ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዳንኤል 1:1-21

ትሕዝቶ

  • የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ተኸብበት (1, 2)

  • ነቶም ካብ ዘርኢ ንጉስ ዝዀኑ ምሩኻት ፍሉይ ስልጠና ተዋህቦም (3-5)

  • ተኣማንነት ኣርባዕተ እብራውያን ተፈተነ (6-21)

1  ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስና ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ።+  የሆዋ ኸኣ ንዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ምስ ገለ ኻብ ኣቕሑ ቤት* እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ሃቦ፣+ ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ሲንኣር*+ ናብ ቤት* ኣምላኹ ወሰዶ። ነቲ ኣቕሑ ኸኣ ኣብ መዝገብ ኣምላኹ ኣንበሮ።+  ሽዑ፡ ንጉስ ንኣሽፈናዝ እቲ ቐንዲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቱ፡ ካብ እስራኤላውያን፡ እንተላይ ካብ ዘርኢ ንጉስን ልዑላንን ኬምጽእ ኣዘዞ።+  ንሳቶም ጕድለት ዘይብሎም፡ ጽቡቕ ዝትርኢቶም፡ ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን እተዓደሉ፡+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ንምግልጋል ድማ ክእለት ዘለዎም መንእሰያት* ኪዀኑ ነበሮም። ንሱ ኸኣ ጽሕፈትን ቋንቋን ከለዳውያን ኪምህሮም ነበሮ።  ንጉስ ድማ ካብቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን መዓልታዊ መቝነን መደበሎም። ሰለስተ ዓመት ኪስልጥኑ* ነበሮም፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ ናብ ኣገልግሎት ንጉስ ኪኣትዉ ነበሮም።  ኣብ መንጎኦም ድማ ካብ ነገድ* ይሁዳ፡ ዳንኤልን*+ ሓናንያን* ሚሻኤልን* ዓዛርያን* ነበሩ።+  እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኸኣ ስማት* ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልጥሻጽር፡+ ንሓናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቅ፡ ንዓዛርያ ድማ ዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮም።+  ዳንኤል ግና በቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስ ወይ በቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይኒ ኸይረክስ ብልቡ ቘረጸ። ስለዚ፡ ነቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ በዚ መገዲ እዚ ኸይረክስ ፍቓድ ለመኖ።  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ሞገስን* ምሕረትን ሃቦ።+ 10  እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ግና ንዳንኤል፡ “እቲ ምግብኹምን መስተኹምን ዝመደበልኩም ጐይታይ ንጉስ የፍርሃኒ እዩ። ትርኢትኩም ካብ ናይ መሳቱኹም መንእሰያት* ከፊኡ እንተ ረኣዮኸ፧ ኣብ ቅድሚ ንጉስ በደለኛ ኽትገብሩኒ* ኢኹም” በሎ። 11  ዳንኤል ግና ነቲ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዝሸሞ ሓላዊ ኸምዚ በሎ፦ 12  “በጃኻ፡ ንገላዉኻ ዓሰርተ መዓልቲ ፈትነና፣ ገለ ዚብላዕ ኣሕምልትን* ዚስተ ማይን ከኣ ሃበና፣ 13  ድሕሪኡ፡ ንትርኢትና ምስ ትርኢት እቶም ጥዑም ብልዒ ንጉስ ዚበልዑ መንእሰያት* ኣወዳድሮ፣ ንገላዉኻ ድማ ከምቲ እትርእዮ ግበረና።” 14  ንሱ ኸኣ ምስቲ ሓሳቦም ተሰማሚዑ ዓሰርተ መዓልቲ ፈተኖም። 15  ኣብ መወዳእታ እተን ዓሰርተ መዓልቲ፡ ካብ ኵሎም እቶም ጥዑም ብልዒ ንጉስ ዚበልዑ ዝነበሩ መንእሰያት* ዝበለጹን ዝጠዓዩን ኰይኖም ተራእዩ።* 16  ስለዚ፡ እቲ ሓላዊ ነቲ ጥዑም ብልዖምን ወይኖምን ሓዲጉ፡ ኣሕምልቲ* ሃቦም። 17  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት* እዚኦም ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ጽሕፈት፡ ፍልጠትን ልቦናን፡ ብተወሳኺ እውን ጥበብ ሃቦም፣ ዳንኤል ከኣ ኵሉ ዓይነት ራእያትን ሕልምታትን ይርዳእ ነበረ።+ 18  ኣብ መወዳእታ እታ ንጉስ ናብኡ ኺኣትዉ ዝመደባ ግዜ፡+ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣእተዎም። 19  ንጉስ ምስ ተዛረቦም፡ ካብ ኵላቶም ከም ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን፣+ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ የገልግሉ ነበሩ። 20  ኣብ ኵሉ እቲ ንጉስ ዝሓተቶም ጥበብን ኣእምሮን ዜድልዮ ነገር፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘሎ ግዝኣቱ ዚርከቡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን+ ዓሰርተ ሳዕ በሊጾም ረኸቦም። 21  ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ኣብኡ ጸንሐ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ማለት፡ ባቢሎንያ።
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ውሉዳት።”
ወይ፡ “ኪምገቡ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ዳኛይ እዩ።”
ትርጉሙ፡ “የሆዋ ሞገስ ኣርእዩ።”
ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧” ኪኸውን ይኽእል።
ትርጉሙ፡ “የሆዋ ረድአ።”
ማለት፡ ስማት ባቢሎን።
ወይ፡ “ለውሃትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ውሉዳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንርእሰይ በደለኛ ኽትገብርዋ።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ንኣዝርእትን ካብ ኣዝርእቲ ንዚርከብ ዝዀነ እኽልን ከተመልክት ትኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ውሉዳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ውሉዳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ትርኢቶም በሊጹን ስጋኦም ሰቢሑን ነበረ።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ንኣዝርእትን ካብ ኣዝርእቲ ንዚርከብ ዝዀነ እኽልን ከተመልክት ትኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ውሉዳት።”