ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ድጕዓ 1:1-22

ትሕዝቶ

  • የሩሳሌም ብመበለት ተመሰለት

    • በይና ተቐመጠት፡ ተጠንጠነት (1)

    • ዓብዪ ሓጢኣት ጽዮን (8, 9)

    • የሆዋ ንጽዮን ደርበያ (12-15)

    • ንጽዮን ዜጸናንዓ የልቦን (17)

א [ኣሌፍ]* 1  እዛ ህዝቢ መሊእዋ ዝነበረት ከተማስ ከመይ ኰን እያ በይና እትቕመጥ ዘላ!+ እዛ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብዙሕ ህዝቢ ዝነበራስ ከመይ ኰን እያ ኸም መበለት ዝዀነት!+ እዛ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረትሲ ኸመይ ኰን እያ ብግዲ እትሽቅል ዝዀነት!+ ב [ቤት]   ለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፡+ ንብዓት ድማ ኣብ መዓጕርታ ይውሕዝ ኣሎ። ካብ ኵሎም እቶም ዜፍቅርዋስ ሓደ እኳ ዜጸናንዓ የልቦን።+ ኵሎም ብጾታ ጠሊሞምዋ፣+ ጸላእታ ዀይኖም። ג [ጊሜል]   ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ጸበባን ብርቱዕ ባርነትን+ ናብ ምርኮ ኸይዳ።+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክትቅመጥ ኣለዋ፣+ መዕረፊ ኣይረኸበትን። ኵሎም ሰጐጕታ ብግዜ ጭንቃ ኣርኪቦምዋ። ד [ዳሌጥ]   ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሓዝን ኣሎ።+ ኵሉ ኣፍ ደገታታ ባዲሙ ኣሎ፣+ ካህናታ እህህ ይብሉ ኣለዉ። ደናግላ* ጕህየን ኣለዋ፣ ንሳ እውን ኣብ መሪር ሓዘን ኣላ። ה []   ተጻረርታ ጐይታኣ* ዀይኖም ኣለዉ፣ ጸላእታ ቕሱናት ኰይኖም ኣለዉ።+ የሆዋስ ብሰሪ እቲ ብዙሕ ኣበሳኣ ጓሂ ኣምጺኡላ እዩ።+ ደቃ ቐቅድሚ ተጻራሪ ናብ ምርኮ ኸይዶም እዮም።+ ו [ዋው]   ኵሉ ግርማ ኻብ ጓል ጽዮን ኣልጊሱ እዩ።+ መሳፍንታ መጓሰዪ ኸም ዝሰኣኑ እራባት እዮም፣ ኣብ ቅድሚ ሰጓጒ ሓይሎም ተጸንቂቕዎም ይኸዱ። ז [ዛይን]   የሩሳሌም ብመዓልትታት ጸበባኣን ቤት ኣልቦነታን፡ ነቲ ብመዓልትታት ቀደም ዝነበራ ኽቡር ነገራት ትዝክር ኣላ።+ ህዝባ ኣብ ኢድ ተጻራሪ ምስ ወደቑን ረዳኢ ዘይብላ ምስ ኰነትን፡+ ተጻረርታ ርእዮምዋስ ብውድቀታ ስሒቖም።*+ ח [ሔት]   የሩሳሌም ዓብዪ ሓጢኣት ገይራ እያ።+ ስለዚ እያ ፍንፍንቲ ዝዀነት። ኵሎም እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ፡ ዕርቃና ርእዮም እዮም እሞ፡ ንዒቖምዋ።+ ንሳ እውን ትግዕርን+ ብሕፍረት ዝባና ትመልስን ኣላ። ט [ጤት]   ርኽሰታ ኣብ ወሰናት ክዳና ኣሎ። ብዛዕባ መጻኢኣ ኣይሓሰበትን።+ ውድቀታ ዜስደምም እዩ ነይሩ፣ ዜጸናንዓ የልቦን። ኦ የሆዋ፡ ጸላኢ ንርእሱ ኣዕብዩ እዩ እሞ፡ ጸበባይ ርአ።+ י [ዮድ] 10  ተጻራሪ ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር መዛግብታ ኢዱ ኣንቢሩ።+ እቶም ብዛዕባኦም ናብ ጉባኤኻ ኸይኣትዉ ዝኣዘዝካ ኣህዛብሲ ናብ መቕደሳ ኺኣትዉ ርእያ እያ።+ כ [ካፍ] 11  ኵሎም ህዝባ እህህ ይብሉ፡ እንጌራ ኸኣ ይደልዩ ኣለዉ።+ ብህይወት ኪነብሩ ጥራይ* ኢሎምሲ ኽቡር ነገራቶም ንብልዒ ሂቦም። ኦ የሆዋ፡ ጠምት፡ ከም ዘይትጠቅም ሰበይቲ* ኸም ዝዀንኩ ርአ። ל [ላሜድ] 12  ኣቱም ሓለፍቲ መገዲ፡ እዚ ንዓኻትኩም ምንም ድዩ፧ ጠምቱን ርኣዩን! ከምቲ የሆዋ በታ መዓልቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ዘሳቐየኒ ዝኣመሰለ፡ ከምቲ ኣነ እተቐጻዕኩሉ ስቓይ ኣሎዶ፧+ מ [ሜም] 13  ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰዲዱ፣+ ንዅሉ እውን ኣሕሚቕዎ። ንኣእጋረይ መርበብ ዘርጊሑ፣ ንድሕሪት ክምለስ ገዲዱኒ። ዝበረሰት ገይሩኒ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ሓሚመ ኣለኹ። נ [ኑን] 14  ኣበሳይ ብኢዱ ብሓደ ተኣሲሩ፡ ከም ኣርዑት ተቘሪኑ ኣሎ። ኣብ ክሳደይ ተነቢሩ ኣሎ፣ ሓይለይ ከኣ ጠሊሙኒ ኣሎ። የሆዋ ኣብ ኢድ እቶም ክጻረሮም ዘይክእል ኣሕሊፉ ሂቡኒ።+ ס [ሳሜኽ] 15  የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ማእከለይ ዝነበሩ ሓያላተይ ደርብይዎም።+ ንኣጕባዘይ ኪጭፍልቖም ኣንጻረይ ኣኼባ ጸዊዑ።+ የሆዋ ንድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ረጊጽዋ።+ ע [ዓይን] 16  ስለዚ፡ ኣነ እበኪ ኣለኹ፣+ ኣዒንተይ ንብዓት የውሕዝ ኣሎ። ኬጸናንዓኒ ወይ ኬበርትዓኒ* ዚኽእል ዘበለ ኻባይ ርሑቕ እዩ። ጸላኢ ስዒሩ እዩ እሞ፡ ደቀይ በሪሶም። פ [] 17  ጽዮን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኣላ፣+ ዜጸናንዓ የልቦን። የሆዋ ኣንጻር ያእቆብ፡ ንዅሎም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ተጻረርቱ ኣዚዙ ኣሎ።+ የሩሳሌም ንዓታቶም ፍንፍንቲ ዀይና ኣላ።+ צ [ጻዴ] 18  ካብ ትእዛዙ* ዓልየ እየ እሞ፡+ የሆዋ ጻድቕ እዩ።+ ኣቱም ህዝብታት ስምዑ፡ ስቓየይ እውን ርኣዩ። ደናግለይን* ኣጕባዘይን ናብ ምርኮ ኸይዶም ኣለዉ።+ ק [ቆፍ ] 19  ንዜፍቅሩኒ ጸዊዐዮም፣ ንሳቶም ግና ጠሊሞምኒ።+ ካህናተይን ዓበይተይን ብህይወት ኪነብሩ* ኢሎም ምግቢ ኺደልዩ ኸለዉ፡ ኣብ ከተማ ጠፊኦም።+ ר [ሬሽ ] 20  ኦ የሆዋ፡ ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ርአ። ውሽጠይ* ይሕቈን ኣሎ። ጠሪሰ ዓላዊት ኰይነ እየ እሞ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይግልበጥ ኣሎ።+ ኣብ ግዳም፡ ሰይፊ ውሉድ የስእን፣+ ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ሞት ኣሎ። ש [ሺን] 21  ሰባት እህህታይ ሰሚዖም፣ ዜጸናንዓኒ የልቦን። ኵሎም ጸላእተይ መዓተይ ሰሚዖም። ንስኻ ስለ ዘምጻእካዮ፡ ተሓጒሶም።+ ግናኸ፡ ነታ ኸምዚ ኸማይ ዚዀኑላ ዝኣወጅካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ።+ ת [ታው] 22  ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከምቲ ብሰሪ ዅሉ ኣበሳይ ዝቐጻዕካኒ፡ ንዓታቶም እውን ከምኡ ቕጽዓዮም።+ እህህታይሲ ብዙሕ፡ ልበይ እውን ሕሙም እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ምዕራፍ 1-4 ብተርታ ፊደላት እብራይስጢ ዚጅምራ ልቕሶታት እየን።
ወይ፡ “ኣዋልዳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሳ።”
ወይ፡ “ተሓጒሶም።”
ወይ፡ “ነፍሶም ኪመልሱ።”
ንየሩሳሌም ከም ሰብ ገይሩ ይዛረበላ ኣሎ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኬሐድሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣፉ።”
ወይ፡ “ኣዋልደይን።”
ወይ፡ “ንነፍሶም ኪመልሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣምዑተይ።”