ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 4:1-37

ትሕዝቶ

  • ንጉስ ነቡካድነጻር ንንግስና ኣምላኽ ተኣመነሉ (1-3)

  • ንጉስ ብዛዕባ ሓንቲ ኦም ዝሓለሞ ሕልሚ (4-18)

    • እታ ኦም ምስ ወደቐት፡ ሸውዓተ ግዜያት ይሓልፋ (16)

    • ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ እዩ (17)

  • ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ተርጐሞ (19-27)

  • ኣብቲ ንጉስ እተፈጸመ ቐዳማይ ፍጻመ (28-36)

    • ንጉስ ንሸውዓተ ግዜያት ተጸለለ (32, 33)

  • ንጉስ ንኣምላኽ ሰማይ ልዕል ኣበሎ (37)

4  “ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዚቕመጡ ዅሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን፦ ሰላምኩም ይብዛሕ!  እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትታትን ተኣምራትን ክነግር ባህ ይብለኒ።  ትእምርትታቱ ኸመይ ኰን ዓብዪ እዩ! ተኣምራቱ እውን ከመይ ኰን ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+  “ኣነ ነቡካድነጻር ኣብ ቤተይ ቀሲነ፡ ኣብ ቤተ መንግስተይ ድማ እብልጽግ ነበርኩ።  ዘፍርሃኒ ሕልሚ ኸኣ ረኣኹ። ኣብ ዓራተይ በጥ ኢለ ኸለኹ፡ ምስልታትን ራእያትን ርእሰይ ኣፍርሃኒ።+  ስለዚ፡ ትርጉም እቲ ሕልሚ ምእንቲ ኼፍልጡኒ፡ ንዅሎም ጥበበኛታት ባቢሎን ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም ኣዘዝኩ።+  “ሽዑ፡ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ከለዳውያንን* ቈጸርቲ ኸዋኽብትን+ ኣተዉ። ነቲ ሕልሚ ምስ ነገርክዎም፡ ትርጉሙ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን።+  ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ብስም ኣምላኸይ+ ቤልጥሻጽር እተሰምየ+ መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ዘለዎ+ ዳንኤል ናብ ቅድመይ ኣተወ፣ ኣነ ድማ ነቲ ሕልሚ ነገርክዎ፦  “‘ኦ ቤልጥሻጽር፡ ሓለቓ ስሒር ዚገብሩ ኻህናት፡+ መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ኣባኻ ኸም ዘሎን+ ዜሸግረካ ምስጢር ከም ዘየልቦን ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ ስለዚ፡ ነቲ ብሕልመይ ዝረኣኽዎ ራእያትን ንትርጉሙን ግለጸለይ። 10  “‘ኣብ ዓራተይ ከለኹ፡ ብራእያት ርእሰይ ሓንቲ ኦም+ ኣብ ማእከል ምድሪ ርእየ፣ ቍመታ ኸኣ ነዊሕ እዩ ነይሩ።+ 11  እታ ኦም ዓብያን በርቲዓን፣ ጫፋ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ፣ ክሳብ ወሰናት ብዘላ ምድሪ እውን ትርአ ነይራ። 12  ኣቝጽልታ ጽቡቕ፡ ፍሪኣ ኸኣ ብዙሕ ነይሩ፣ ኣብኣ እውን ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ነይሩ። ኣብ ትሕቲኣ፡ እንስሳታት መሮር የጽልላ፡ ኣብ ጨናፍራ ድማ ኣዕዋፍ ሰማያት ይሰፍራ ነይረን፣ ኵሉ ፍጡር* ከኣ ካብኣ ይምገብ ነይሩ። 13  “‘ኣብ ዓራተይ ኰይነ ራእያት ርእሰይ እናረኣኹ ኸለኹ፡ ሓደ ቕዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማያት ኪወርድ ረኣኹ።+ 14  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ብዓውታ ጨደረ፦ “ነዛ ኦም ቍረጽዋ፣+ ጨናፍራ ጸልጽሉ፣ ኣቝጽልታ ኣርግፉ፣ ፍሪኣ እውን ፋሕ ኣብሉ! እተን እንስሳታት ካብ ትሕቲኣ፡ እተን ኣዕዋፍ እውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ። 15  ነቲ ጕርማጽ ምስ ሰራውራ፡* ብሓጺንን ብነሓስን ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማያት ይጠልቂ፣ ግዲኡ እውን ኣብ መንጎ ኣትክልቲ ምድሪ ምስ እንስሳታት ይኹን።+ 16  ልቡ ኻብ ናይ ሰብ ይለወጥ፣ ልቢ እንስሳ ኸኣ ይውሃቦ፣ ሸውዓተ ግዜያት+ ድማ ይሕለፎ።+ 17  ህያዋን ዘበሉ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑ፡+ ንዝደለዮ ድማ ከም ዚህባ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ካብ ሰብ እቲ ዝተሓተ ኸም ዜቕውም ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ብትእዛዝ ሓለውቲ፡+ እቲ ውሳነ እውን ብቓል ቅዱሳት እዩ።” 18  “‘ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ዝረኣኽዎ ሕልሚ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኦ ቤልጥሻጽር፡ ኵሎም ጥበበኛታት መንግስተይ ትርጉሙ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን እሞ፡ ትርጉሙ ንገረኒ።+ መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎስ፡ ንስኻ ትኽእሎ ኢኻ።’ 19  “ሽዑ፡ እቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል+ ንቕጽበት ሰምበደ፣ ሓሳባቱ እውን ኣፍርሆ። “ንጉስ ከኣ፡ ‘ኦ ቤልጥሻጽር፡ እቲ ሕልምን ትርጉሙን ኣየፍርህካ’ በሎ። “ቤልጥሻጽር ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘ኦ ጐይታይ፡ እቲ ሕልሚ ንዚጸልኡኻ፡ ትርጉሙ እውን ንጸላእትኻ ይኹን። 20  “‘እታ ዝረኣኻያ ዝዓበየትን ዝበርትዐትን ኦም፡ እታ ጫፋ ኽሳብ ሰማያት ዝበጽሐ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን እትርአ፡+ 21  እታ ኣቝጽልታ ጽቡቕ፡ ፍሪኣ ብዙሕ፡ ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፡ እንስሳታት መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ኣብ ጨናፍራ ዚሰፍራላ፡+ 22  ኦ ንጉስ፡ ስለ ዝዓበኻን ዝበርታዕካን፡ ዕቤትካ ዓብዩ ኽሳብ ሰማያት ስለ ዝበጽሐ፡+ ግዝኣትካ እውን ክሳብ ወሰናት ምድሪ ስለ ዝበጽሐ፡ ንሳስ ንስኻ ኢኻ።+ 23  “‘ንጉስ ከኣ ሓደ ቕዱስ ሓላዊ+ ኻብ ሰማያት፡ “ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ነቲ ጕርማጽ ምስ ሰራውራ* ግና ብሓጺንን ብነሓስን ተኣሲሩ፡ ኣብ መንጎ ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ኣውሊ ሰማያት ድማ የጠልቅዮ፣ ሸውዓተ ግዜያት ክሳዕ ዚሓልፎ እውን ግዲኡ ምስ እንስሳታት መሮር ይኹን” እናበለ ኺወርድ ከሎ ርእዩ።+ 24  ኦ ንጉስ፡ ትርጉሙ እዚ እዩ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ። 25  ካብ ሰብ ክትስጐጕ፡ ምስ እንስሳታት መሮር ድማ ክትነብር ኢኻ፣ ከም ኣብዑር ከኣ እትበልዖ ኣትክልቲ ኺውሃበካ እዩ። ብኣውሊ ሰማያት ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፣+ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑን ንዘደለዮ ኸም ዚህባን ክሳዕ እትፈልጥ ከኣ፡+ ሸውዓተ ግዜያት+ ኪሓልፈካ እዩ።+ 26  “‘እቲ ጕርማጽ ኦም ምስ ሰራውራ* ይተሓደግ ስለ ዝበሉ ግና፡+ ሰማያት ከም ዚገዝእ ምስ ፈለጥካ፡ መንግስትኻ መሊሳ ናትካ ኽትከውን እያ። 27  ስለዚ፡ ኦ ንጉስ፡ ምኽረይ ኣባኻ ቕቡል ይኹን። ቅኑዕ ብምግባር ካብ ሓጢኣትካ፡ ንድኻታት ምሕረት ብምግባር ድማ ካብ እከይካ ተመለስ። ምናልባት ብልጽግናኻ ይነውሕ ይኸውን።’”+ 28  እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖ። 29  ድሕሪ 12 ወርሒ፡ ኣብ ናሕሲ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ይመላለስ ነበረ። 30  ንጉስ ድማ፡ “እዚኣስ እታ ቤተ መንግስተይ ክትከውን፡ ንኽብሪ ግርማይ ኢለ ብገዛእ ብርታዐይን ሓይለይን ዝሃነጽክዋ ዓባይ ባቢሎን ደይኰነትን፧” በለ። 31  እቲ ቓል ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ከምዚ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማያት መጸ፦ “ኦ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ከምዚ ተባሂሉልካ ኣሎ፦ ‘መንግስቲ ኻባኻ ርሒቓ ኣላ፣+ 32  ካብ ሰብ እውን ትስጐጕ ኣለኻ። መንበሪኻ ምስ እንስሳታት መሮር ኪኸውን፡ ከም ኣብዑር ድማ እትበልዖ ኣትክልቲ ኺውሃበካ እዩ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑን ንዝደለዮ ኸም ዚህባን ክሳዕ እትፈልጥ ከኣ፡ ሸውዓተ ግዜያት ኪሓልፈካ እዩ።’”+ 33  ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ እቲ ቓል ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ። ንሱ ድማ ጸጕሩ ኸም ከነቲት ንስሪ፡ ኣጽፋሩ እውን ከም ኣጽፋር ኣዕዋፍ ክሳዕ ዚነውሕ፡ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጕጐ፡ ከም ኣብዑር ከኣ ኣትክልቲ በልዐ፡ ሰብነቱ ድማ ብኣውሊ ሰማያት ጠልቀየ።+ 34  “ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ፡+ ኣነ ነቡካድነጻር ናብ ሰማያት ጠመትኩ፣ ኣእምሮይ ድማ ተመልሰለይ። ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፡ መንግስቱ እውን ንውሉድ ወለዶ እዩ እሞ፡ ነቲ ልዑል ወደስክዎ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ እውን ውዳሰን ክብርን ሃብክዎ።+ 35  ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ኸም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን እዮም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሰማያትን ነበርቲ ምድርን ከኣ ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ኪዓግቶ* ወይ ‘እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧’ ኪብሎ ዚኽእል እውን የልቦን።+ 36  “በቲ ግዜ እቲ፡ ኣእምሮይ ተመልሰለይ፣ ክብሪ መንግስተይን ዕቤተይን ግርማይን ተመልሰለይ።+ ላዕለዎት ሰበ ስልጣነይን ልዑላነይን ከኣ ተሃንጥዮም ደለዩኒ፣ ናብ መንግስተይ ድማ ተመለስኩ፣ ዝያዳ ዕቤት እውን ተወሰኸለይ። 37  “ሕጂ፡ ኣነ ነቡካድነጻር ንንጉስ ሰማያት እውድሶን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ።+ ኵሉ ግብሩስ ሓቂ፡ መገድታቱ እውን ፍትሒ እዩ፣+ ነቶም ብትምክሕቲ ዚመላለሱ ድማ ኬዋርዶም ይኽእል እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ጕጅለ ኽኢላታት ጠንቈልትን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን።
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”
ወይ፡ “ጕንዲ ሱራታ።”
ወይ፡ “ጕንዲ ሱራታ።”
ወይ፡ “ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት።”
ወይ፡ “ንኢዱ ኺቈጻጸራ።”