ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 10:1-21

ትሕዝቶ

  • ካብ ኣምላኽ እተላእከ ልኡኽ ንዳንኤል በጽሖ (1-21)

    • ሚካኤል ነቲ ልኡኽ ሓገዞ (13)

10  ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ቂሮስ+ ንጉስ ፋርስ፡ ነቲ ቤልጥሻጽር ተባሂሉ እተሰምየ ዳንኤል+ ሓደ ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ መልእኽቲ ኸኣ ሓቂ ነበረ፣ ብዛዕባ ዓብዪ ግጭት ድማ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ ተረድኦ፣ ነቲ ዝረኣዮ እውን ኪርድኦ ኸኣለ።  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።+  ኣብተን ሰለስተ ሰሙን ምሉእ፡ ጥዑም ምግቢ ኣይበላዕኩን፣ ስጋ ወይ ወይኒ ድማ ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፣ ዘይቲ እውን ኣይተለኸኹን።  ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ፈለግ ጢግሪስ*+ ከለኹ፡  ኣዒንተይ ኣልዓልኩ እሞ በፍታ እተኸድነ+ ኣብ ማዕጥቖኡ ዕጣቕ ወርቂ ኡፋዝ እተዓጥቀ ሰብኣይ ረኣኹ።  ሰብነቱ ኸም ክሪሶሊት፡+ ገጹ ኸም ትርኢት በርቂ፡ ኣዒንቱ ኸም ፋናታት ሓዊ፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም እተወልወለ ነሓሲ፡+ ደሃይ ድምጹ ኸኣ ከም ደሃይ ብዙሓት ነበረ።  ኣነ ዳንኤል ጥራይ ነቲ ራእይ ረኣኽዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረኣይዎን።+ ግናኸ፡ ኣመና ራዕራዕ በሉ፣ ሃዲሞም ከኣ ተሓብኡ።  ሽዑ፡ በይነይ ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ምስ ረኣኹ ድማ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ግርማ ትርኢተይ ከኣ ሓደገኒ፡ ኵሉ ብርታዐይ እውን ጠፍአ።+  ሽዑ፡ ደሃይ እቲ ዚዛረበኒ ሰማዕኩ፣ ኪዛረበኒ ኸሎ ምስ ሰማዕክዎ ግና፡ ከቢድ ድቃስ ወሲዱኒ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።+ 10  ሽዑ ግና፡ ኢድ ተንከየትኒ፡+ ብኣእዳወይን ብኣብራኸይን ክትንስእ ድማ ኣለዓዓለትኒ። 11  ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ* ሰብ፡+ ነቲ ኣነ ዝዛረበካ ቓላት ኣቕልበሉ። ሕጂ፡ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፡ ኣብ ቦታኻ ደው በል።” እዚ ምስ በለኒ፡ ራዕራዕ እናበልኩ ደው በልኩ። 12  ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ኣይትፍራህ።+ ካብታ ንምርዳእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ርእስኻ ንምትሓትን ልብኻ ዝሃብካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዙስ ቃላትካ ተሰሚዐን እየን፣ ኣነ ድማ ብምኽንያት ቃላትካ እየ መጺአ።+ 13  መስፍን+ መንግስቲ ፋርስ ግና 21 መዓልቲ ኣንጻረይ ቈይሙ። ድሕሪኡ ግና፡ ሚካኤል*+ ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ* ኺሕግዘኒ መጺኡ፣ ኣነ እውን ኣብኡ ኣብ ጥቓ ነገስታት ፋርስ እየ ጸኒሐ። 14  ገና ንዚመጽእ መዓልትታት ዚኸውን ራእይ እዩ እሞ፡+ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ እንታይ ከም ዚወርዶም ከረድኣካ መጺአ ኣለኹ።”+ 15  እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረበኒ፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፡ ዓባስ እውን ኰንኩ። 16  ሽዑ፡ ሰብ ዚመስል ንኸናፍረይ ተንከዮ፣+ ኣነ ድማ ኣፈይ ከፈትኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ኸኣ ከምዚ በልክዎ፦ “ጐይታይ፡ ብሰንኪ እዚ ራእይ አንቀጥቅጥ ኣለኹ፣ ሓይሊ እውን የብለይን።+ 17  እሞ ደኣ ጊልያ ጐይታይ ከመይ ኢሉ ምስ ጐይታይ ኪዛረብ ይኽእል፧+ ሕጅስ ሓይሊ የብለይን፣ ትንፋስ እውን ኣይተረፈንን።”+ 18  እቲ ሰብ ዚመስል ከኣ ከም ብሓድሽ ተንከየኒ፡ ኣበርትዓኒ እውን።+ 19  ሽዑ፡ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ* ሰብ፡+ ኣይትፍራህ።+ ሰላም ንዓኻ ይኹን።+ በርትዕ፡ እወ፡ በርትዕ” በለኒ። ምስ ተዛረበኒ፡ በርታዕኩ፡ “ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ጐይታይ ይዛረብ” በልክዎ። 20  ሽዑ፡ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩ ትፈልጥዶ፧ ሕጂ፡ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ።+ ምስ ከድኩ፡ መስፍን ግሪኽ ኪመጽእ እዩ። 21  ግናኸ፡ ኣብ ጽሑፋት ሓቂ እተመዝገበ ኽነግረካ እየ። ብዘይካ ሚካኤል+ እቲ መስፍንኩም፡+ ሓደ እኳ ብጽኑዕ ዝደገፈኒ የብለይን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሂዴቄል።”
ወይ፡ “እትብሃግ፣ ዝኸበርካ።”
ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”
ወይ፡ “ቀዳማይ መዓርግ ዘለዎ መስፍን።”
ወይ፡ “እትብሃግ፣ ዝኸበርካ።”