ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮኤል 3:1-21

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ ይፈርዶም (1-17)

    • ስንጭሮ ዮሳፋጥ (2, 12)

    • ስንጭሮ ውሳነ (14)

    • የሆዋ፡ ዕርዲ እስራኤል (16)

  • የሆዋ ንህዝቡ ይባርኾ (18-21)

3  “እንሆ፡ በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትንሲ፡ንምሩኻት ይሁዳን የሩሳሌምን ምስ መለስክዎም፡+   ንዅሎም ኣህዛብ እውን ክእክቦም፡ናብ ስንጭሮ* ዮሳፋጥ* ድማ ከውርዶም እየ። ምእንቲ ህዝበይን ርስተይ እስራኤልንኣብኡ ምሳታቶም ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ፣+ንሳቶምሲ ንዓታቶም ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ኣቢሎምዎም፡ንምድረይ ከኣ ተማቒሎምዋ እዮም።+   ንህዝበይ ዕጫ የውድቑሉ፡+ዓስቢ ኣመንዝራ ኪኸውን ወዲ ይህቡ፡ወይኒ ኺሰትዩ ኢሎም ድማ ጓል ይሸጡ እዮም።   ኣቱም ጢሮስን ሲዶንን ኵልኹም ዞባታት ፍልስጥኤምን፡ኣንጻረይ እንታይ ኣሎኩም፧ ትፈድዩኒ ዲኹም ዘለኹም፧ ትፈድዩኒ እንተ ኣሊኹም፡ብፍጥነትን ብቕልጡፍን ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።+   ብሩረይን ወርቀይን ስለ ዝወሰድኩም፡+እቲ ብሉጽ መዛግብተይ ከኣ ናብ ኣብያተ መቕደስኩም ስለ ዘምጻእኩም፡   ካብ ሃገርኩም ከተርሕቕዎም ኢልኩም፡ንህዝቢ ይሁዳን ንህዝቢ የሩሳሌምን ናብ ግሪኻውያን ስለ ዝሸጥኩምዎም፡+   እንሆ፡ ካብቲ ዝሸጥኩምዎም ቦታ ኸተንስኦም፡+ፍዳኹም ከኣ ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።   የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ንኣወዳትኩምን ንኣዋልድኩምን ናብ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣+ንሳቶም እውን ናብ ሰብ ሳባ፡ ናብቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝቢ ኺሸጥዎም እዮም።   እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣውጁ፦+ ‘ንውግእ ተዳለዉ!* ንጀጋኑ ኣለዓዕልዎም! ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፡ ይምጽኡ!+ 10  ማሕረሻኹም ቀጥቂጥኩም ኣስያፍ፡ ገዘሞታትኩም ከኣ ኲናውቲ* ግበርዎ። እቲ ድኹም፡ “ጅግና እየ” ይበል። 11  ኵልኹም ኣብ ዙርያ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ንዑ፡ ርድኡ፡ ተኣከቡ!’”+ኦ የሆዋ፡ ንጀጋኑኻ* ናብታ ቦታ እቲኣ ኣውርዶም። 12  “ኣህዛብ ይለዓሉ፡ ናብ ስንጭሮ* ዮሳፋጥ ከኣ ይውረዱ፣ንዅሎም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ ክፈርድሲ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እየ።+ 13  እኽሊ በሲሉ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ስደዱ። መጽመቝ ወይኒ መሊኡ እዩ እሞ፡ ንዑ ርገጹ።+ ክፍኣቶም በዚሑ እዩ እሞ፡ መዋህለል ወይኒ ይጅርብብ ኣሎ። 14  መዓልቲ የሆዋ ኣብ ስንጭሮ* ውሳነ ቐሪባ ኣላ እሞ፡ህዝቢ፡ ህዝቢ ኣብ ስንጭሮ* ውሳነ ኣሎ።+ 15  ጸሓይን ወርሕን ኪጽልምታ እየን፣ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ኪስእኑ እዮም። 16  የሆዋ ኸኣ ካብ ጽዮን ኪጓዝም፡ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ። ሰማይን ምድርን ድማ ኬንቀጥቅጥ እዩ፣የሆዋ ግና ንህዝቡ መዕቈቢ፡+ንህዝቢ እስራኤል እውን ዕርዲ ኪኸውን እዩ። 17  ኣነ ኣብ ጽዮን፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ዝነብር የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ የሩሳሌም ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣+ጓኖት እውን ደጊም ብእኣ ኣይኪሓልፉን እዮም።+ 18  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣኽራን ጕዕሽ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡+ኵርባታት ድማ ጸባ ኼውሕዝ፡ኣብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ኪውሕዝ እዩ። ካብ ቤት የሆዋ ዓይኒ ማይ ኪውሕዝ፡+ንስንጭሮ* ኣእዋም ሰራው እውን ብመስኖ ኬስትዮ እዩ። 19  ብሰሪ እቲ ኣብ ህዝቢ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፡+ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ስለ ዘፍሰሱ፡+ግብጺ ባድም ክትከውን፡+ኤዶም ከኣ ዝባደመት በረኻ ኽትከውን እያ።+ 20  ይሁዳ ግና ወትሩ ነባሪ ኺህልዋ፡የሩሳሌም ድማ ንውሉድ ወለዶ ኸምኡ ኺህልዋ እዩ።+ 21  ነቲ ንጹህ ገይረ ዘይረኣኽዎ ደሞም* ንጹህ ገይረ ኽርእዮ እየ፣+የሆዋ ኸኣ ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ትርጉሙ፡ “የሆዋ ፈራዲ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ውግእ ቀድሱ።”
ወይ፡ “ሕላሳት።”
ወይ፡ “ንሓያላትካ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ንርባ።”
ወይ፡ “ዕዳ ደሞም።”