ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ገላትያ 1:1-24

ትሕዝቶ

  • ሰላምታ (1-5)

  • ካልእ ብስራት የልቦን (6-9)

  • ጳውሎስ ዝሰበኾ ብስራት ካብ ኣምላኽ እዩ (10-12)

  • ጳውሎስ ክርስትና እተቐበለሉ እዋንን ሽዑ ዝነበሮ ንጥፈታትን (13-24)

1  ካብቲ ኻብ ሰባት ወይ ብሰብ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣቦና ኣምላኽን ሃዋርያ ዝዀነ ጳውሎስ፡+  ካብ ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን፡ ናብ ጉባኤታት ገላትያ፦  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።  የሱስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፡+ ካብዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት*+ ምእንቲ ኼናግፈና ኢሉ፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ርእሱ ሂቡ እዩ።+  ንኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።  ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም፡ ናብ ካልእ ብስራት ቀልጢፍኩም ተልግሱ ምህላውኩም ይገርመኒ ኣሎ።+  ንዓኻትኩም ዚርብሹኹምን+ ብዛዕባ ክርስቶስ ዜበስር ብስራት ኪጠውዩ ዚደልዩን ደኣ ኣለዉ እምበር፡ ካልእ ብስራትሲ የልቦን።  ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻባና ዀነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ፡ ካብቲ ንሕና ዘበሰርናኩም ብስራት እተፈልየ ኻልእ ብስራት እንተ ነጊሩኩም፡ ርጉም ይኹን።  ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ሕጂ እውን ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፦ ካብቲ እተቐበልኩምዎ እተፈልየ ኻልእ ብስራት ዚነግረኩም ዘበለ፡ ርጉም ይኹን። 10  እሞኸ፡ ንሰባት ድየ ወይስ ንኣምላኽ ከፍቱ ዝፍትን ዘለኹ፧ ወይስ ንሰባት ድየ ኸሐጕስ ዝፍትን ዘለኹ፧ ገና ንሰባት ዘሐጕስ ዘለኹ እንተ ዝኸውን ነይረ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን። 11  ኣሕዋተየ፡ እቲ ዘበሰርኩኹም ብስራት፡ ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣+ 12  የሱስ ክርስቶስ ደኣ እዩ ገሊጹለይ እምበር፡ ካብ ሰብ እተቐበልክዎ ወይ እተመሃርክዎ ኣይኰነን። 13  መሸም፡ ቀደም ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡+ ንጉባኤ ኣምላኽ ኣመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከም ዘዕኖኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም።+ 14  ንስርዓት ኣቦታተይ ዝያዳ ቕንኣት ስለ ዝነበረኒ፡ ብኣይሁድነት ካብ ብዙሓት መሳቶይ ዝዀኑ ደቂ ዓደይ ዝያዳ ዕቤት እገብር ነይረ።+ 15  እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ዝፈለየንን ብጸጋኡ+ ዝጸውዓንን ኣምላኽ ግና፡ 16  ብዛዕባ ወዱ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር ኢሉ፡+ ንወዱ ብኣይ ኣቢሉ ኺገልጽ ምስ ፈተወ፡ ብኡብኡ ምስ ሰብ* ኣይተማኸርኩን። 17  ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት እውን፡ ናብ የሩሳሌም ኣይደየብኩን፣ የግዳስ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ እየ ኸይደ፣ ካብኡ ድማ ናብ ደማስቆ ተመሊሰ።+ 18  ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ንኬፋ*+ ምእንቲ ኽበጽሖ ኢለ፡ ናብ የሩሳሌም ደይበ፣+ ን15 መዓልቲ ድማ ምስኡ ቐንየ። 19  ካብ ካልኦት ሃዋርያት ግና፡ ብዘይካ ያእቆብ+ ሓው ጐይታና፡ ካልእ ኣይረኣኹን። 20  ብዛዕባ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እየ ዝብለኩም፡ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ። 21  ድሕሪኡ፡ ናብ ዞባታት ሶርያን ቂልቅያን ከይደ።+ 22  እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ጉባኤታት ክርስቶስ ግና፡ ብገጽ ኣይፈልጣንን እየን ነይረን፣ 23  “እቲ ቐደም ዚሰጕጐና ዝነበረ፡+ ብዛዕባ እታ ኼዕንዋ ዚፍትን ዝነበረ እምነት የበስር ኣሎ” ኺብሃል ከሎ ጥራይ ይሰምዓ ነይረን።+ 24  ስለዚ፡ ብዛዕባይ ንኣምላኽ ኣሞጊሰናኦ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ምስ ስጋን ደምን።”
ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።