ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 6:1-28

ትሕዝቶ

  • ሰበ ስልጣን ፋርስ ንዳንኤል ውዲት ኣለሙሉ (1-9)

  • ዳንኤል ምጽላይ ኣየቋረጸን (10-15)

  • ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ (16-24)

  • ንጉስ ዳርዮስ ንኣምላኽ ዳንኤል ኣኽበሮ (25-28)

6  ንዳርዮስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዘላ እታ መንግስቲ 120 ራእስታት ኪሸይም፡ ጽቡቕ መሰሎ።+  ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሸመ፣ ሓደ ኻባታቶም ከኣ ዳንኤል ነበረ።+ ንጉስ ከይጕዳእ ድማ፡ እቶም ራእስታት+ ንዓታቶም ጸብጻብ ይህቡ ነበሩ።  ዳንኤል ከኣ ፍሉይ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፡ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ካብቶም ራእስታትን ፍልይ ዝበለ ነበረ፣+ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ እታ መንግስቲ ልዕል ኬብሎ ሓለነ።  ሽዑ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ራእስታትን ንዳንኤል ብዛዕባ ነገር መንግስቲ ዚኸስሱሉ ምኽንያት ኪረኽቡ ደለዩ። ግናኸ፡ ንሱ እሙን ነበረ፡ ሸለልትነት ወይ ብልሽውና እውን ኣይርከቦን ነበረ እሞ፡ ዚኸስሱሉ ምኽንያት ወይ ዝዀነ ብልሽውና ኺረኽቡ ኣይከኣሉን።  ሽዑ፡ እቶም ሰባት፡ “ኣብዚ ዳንኤል እዚ ብሕጊ ኣምላኹ ኽንረኽበሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንኸስሰሉ ምኽንያት ኣይንረክብን ኢና” በሉ።+  ስለዚ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ራእስታትን ተኣኪቦም ናብ ንጉስ ኣተዉ እሞ፡ ከምዚ በልዎ፦ “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን።  ኦ ንጉስ፡ ኵሎም ሰበ ስልጣን መንግስትን ምስለኔታትን ራእስታትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ሹማምንትን፡ ን30 መዓልቲ ብዘይካ ንዓኻ፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ኰነ ሰብ ዚልምን፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ ትእዛዝ ንጉስ ኪቐውምን ክልክል ኪጸንዕን ብሓባር ተማኺሮም ኣለዉ።+  ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ንጉስ፡ እዚ ኸምቲ ዘይፈርስ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኰይኑ ኸይልወጥሲ፡+ ትእዛዝ ኣቝም፡ ክታም እውን ግበረሉ።”+  ስለዚ፡ ንጉስ ዳርዮስ ነቲ ትእዛዝን ክልክልን ከተሞ። 10  ዳንኤል እቲ ትእዛዝ ከም እተኸተመ ምስ ፈለጠ ግና፡ ናብታ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን እተኸፍታ መሳዅቲ ደርቢ ዘለዋ ቤቱ ኸደ።+ ከምቲ ቕድሚ እዚ ብስሩዕ ዚገብሮ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ ተምበርኪኹ ጸለየን ወደሰን። 11  ሽዑ፡ እቶም ሰባት ጥሒሶም ኣተዉ እሞ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺልምንን ኪምህለልን ከሎ ረኸብዎ። 12  ስለዚ፡ ናብ ንጉስ ቀሪቦም፡ “ኦ ንጉስ፡ ን30 መዓልቲ ብዘይካ ንዓኻ፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ኰነ ሰብ ዚልምን ሰብ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ ዚብል ክልክልዶ ኣይከተምካን፧” ኢሎም ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ ኣዘኻኸርዎ። ንጉስ ድማ፡ “እዚ ነገር ከምቲ ዘይፈርስ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኰይኑ ቘይሙ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 13  ብኡብኡ ኸኣ ንንጉስ፡ “ኦ ንጉስ፡ እቲ ኻብ ምሩኻት ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል፡+ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ይጽሊ ኣሎ እምበር፡ ንዓኻ ዀነ ነቲ ዝኸተምካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን” በልዎ።+ 14  ንጉስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተጨነቐ፡ ንዳንኤል ዜናግፈሉ መገዲ እውን ኪሓስብ ፈተነ፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ እውን ኬድሕኖ ጸዓረ። 15  እቶም ሰባት ከኣ ተኣኪቦም ናብ ንጉስ ኣተዉ እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ እቲ ንጉስ ዘቘሞ ኽልክል ወይ ትእዛዝ ኪልወጥ ዘይከኣል ምዃኑስ ኣብ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ከም ዘሎ ኣስተብህል” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።+ 16  ስለዚ፡ ንጉስ ኣዘዘ እሞ፡ ንዳንኤል ኣምጽእዎ፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ እውን ደርበይዎ።+ ንጉስ ድማ ንዳንኤል፡ “እቲ ብቐጻሊ እተገልግሎ ኣምላኽካ ኼናግፈካ እዩ” በሎ። 17  ሽዑ፡ ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ኣብ ኣፍ እቲ ጕድጓድ ኣንበርዎ፣ ንጉስ ከኣ ብዛዕባ ዳንኤል ገለ እኳ ኸይልወጥሲ፡ ብቐለቤት ማሕተሙን ብቐለቤት ማሕተም ልዑላኑን ሓተሞ። 18  ሽዑ፡ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ኸደ። ጾሙ ድማ ሓደረ፡ ዝዀነ መዘናግዒ ኸይቀርበሉ* ኸኣ ኣበየ፡ ድቃስ እውን ካብኡ በረረ። 19  ብርሃን ወጋሕታ ምስ ተራእየ ድማ፡ ንጉስ ተንስአ፡ ቀልጢፉ እውን ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። 20  ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፡ ብጕሁይ ድምጺ ንዳንኤል ጸውዖ። ንጉስ ከኣ፡ “ኦ ዳንኤል፡ ኣታ ጊልያ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ እቲ ብቐጻሊ እተገልግሎ ኣምላኽካ ኻብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኽኢሉ፧” ኢሉ ሓተቶ። 21  ብኡብኡ፡ ዳንኤል ንንጉስ፡ “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 22  ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፡ ንዓኻ እውን ኣይበደልኩኻን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ፣+ ንሳቶም እውን ኣይጐድኡንን”+ በሎ። 23  ሽዑ፡ ንጉስ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ንዳንኤል ካብቲ ጕድጓድ ኣልዒሎም ኬውጽእዎ ድማ ኣዘዘ። ንዳንኤል ከኣ ካብቲ ጕድጓድ ኣልዒሎም ኣውጽእዎ። ብኣምላኹ ተኣሚኑ* ስለ ዝነበረ፡ ፈጺሙ ኣይተጐድአን ነበረ።+ 24  ንጉስ ድማ ኣዘዘ፣ ነቶም ንዳንኤል ዝኸሰስዎ* ኸኣ ኣምጺኦም፡ ምስ ደቆምን ኣንስቶምን ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ንሳቶም ገና ኣብ ባይታ እቲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፡ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ንዅሉ ኣዕጽምቶም እውን ሰባበርዎ።+ 25  ሽዑ፡ ንጉስ ዳርዮስ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦+ “ሰላም ይብዝሓልኩም! 26  ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዳንኤል ብፍርሂ ራዕራዕ ኪብሉ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ።+ ንሱስ ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ። መንግስቱ ኸቶ ኣይትጠፍእን እያ፣ ግዝኣቱ* እውን ዘለኣለማዊ እዩ።+ 27  ንሱ ንዳንኤል ካብ ኢድ ኣናብስ ኣድሒንዎ እዩ እሞ፡ የናግፍን+ የድሕንን፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ትእምርትታትን ተኣምራትን ይገብር እዩ።”+ 28  ስለዚ፡ እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን+ ኣብ መንግስቲ ቂሮስ እቲ ፋርሳውን ሰለጦ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሙዚቀኛታት ከይመጹሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ተወኪሉ።”
ወይ፡ “ዝሓመይዎ።”
ወይ፡ “ልዑላውነቱ።”