ኢሎም ነታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትና ሓርነት+ ኪስልዩ ሰላሕ ኢሎም ዝኣተዉ ናይ ሓሶት ኣሕዋት እዩ።+  ሓቂ እቲ ብስራት ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ነዚኣቶም ሓንሳእ* እኳ ኣይተገዛእናዮምን።+  ብዛዕባ እቶም ከም ኣገደስቲ ዚመስሉ ግና፡+—ንምዃኑ እኳ ኣምላኽ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርእዩ ስለ ዘይፈርድ፡ ቀደም እንታይ ዓይነት ሰብ ምንባሮም ኣይግድሰንን እዩ፡—ንዓይ እቶም ምርኡያት ዋላ ሓንቲ ሓድሽ ነገር ኣይወሰኹለይን።  ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ንእተገዝሩ ኼበስር ሕድሪ እተዋህቦ፡ ንዘይተገዝሩ ኸበስሮም+ ሕድሪ ኸም እተዋህበኒ ምስ ፈለጡ፡—  ከመይሲ፡ እቲ ንጴጥሮስ ኣብቶም ግዙራት ሃዋርያ ኪኸውን ስልጣን ዝሃቦ፡ ንዓይ እውን ኣብቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ስልጣን ሂቡኒ እዩ፡+  ነቲ እተዋህበኒ ጸጋ+ እውን ምስ ፈለጡ፡ እቶም ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ ያእቆብን+ ኬፋን* ዮሃንስን፡ ንዓይን ንበርናባስን+ ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ግዙራት ኪኸዱ፡ ስምረቶም* ንምግላጽ የማናይ ኢዶም ሂቦምና። 10  ንድኻታት ክንዝክሮም ጥራይ ሓቲቶምና፣ ነዚ እውን ክገብሮ ተጋዲለ እየ።+ 11  ይኹን እምበር፡ ኬፋ*+ ናብ ኣንጾክያ+ ምስ መጸ፡ ብንጹር በዳሊ ዀይኑ ስለ እተረኽበ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12  ከመይሲ፡ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ+ ቅድሚ ምምጻኦም፡ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነይሩ፣+ ንሳቶም ምስ መጹ ግና፡ ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡ ከምኡ ምግባር ሓዲጉ፡ ርእሱ ፈልዩ።+ 13  እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ምስኡ ተገቢዞም፣* በርናባስ እኳ ብግብዝናኦም* ተለኪሙ። 14  ምስ ሓቂ እቲ ብስራት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣኹ፡+ ንኬፋ* ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ከም ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብ ትነብር ካብ ኰንካ፡ ንኣህዛብ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪነብሩ ስለምንታይ ትግድዶም ኣለኻ፧” ኢለዮ።+ 15  ንሕና ብትውልዲ ኣይሁድ ዘበልና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ እውን ዘይኰንና፡ 16  ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን+ ከም ዚጸድቕ* ንፈልጥ ኢና።+ እምበኣር፡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ* ስለ ዘየልቦ፡ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡ ብክርስቶስ የሱስ ኣሚንና ኣለና።+ 17  ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለና ኸለና፡ ሓጥኣን ኴንና እንተ ተረኺብና፡ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! 18  ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ ዝሃንጾ እንተ ዀይነ፡ ኣባሲ ምዃነይ እየ ዘርኢ። 19  ኣነስ፡ ንኣምላኽ ህያው ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ሕጊ ኣቢለ፡ ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ።+ 20  ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ።+ እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር ክርስቶስ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ።+ እወ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን+ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።+ 21  ንጸጋ ኣምላኽ+ ኣይነጽጎን እየ፣ ከመይሲ፡ ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ንኸንቱ ሞይቱ ማለት እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንሓንቲ ሰዓት።”
ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ሕብረቶም፣ ምሕዝነቶም።”
ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ምስሉያት ኰይኖም።”
ወይ፡ “ብምስሉይነቶም።”
ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ጸደቐ” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ስጋ።”