ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ዮናስ 4:1-11

ትሕዝቶ

  • ዮናስ ተቘጥዐ፡ ኪመውት ድማ ደለየ (1-3)

  • የሆዋ ንዮናስ፡ ምሕረት መሃሮ (4-11)

    • “ኣመና ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” (4)

    • ብተኽሊ ሓምሓም ጌርካ እተዋህበ ውድዓዊ ትምህርቲ (6-10)

4  እዚ ግና ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሃዮ፡ ብቝጥዓ እውን ነደደ።  ስለዚ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ “ኣየ ኣታ የሆዋ፡ ኣብ ምድረይ ከለኹስ እዚ ደይኰነን ዘተሓሳሰበኒ፧ ንስኻ ርሕሩሕን* መሓርን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን+ ብመዓት እትሓዝንን ከም ዝዀንካ እፈልጥ እየ እሞ፡ ስለዚ እየ ብቐደሙ ናብ ተርሲስ+ ክሃድም ዝሓሰብኩ።  ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡ ብህይወት ካብ ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ እሞ፡ በጃኻ ንህይወተይ* ኣጥፍኣያ።”+  የሆዋ ድማ፡ “ኣመና ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።  ሽዑ፡ ዮናስ ካብታ ኸተማ ወጺኡ፡ ብምብራቕ እታ ኸተማ ተቐመጠ። ኣብኡ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ ዳስ ገበረ፣ ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፡ ኣብ ጽላላ ተቐመጠ።+  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎን ካብ ጸበባኡ ኸተፍኵሰሉን ኢሉ ኣብ ልዕሊኡ እትዓቢ ተኽሊ ሓምሓም* ኣዳለወ።  ንጽብሒቱ ምስ ወግሐ ግና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ሓሰኻ ሰደደ፣ ንሱ ድማ ነታ ተኽሊ ሓምሓም ኣጥቅዓ እሞ ጸምለወት።  ጸሓይ ምስ በረቐት ከኣ፡ ኣምላኽ ዚምሽሉቝ ንፋስ ምብራቕ ሰደደ፣ ጸሓይ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ወቕዓቶ፡ ንሱ እውን ደኸመ። “ብህይወት ካብ ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ” እናበለ ድማ ሞት* ይልምን ነበረ።+  ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ፡ “በታ ተኽሊ ሓምሓም ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ ሽዑ፡ ንሱ፡ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ” በለ። 10  የሆዋ ግና ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ነታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሓንቲ ለይቲ እውን ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ደንጊጽካላ። 11  ኣነኸ ነታ ቕኑዕን ጌጋን* ዘይፈልጡ ኻብ 120,000 ዚበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳታትን ዘለውዋ ዓባይ ከተማ ነነዌ ኽድንግጸላዶ ኣይግብኣንን፧”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ተኽሊ ጕልዒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሱ ኽትመውት።”
ወይ፡ “የማኖም ካብ ጸጋሞም።”