ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 12:1-13

ትሕዝቶ

  • “ግዜ መወዳእታ”ን ድሕሪኡን (1-13)

    • ሚካኤል ኪቐውም እዩ (1)

    • ልቦና ዘለዎም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም (3)

    • ናይ ሓቂ ፍልጠት ኪበዝሕ እዩ (4)

    • ዳንኤል ንዕጫኡ ኺትንስእ እዩ (13)

12  “በቲ ግዜ እቲ፡ ሚካኤል፡*+ እቲ ምእንቲ ህዝብኻ* ዚቐውም ዓብዪ መስፍን+ ኪቐውም* እዩ። ህዝቢ ኻብ ዝሃለወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ ግዜ ጭንቂ ኪኸውን እዩ። በቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ህዝብኻ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ እተረኽበ ዘበለ፡+ ኬምልጥ እዩ።+  ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም እውን ናብ ጸርፍን ናብ ናይ ዘለኣለም ንዕቀትን ኪበራበሩ እዮም።  “እቶም ልቦና ዘለዎም ድማ ከም ጠፈር ሰማይ፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።  “ንስኻ ድማ ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ነዚ ቓላት እዚ ምስጢር ጌርካ ሓዞ፣ ነታ መጽሓፍ እውን ሕተማ።+ ብዙሓት ኪዞሩ እዮም፣* ናይ ሓቂ ፍልጠት ከኣ ኪበዝሕ እዩ።”+  ሽዑ፡ ኣነ ዳንኤል ጠመትኩ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ እቲ ሓደ በዚ ገምገም ውሒዝ፡ እቲ ሓደ በቲ ገምገም ውሒዝ ደው ኢሎም ረኣኹ።+  ሽዑ፡ ሓደ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት እቲ ውሒዝ ዝነበረ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡+ “ክሳዕ መወዳእታ እዚ መስተንክር ነገራት እዝስ ክንደይ ዚኣክል ኪኸውን እዩ፧” በሎ።  እቲ ኣብ ልዕሊ ማያት እቲ ውሒዝ ዝነበረ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ ከኣ፡ የማነይቲ ኢዱን ጸጋመይቲ ኢዱን ናብ ሰማያት ኣልዒሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ እናመሓለ፡+ “ንምዱብ ግዜን ምዱብ ግዜያትን ፍርቂ ግዜን* እዩ። ሓይሊ እቲ ቕዱስ ህዝቢ ተሓምሺሹ ምስ ተወድአ፡+ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።  ኣነ ድማ ሰማዕኩ፣ ክርዳእ ግና ኣይከኣልኩን።+ ስለዚ፡ “ኦ ጐይታይ፡ መወዳእታ እዚ ነገር እዚ እንታይ እዩ፧” በልክዎ።  ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ዳንኤል፡ እዚ ቓላት ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ምስጢር ጌርካ ኺትሓዝን ኪሕተምን ስለ ዝዀነ፡ ኪድ ደኣ።+ 10  ብዙሓት ኪጸርዩን ኪጽዕድዉን ኪዅልዑን እዮም።+ እኩያት ከኣ እከይ ኪገብሩ እዮም፣ ካብቶም እኩያትሲ ሓደ እኳ ኣይኪርዳእን እዩ፣ እቶም ልቦና ዘለዎም ግና ኪርድኡ እዮም።+ 11  “ካብቲ እቲ ወትሩ ዚቐርብ*+ እተወገደሉን እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ዝቘመሉን+ ድማ፡ 1,290 መዓልቲ ኪኸውን እዩ። 12  “እቲ ዚጽበን* ኣብተን 1,335 መዓልቲ ዚበጽሕን ሕጉስ እዩ! 13  “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኺድ። ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ግና ንዕጫኻ* ኽትትንስእ ኢኻ።”+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ህዝብኻ።”
ወይ፡ “ኪልዓል።”
ወይ፡ “[ነታ መጽሓፍ] ኣጸቢቖም ኪምርምርዋ እዮም።”
ማለት፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን።
ወይ፡ “ብቐጻሊ ዚቐርብ መስዋእቲ።”
ወይ፡ “ብሃንቀውታ ዚጽበን።”
ወይ፡ “ናብ ግደኻ።”