ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 5:1-31

ትሕዝቶ

  • ንጉስ ቤልሻጽር ዝገበሮ ድግስ (1-4)

  • ኣብ መንደቕ፡ ኢድ ጸሓፈት (5-12)

  • ዳንኤል ነቲ ጽሕፈት ኪትርጕሞ ተሓትተ (13-25)

  • ትርጉሙ፦ ባቢሎን ክትወድቕ እያ (26-31)

5  ንጉስ ቤልሻጽር+ ንሽሕ ልዑላኑ ዓብዪ ድግስ ገበረሎም፣ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።+  ብወይኒ ምስ ሰኸረ፡ ንጉስን ልዑላኑን ኣንስቲ ወሰኑን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩስ፡ ቤልሻጽር ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዝወሰዶ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ ኣዘዘ።+  ሽዑ፡ ነቲ ኻብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቕሑ ኣምጽእዎ። ንጉስን ልዑላኑን ኣንስቲ ወሰኑን ዕቁባቱን ድማ ብእኡ ሰተዩ።  ወይኒ ሰትዮም ከኣ፡ ነቶም ኣማልኽቲ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን ወደስዎም።  ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣብቲ እተለሰነ መንደቕ እቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ኣጻብዕ ሰብ ተራእያን ጸሓፋን፣ ንጉስ ድማ እታ ኢድ ክትጽሕፍ ከላ፡ ዝባና ይርእያ ነበረ።  ሽዑ፡ ንጉስ ጸማልያ መሰለ፡* ሓሳባቱ እውን ኣሸበሮ፣ ሕቘኡ ተናወጸ፡+ ኣብራኹ ድማ ንሓድሕዱ ተዋቕዐ።  ንጉስ ከኣ ነቶም ጸዋዕቲ መናፍስትን ከለዳውያንን* ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ኪጽውዑሉ ዓው ኢሉ ጨደረ።+ ንጉስ ድማ ነቶም ጥበበኛታት ባቢሎን፡ “ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጉማ ዚነግረንን ሰብ፡ ጁዅ ዚሕብሩ ኺለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኺግበረሉ፡+ ኣብዛ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳይ ኰይኑ ኺገዝእ እዩ” በሎም።+  ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ጥበበኛታት ኣተዉ፣ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጉማ ንንጉስ ኪነግርዎን ግና ኣይከኣሉን።+  ስለዚ፡ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዩ ፈርሀ፣ ገጹ ኸኣ ጸማልያ መሰለ፣ ልዑላኑ እውን ደንጸዎም።+ 10  ብምኽንያት ቃላት እቲ ንጉስን ልዑላኑን ድማ፡ ንግስቲ ናብቲ ኣዳራሽ ድግስ ኣተወት። ንግስቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ሓሳባትካ ኣየሸብርካ፣ ገጽካ እውን ኣይጸምሉ። 11  መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ* ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ብዘመን ኣቦኻ፡ ከም ጥበብ ኣማልኽቲ ዝበለ ብርሃንን ልቦናን ጥበብን ኣብኡ ተረኺቡ እዩ።+ ኦ ንጉስ፡ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ሓለቓ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ከለዳውያንን* ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ገይሩ ሸይምዎ እዩ፣+ ኦ ንጉስ፡ ኣቦኻ ኸምኡ ገይሩ እዩ። 12  እቲ ንጉስ ቤልጥሻጽር ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤልሲ፡+ ንምትርጓም ሕልምታትን ንምግላጽ ሕንቅሕንቅሊተያትን ንምፍታሕ እተሓላለኸ ጸገማትን* ፍሉይ መንፈስን ፍልጠትን ልቦናን ተረኺብዎ እዩ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ዳንኤል ይጸዋዕ፣ ነቲ ትርጉም እውን ኪነግረካ እዩ።” 13  ስለዚ፡ ንዳንኤል ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል ከምዚ በሎ፦ “እቲ ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ኻብ ዘምጽኦም+ ምሩኻት ይሁዳ+ ዝዀንካ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ፧ 14  መንፈስ ኣማልኽቲ ኣባኻ ኸም ዘሎ፡+ ብርሃንን ልቦናን ፍሉይ ጥበብን ከኣ ከም ዚርከበካ ብዛዕባኻ ሰሚዐ ኣለኹ።+ 15  ሕጂ ድማ፡ እቶም ጥበበኛታትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋን ትርጉማ ኼፍልጡንን ናብ ቅድመይ ኣምጺኦምዎምሲ፡ ትርጉም እዛ መልእኽቲ ኺነግሩኒ ኣይከኣሉን።+ 16  ብዛዕባኻ ግና ትርጉማት ክትነግርን እተሓላለኸ ጸገማት ክትፈትሕን* ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ።+ ሕጂ ድማ፡ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጉማ ኸተፍልጠንን እንተ ኽኢልካ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ኽትለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትገብር፡ ኣብዛ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳይ ኴንካ ኽትገዝእ ኢኻ።”+ 17  ሽዑ፡ ዳንኤል ንንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ህያባትካ ንዓኻ ይኹን፣ ውህበታትካ እውን ንኻልኦት ሃቦ። ግናኸ፡ ነታ ጽሕፈት ንንጉስ ከንብበሉ፡ ትርጉማ እውን ከፍልጦ እየ። 18  ኦ ንጉስ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ንኣቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሂብዎ።+ 19  ብምኽንያት እቲ ዝሃቦ ዕቤት ድማ ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሂ ራዕራዕ ኢሎም።+ ንዝደለዮ ቐቲሉ፡ ንዝደለዮ እውን ብህይወት ኪነብር ሓዲጉ፣ ንዝደለዮ ልዕል ኣቢሉ፡ ንዝደለዮ እውን ኣዋሪዱ።+ 20  ግናኸ፡ ልቡ ምስ ተዓበየ፡ መንፈሱ ኸኣ ምስ ተረረ እሞ ምስ ተዳፈረ፡+ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወሪዱ፡ ክብሩ ድማ ካብኡ ተወሲዱ። 21  ካብ ደቂ ሰብ ከኣ ተሰጒጉ፣ ልቡ ድማ ከም ናይ እንስሳ ዀይኑ፣ ምስ ኣእዱግ በረኻ ኸኣ ይነብር ነይሩ። እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑን ንዝደለዮ ኸም ዜቝሞን ክሳዕ ዚፈልጥ፡ ከም ኣብዑር ዚበልዖ ኣትክልቲ ተዋሂብዎ፡ ሰብነቱ እውን ብኣውሊ ሰማያት ጠልቅዩ።+ 22  “ኣታ ወዱ ቤልሻጽር፡ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስኻ፡ ልብኻ ኣየትሓትካን። 23  ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጐይታ ሰማያት ርእስኻ ልዕል ኣቢልካሉ፣+ ኣቕሑ ቤቱ ኸም ዜምጽኡልካ ድማ ጌርካ።+ ሽዑ፡ ንስኻን ልዑላንካን ኣንስቲ ወሰንካን ዕቁባትካን ብእኡ ወይኒ ሰቲኹም፣ ንኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን፡ ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይርእዩን ሓንቲ እኳ ዘይሰምዑን ሓንቲ እኳ ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ኸኣ ወዲስኩምዎም።+ ነቲ ትንፋስካን ኵሉ መገድታትካን ኣብ ኢዱ ዝዀነ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።+ 24  ስለዚ፡ እታ ኢድ ካብኡ እያ ተላኢኻ፣ እዚ ጽሕፈት እዚ እውን ተጻሒፉ።+ 25  እቲ እተጻሕፈ ጽሕፈት ከኣ እዚ እዩ፦ መኔ፡ መኔ፡ ቴቄል፡ ፋርሲን። 26  “ትርጉም እቲ ቓላት ድማ እዚ እዩ፦ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጺርዎን ወዲእዎን።+ 27  “ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካስ ጐዲልካ ተረኺብካ። 28  “ፌሬስ፡ መንግስትኻ ተመቒላ ንሜዶናውያንን ንፋርሳውያንን ተዋሂባ።”+ 29  ሽዑ፡ ቤልሻጽር ኣዘዘ እሞ፡ ንዳንኤል ጁዅ ዝሕብሩ ኣልበስዎ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ገበሩሉ፡ ሳልሳይ ገዛኢ እታ መንግስቲ ምዃኑ እውን ብዛዕባኡ ኣወጁ።+ 30  በታ ለይቲ እቲኣ፡ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።+ 31  ዳርዮስ+ እቲ ሜዶናዊ ኸኣ ወዲ 62 ዓመት ኣቢሉ ኸሎ፡ ነታ መንግስቲ ተቐበላ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትርኢት እቲ ንጉስ ተለወጠ።”
ማለት፡ ጕጅለ ኽኢላታት ጠንቈልትን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን።
ወይ፡ “ኽኢላ ሰብኣይ።”
ማለት፡ ጕጅለ ኽኢላታት ጠንቈልትን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን።
ቃ.ቃ.፡ “ንምፍታሕ ቍጻራትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቍጻራት ክትፈትሕን።”