ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 9:1-27

ትሕዝቶ

  • ዳንኤል ዝጸለዮ ጸሎት ኑዛዜ (1-19)

    • ሰብዓ ዓመት ምብዳም (2)

  • ገብርኤል ናብ ዳንኤል መጸ (20-23)

  • ብትንቢት እተነግረለን 70 ሰሙን (24-27)

    • መሲሕ ድሕሪ 69 ሰሙን ኪቕልቀል እዩ (25)

    • መሲሕ ኪቕተል እዩ (26)

    • እታ ኸተማን እታ መቕደስን ኪጠፍኣ እየን (26)

9  ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዳርዮስ+ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፡—ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ዝነገሰ ዘርኢ ሜዶናውያን፡+  ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ንነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ምብዳም የሩሳሌም ዚፍጸመሉ ግዜ+ ኣብ ቃል የሆዋ እተጠቕሰሉ ቝጽሪ ዓመታት፡ ማለት ነቲ 70 ዓመት+ ብመጻሕፍቲ* ኣስተውዓልክዎ።  ስለዚ፡ ገጸይ ናብ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሊሰ፡ ምስ ጾምን+ ማቕን ሓምዅሽትን እናጸለኹ ለመንክዎ።  ናብ የሆዋ ኣምላኸይ ከኣ ጸለኹ፡ ከምዚ ኢለ እውን ተናዘዝኩ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን+ ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን+ ዓብዪን ዜፍርህን ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡  ንሕና ሓጢእናን በዲልናን እከይ ጌርናን ዓሊናን ኢና፣+ ካብ ትእዛዛትካን ፍርድታትካን እውን ኣልጊስና ኢና።  ነቶም ብስምካ ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንኣቦታትናን ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን እተዛረቡ ገላዉኻ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።+  ኦ የሆዋ፡ ጽድቂ ናትካ እዩ፣ ሕፍረት* ግና ናትና፡ ናይቶም ንዓኻ ብምጥላሞም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ኣብ ዚርከብ ኵሉ ሃገራት ዝበተንካዮም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ኵሉ እስራኤልን እዩ።+  “ኦ የሆዋ፡ በዲልናካ ኢና እሞ፡ ሕፍረት* ናትናን ናይ ነገስታትናን ናይ መሳፍንትናን ናይ ኣቦታትናን እዩ።  ንሕና ኻብኡ ዓሊና ኢና እሞ፡+ ምሕረትን ይቕረታን ናይ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ 10  ነቲ ብገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕግታቱ ንምስዓብ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ኣይተኣዘዝናን።+ 11  ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ጥሒሱ፡ ድምጽኻ ኸይእዘዝ እውን ኣልጊሱ እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ጊልያ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ኣፍሲስካልና ኣለኻ።+ ንሕናስ በዲልናዮ ኢና። 12  ንሱ ኸኣ ዓብዪ መዓት ኣባና ብምውራድ፡ ነቲ ኣንጻርናን ኣንጻር እቶም ኣብ ልዕሌና ዚገዝኡ ገዛእትናን* እተዛረቦ ቓላት ፈጺምዎ ኣሎ፣+ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረስ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ከቶ ኣይተገብረን።+ 13  ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኵሉ እዚ መዓት እዚ ኣብ ልዕሌና ወሪዱ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ካብ ስሕተትና ብምምላስን+ ንሓቅኻ* ብዚምልከት ልቦና ብምግባርን፡ ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣይለመንናን።* 14  “የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ግብርታት ጻድቕ እዩ እሞ፡ ስለዚ፡ የሆዋ ነቒሑ፡ መዓት እውን ኣውሪዱልና፣ ግናኸ፡ ድምጹ ኣይተኣዘዝናን።+ 15  “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣታ ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብሓያል ኢድ ዘውጻእካዮን+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ንዓኻ ስም ዝገበርካን፡+ ንሕና ሓጢእና፡ እከይ እውን ጌርና ኢና። 16  ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ከም ኵሉ ጽድቅኻ፡+ ቍጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፡ ካብቲ ቕዱስ ከረንካ ይመለስ። ብሰሪ ሓጢኣትናን ስሕተት ኣቦታትናንሲ፡ የሩሳሌምን ህዝብኻን ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ዅሎም መጻረፊ ዀይኖም ኣለዉ።+ 17  ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ጸሎት ጊልያኻን ልማኖኡን ስማዕ፣ ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ፡ ኣብታ ዓንያ ዘላ+ መቕደስካ ገጽካ ኣብርህ።+ 18  ኦ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ! ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ንሕናን እታ ብስምካ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማን ዓኒና ኸም ዘለና ርአ። ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኰንናን እንልምነካ ዘለና።+ 19  ኦ የሆዋ፡ ስማዕ። ኦ የሆዋ፡ ይቕረ በል።+ ኦ የሆዋ፡ ኣቕልብ እሞ ግበር! ኦ ኣምላኸይ፡ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ይጽዋዕ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ፡ ኣይትደንጒ።”+ 20  ገና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኸይ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ከረን ኣምላኸይ ክዛረብ፡ ክጽሊ፡ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ፡ ናይ ሞገስ ልማኖይ ከኣ ከቕርብ ከለኹ፡+ 21  እወ፡ ገና እናጸለኹ ኸለኹ፡ ገብርኤል+ እቲ ኣቐዲመ ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡+ ኣጋ ግዜ መባእ ምሸት ኣመና ምስ ደኸምኩ መጸኒ። 22  ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣረድኣኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ሕጂ ልቦና ኽህበካን ከረድኣካን መጺአ ኣለኹ። 23  ልማኖኻ ምስ ጀመርካ፡ ቃል ወጺኡ እዩ፣ ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ*+ ኢኻ እሞ፡ ነዚ ኽነግረካ ኢለ መጺአ ኣለኹ። ስለዚ፡ ነቲ ነገር ኣስተብህለሉ፡ ነቲ ራእይ እውን ተረድኣዮ። 24  “ንኣበሳ መወዳእታ ንምግባር፡ ሓጢኣት ንምውዳእ፡+ ስሕተት ንምትዕራቕ፡+ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ንምእታው፡+ ነቲ ራእይን ነቲ ትንቢትን* ንምሕታም፡+ ነቲ ቕዱስ ቅዱሳን* ድማ ንምቕባእ፡ ንህዝብኻን ነታ ቕድስቲ ኸተማኻን+ 70 ሰሙን* ተመዲቡ ኣሎ። 25  ካብቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን ዚብል ቃል ዚወጸሉ ኣትሒዙ+ ኽሳዕ እቲ መሲሕ፡*+ እቲ መራሒ፡+ 7 ሰሙን፡ ድማ 62 ሰሙን ኪኸውን ምዃኑ ፍለጥን ተረዳእን።+ ንሳ ኸኣ ግዜ ጭንቂ ኽነሱ፡ ምስ ኣደባባይን ቀጽረ ማይን፡ ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን እያ። 26  “ድሕሪ 62 ሰሙን ድማ እቲ መሲሕ ንርእሱ ሓንቲ ዘይብሉ+ ኪቕተል* እዩ።+ “ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መራሒ ኸኣ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ።+ መወዳእታኣ ድማ ብውሒዝ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ መወዳእታ ኸኣ ውግእ ኪኸውን እዩ፣ እቲ እተመደበ እውን ጥፍኣት እዩ።+ 27  “ንሱ ድማ ንሓደ ሰሙን፡ ነቲ ኺዳን ኬጽንዖ እዩ፣ ኣብ ፍርቂ እታ ሰሙን ከኣ፡ መስዋእትን መባእን ኬቋርጽ እዩ።+ “ኣብ ክንፊ ጽያፍ ድማ እቲ ዜጥፍእ ኪኸውን እዩ፣+ ክሳዕ ምጽናት ከኣ፡ እቲ እተመደበ ኣብቲ ዝባደመ እውን ኪፈስስ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ብቕዱሳት መጻሕፍቲ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕፍረት ገጽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕፍረት ገጽ።”
ቃ.ቃ.፡ “እቶም ዝፈረዱና ፈራዶናን።”
ወይ፡ “ንተኣማንነትካ።”
ወይ፡ “ገጽ የሆዋ ኣምላኽና ኣየፈሽሓውናን።”
ወይ፡ “እትብሃግ፣ ዝኸበርካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ነብዪን።”
ወይ፡ “ነታ ቕድስተ ቕዱሳን።”
ማለት፡ ናይ ዓመታት ሰሙናት።
ወይ፡ “ቕቡእ።”
ወይ፡ “ኺምንቈስ።”